19 ዓሻ ዄንካ ሓሶት ካብ እትዛረብሲ፡
ድኻ ዄንካ ብንጽህና ምምልላስ ይሓይሽ።+
2 ሰብ ብዘይ ፍልጠት፡ ጽቡቕ ኣይኰነን፣+
ብታህዋኽ ተግባሩ ዚገብር ድማ ይሓጥእ።
3 ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ የቕንን፣
ልቡ ግና ኣብ የሆዋ ይንድር።
4 ሃብትስ ብዙሓት ፈተውቲ ይስሕብ፣
ድኻ ግና ፈታዊኡ እኳ ይሓድጎ።+
5 ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፣+
እቲ ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ከኣ ኣየምልጥን።+
6 ብዙሓት ሞገስ ልዑል ይደልዩ፣
ህያብ ንዚህብ ሰብ ድማ ኵሉ ፈታዊኡ እዩ።
7 ንድኻስ ኵሎም ኣሕዋቱ ይጸልእዎ፣+
ፈተውቱ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኻብኡ ዘይርሕቁ!+
ኪልምኖም ኢሉ ይስዕቦም፣ ዚምልሰሉ ግና የልቦን።
8 ልቢ ዜጥሪ፡ ንርእሱ የፍቅራ።+
ምስትውዓል ዚዓቍር፡ ኣሳልጦ ይረክብ።+
9 ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፣
እቲ ሓሶት ጥራይ ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ።+
10 ንዓሻ ምሹእ ናብራ ኣይግብኦን፣
ጊልያ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ኺገዝእ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ዘይከውን!+
11 ልቦና ንሰብ፡ ብርግጽ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይገብሮ፣+
በደል ዕሽሽ ምባል ድማ የጸብቐሉ።+
12 ነድሪ ንጉስ ከም ሕኒንታ ሽደን ኣንበሳ እዩ፣+
ሞገሱ ግና ኣብ ኣትክልቲ ኸም ዚወርድ ኣውሊ እዩ።
13 ዓሻ ወዲ ንኣቦኡ መከራ የምጽኣሉ፣+
ነግራም ሰበይቲ ኸምቲ ኸየቋረጸ ዜልሕዅ ናሕሲ እያ።+
14 ቤትን ሃብትን ካብ ኣቦታት ይውረስ፣
ኣስተውዓሊት ሰበይቲ ግና ካብ የሆዋ እያ።+
15 ትህኪት ከቢድ ድቃስ ተምጽእ፣
ላህማም ሰብ ድማ ይጠሚ።+
16 ትእዛዝ ዚሕሉ፡ ንህይወቱ ይሕልዋ፣+
ብዛዕባ መገድታቱ ግዲ ዘይብሉ፡ ይመውት።+
17 ንትሑት ሞገስ ዜርእዮ፡ ንየሆዋ የለቅሖ፣+
ንሱ ኸኣ ከም ግብሩ ይፈድዮ።+
18 ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ገስጾ፣+
ብሞቱ ድማ ተሓታቲ ኣይትኹን።+
19 ቍጡዕ፡ መቕጻዕቲ ይጸውር፣
ከተናግፎ እንተ ፈቲንካ፡ ደጋጊምካ ኸምኡ ኽትገብር ኢኻ።+
20 ኣብ መጻኢኻ ጥበበኛ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡
ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽ እውን ተቐበል።+
21 ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ውጥናት ኣሎ፣
እቲ ዚዕወት ግና ምኽሪ የሆዋ እዩ።+
22 ንሰብ ተባሃጊ ዚገብሮ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ እዩ፣+
ሓሳዊ ኻብ ምዃን ድማ ድኻ ምዃን ይሓይሽ።
23 ፍርሃት የሆዋ ናብ ህይወት ይመርሕ፣+
እዚ ዘለዎ፡ ባህ ዜብል ዕረፍቲ ይረክብ፡ ጕድኣት እውን ኣይረኽቦን።+
24 ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፣
ግናኸ፡ ናብ ኣፉ እኳ ኣይመልሳን።+
25 ንመላገጺ ውቕዓዮ እሞ፡+ ዘይለበመ ኺጐርሕ እዩ፣+
ንብዓል ኣእምሮ ኸኣ ገስጾ እሞ፡ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።+
26 ንኣቦኡ ዚገፍዖን ንኣዲኡ ዚሰጕጓን፡
መሕፈርን ውርደተኛን ወዲ እዩ።+
27 ወደየ፡ ተግሳጽ ምስማዕ እንተ ኣቋሪጽካ፡
ካብ ቃላት ፍልጠት ክትርሕቕ ኢኻ።
28 ዘይጠቅም ምስክር ንፍትሒ የላግጸሉ፣+
ኣፍ እኩያት ከኣ እከይ ይውሕጥ።+
29 ፍርዲ ንመላገጽቲ፡+
መውቃዕቲ ድማ ንዝባን ዓያሹ ተዓቚሩሎም ኣሎ።+