ዘጸኣት
31 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “እንሆ፡ ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ በሳልኤል+ ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሑር፡ ሓርየዮ* ኣለኹ።+ 3 ብመንፈስ ኣምላኽ ድማ ክመልኦ፡ ጥበብን ኣእምሮን ፍልጠትን ከኣ ክህቦ እየ፣ እዚ ድማ ንዅሉ ኢደ ጥበብ፡ 4 ንምንዳፍ፡ ብወርቅን ብብሩርን ብነሓስን ንምዕያይ፡ 5 ንምውቃርን ንምስራዕን ኣእማን፡+ ኵሉ ዓይነት ፍርያት ዕንጨይቲ ንምግባር ዚዀኖ እዩ።+ 6 ነቲ ኻብ ነገድ ዳን ዝዀነ ኦሆልያብ+ ወዲ ኣሒሳማክ ከኣ፡ ንዕኡ ኺሕግዞ ሸይመዮ ኣለኹ። ኣብ ልቢ ዅሎም እቶም ክኢላታት* ጥበብ ኣንቢረ ኣለኹ፣ እዚ ድማ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ምእንቲ ኺገብሩ፡+ 7 ማለት እቲ ድንኳን ምርኻብ፡+ እቲ ታቦት ምስክርን+ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መኽደንን፡+ ኵሉ እቲ ኣቕሑ ድንኳን፡ 8 እቲ ሰደቓን+ ኣቕሑኡን፡ እቲ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ዚግበር ቀዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቕሑኡን፡+ እቲ መሰውኢ ዕጣን፡+ 9 እቲ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእትን+ ኵሉ ኣቕሑኡን፡ እቲ ገበራን ኣጋሮኡን፡+ 10 እቲ ጽቡቕ እተኣልመ ኽዳውንቲ፡ እቲ ንኣሮን እቲ ኻህን ዚኸውን ቅዱስ ክዳውንቲ፡ ደቁ ብኽህነት ዜገልግሉሉ ኽዳውንቲ፡+ 11 እቲ ዘይቲ ቕብኣት፡ እቲ ንመቕደስ ዚኸውን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ኪገብሩ እዩ።+ ንዅሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ይግበርዎ።”
12 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ በሎ፦ 13 “ንእስራኤላውያን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ኣነ የሆዋ እቕድሰኩም ከም ዘለኹ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ንውሉድ ወለዶኹም ምልክት እየን እሞ፡ ምናዳ ሰናብተይ ሓልዉ።+ 14 ንዓኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፡+ ንሰንበት ሓልውዋ። ዜርክሳ ዘበለ፡ ይቀተል። ብእኣ ገለ ዕዮ ዚዓዪ ዘበለ ዅሉ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ መንጎ ህዝቡ ይመንቈስ።+ 15 ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዓየ፣ እታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ ሰንበት ምሉእ ዕረፍቲ እያ።+ ንየሆዋ እተቐደሰት እያ። ብመዓልቲ ሰንበት ዕዮ ዚዓዪ ዘበለ ዅሉ፡ ይቀተል። 16 እስራኤላውያን ንሰንበት ይሓልውዋ፣ ንውሉድ ወለዶኦም ይሓልውዋ። ናይ ሓዋሩ ኺዳን እያ። 17 የሆዋ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ሰማያትን ምድርን ገይሩ፡ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣዕሪፉን እፎይ ኢሉን እዩ እሞ፡+ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ህዝቢ እስራኤልን ናይ ሓዋሩ ምልክት እያ።’”+
18 ኣብ ከረን ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ክልተ ጽላት ምስክር፡+ ብኣጻብዕ ኣምላኽ+ እተጻሕፋ ጽላት እምኒ፡ ሃቦ።