ዘዳግም
23 “ፍረ ነፍሱ ብምጭፍላቕ እተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ እተሰልበ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኣይእቶ።+
2 “ድቓላ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኣይእቶ።+ ካብ ዘርኡ ኽሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኣይእቶ።
3 “ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኣይእቶ።+ ካብ ዘርኦም ክሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ፡ ንሓዋሩ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኣይእቶ። 4 እዚ ድማ ካብ ግብጺ ወጺእኩም ኣብ መገዲ ኸለኹም፡ እንጌራን ማይን ሒዞም መጺኦም ስለ ዘይረድኡኹም፡+ ንበላዓም ወዲ ቤዖር ከኣ ኪረግመካ ኢሎም ካብ ጴጦር ናይ መሶጶታምያ ስለ ዝቘጸርዎ እዩ።+ 5 የሆዋ ኣምላኽካ ግና ንበላዓም ኪሰምዖ ኣይደለየን።+ ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ስለ ዘፍቀረካ፡+ የሆዋ ኣምላኽካ ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ቐየረልካ።+ 6 ኵሉ መዓልትታትካ ንሓዋሩ ሰላሞም ወይ ጽቡቖም ኣይትድለ።+
7 “ንኤዶማዊ፡ ሓውካ እዩ እሞ፡ ኣይትጽልኣዮ።+
“ንግብጻዊ፡ ኣብ ሃገሩ ጓና ኔርካ ኢኻ እሞ፡ ኣይትጽልኣዮ።+ 8 እቶም ካብኦም እተወልዱ ሳልሳይ ወለዶ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኺኣትዉ ይኽእሉ እዮም።
9 “ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ምስ እትሰፍር፡ ካብ ክፉእ* ዘበለ ርሓቕ።+ 10 ሓደ ሰብኣይ ለይቲ ብዝወጾ ፈሳሲ እንተ ረኺሱ፡+ ካብ ሰፈር ናብ ወጻኢ ይኺድ፡ ናብ ሰፈር እውን ተመሊሱ ኣይእቶ። 11 ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ፡ ብማይ ይተሓጸብ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት+ ከኣ ናብ ሰፈር ኪምለስ ይኽእል እዩ። 12 ኣብ ወጻኢ ሰፈር፡ ደገ እትወጸሉ ብሑት ቦታ* ይሃሉኻ። 13 ምስ መሳርሒኻ ድማ ሓንካሾ ሓዝ። ኣብ ወጻኢ ኾፍ ምስ በልካ፡ ብእኡ ጕድጓድ ኵዓት፡ ነቲ ቐልቀልካ ኸኣ መሊስካ ኽደኖ። 14 የሆዋ ኣምላኽካ ምእንቲ ኼናግፈካን ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኺህበካን፡ ኣብ ውሽጢ ሰፈርካ+ ኺመላለስ እዩ፣ ገለ ዜሕፍር ነገር ከይርእየልካ እሞ፡ ምሳኻ ኻብ ምኻድ ከይምለስ፡ ሰፈርካ ቕዱስ ይኹን።+
15 “ካብ ጐይታኡ ሃዲሙ ንዝመጸካ ባርያ፡ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍካ ኣይትሃቦ። 16 ኣብ መንጎኻ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታትካ ኣብ ቃሕ ዝበለቶ ዝሓረያ ቦታ ይቀመጥ፣ ኣይትግፍዓዮ።+
17 “ካብ ኣዋልድ እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣይትኹን፣+ ካብ ኣወዳት እስራኤል እውን ሓደ እኳ ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣይኹን።+ 18 ክልቲኦም ኣብ የሆዋ ኣምላኽካ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ንኣንስተይቲ ኣመንዝራ ዚኽፈል ወይ ንተባዕታይ ኣመንዝራ* ዚኽፈል ዋጋ፡* መብጽዓ ንምፍጻም ናብ ቤት የሆዋ ኣምላኽካ ኣይተእቱ።
19 “ወለድ ገንዘብ ኰነ፡ ወለድ እኽሊ ዀነ፡ ወለድ ኪኽፈለሉ ናይ ዚኽእል ዝዀነ ነገር ወለድ ኰነ፡ ንሓውካ ወለድ ኣይተኽፍል።+ 20 ንጓና ወለድ ከተኽፍል ትኽእል ኢኻ፣+ የሆዋ ኣምላኽካ ኣብታ ኽትርስተያ እትኸዳ ዘለኻ ምድሪ ዅሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸልካ+ ግና፡ ንሓውካ ወለድ ኣይተኽፍል።+
21 “ንየሆዋ ኣምላኽካ መብጽዓ እንተ ተመባጺዕካ፡+ የሆዋ ኣምላኽካ ብርግጽ ካባኻ ኺደልዮ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከይዀነካስ፡+ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ።+ 22 እንተ ዘይተመባጺዕካ ግና፡ ሓጢኣት የብልካን።+ 23 ቃላት ከናፍርካ ሓሉ፣+ ነቲ መስዋእቲ ፍታው ኪኸውን ኣፍካ ንየሆዋ ኣምላኽካ እተመባጽዖ እውን ግበሮ።+
24 “ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብጻይካ እንተ ኣቲኻ፡ ክሳዕ እትጸግብ* ዚኣኽለካ ወይኒ ብላዕ፣ ናብ መትሓዚኻ ግና ገለ እኳ ኣይትግበር።+
25 “ናብ እኽሊ ዘለዎ ግራት ብጻይካ እንተ ኣቲኻ፡ ሰዊት ብኢድካ ኽትቅንጥብ ትኽእል ኢኻ፣ ብማዕጺድ ግና እኽሊ ብጻይካ ኣይትዕጸድ።+