ዘፍጥረት
30 ራሄል ንያእቆብ ውሉዳት ከም ዘይወለደትሉ ምስ ረኣየት፡ ንሓብታ ቐንኣትላ፣ ንያእቆብ ከኣ፡ “ውሉዳት ሃበኒ፣ እንተ ዘይኰነ ኽመውት እየ” በለቶ። 2 ያእቆብ ከኣ ንራሄል ኣዝዩ ተቘጥዓ፣ “ኣነዶ ኣብ ቦታ እቲ ፍረ ኸርሲ ዝኸልኣኪ ኣምላኽ እየ፧” ድማ በላ። 3 ንሳ ኸኣ፡ “እንሃ ቢልሃ ባርያይ።+ ውሉዳት ምእንቲ ኽትወልደለይ፡* ብእኣ ኣቢለ እውን ውሉዳት ምእንቲ ኺህልዉንስ፡ ናብኣ እቶ” በለቶ። 4 ንቢልሃ ገረዳ ኸኣ ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃበቶ፣ ያእቆብ እውን ናብኣ ኣተወ።+ 5 ቢልሃ ድማ ጠነሰት፡ ንያእቆብ እውን ወዲ ወለደትሉ። 6 ሽዑ፡ ራሄል፡ “ኣምላኽ ዳኛይ ኰይኑ፡ ቃለይ ሰሚዑ እውን ወዲ ሂቡኒ” ኢላ ስሙ ዳን* ኣውጽኣትሉ።+ 7 ቢልሃ ገረድ ራሄል መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ እውን ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። 8 ሽዑ፡ ራሄል፡ “ምስ ሓብተይ ሓያል ቅልስ ተቓሊሰ፡ ተዓወትኩ” ኢላ ስሙ ንፍታሌም* ኣውጽኣትሉ።+
9 ልያ ኸኣ ምውላድ ከም ዘቋረጸት ምስ ረኣየት፡ ንዚልጳ ገረዳ ወሲዳ፡ ንያእቆብ ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃበቶ።+ 10 ዚልጳ ገረድ ልያ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ። 11 ሽዑ፡ ልያ፡ “ተዓዲለ” ኢላ ስሙ ጋድ* ኣውጽኣትሉ።+ 12 ድሕርዚ፡ ዚልጳ ገረድ ልያ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። 13 ሽዑ፡ ልያ፡ “ኣዋልድ ብርግጽ ሕጕስቲ ኺብላኒ እየን እሞ፡ ተሓጒሰ”+ ኢላ ስሙ ኣሴር* ኣውጽኣትሉ።+
14 ሮቤል+ ድማ ብግዜ ዓጺድ ስርናይ ኣብ መሮር ኪኸይድ ከሎ፡ ፍረታት ማንድራጎራ* ረኸበ። ናብ ኣዲኡ ልያ ኸኣ ኣምጽኦ። ሽዑ፡ ራሄል ንልያ፡ “በጃኺ ኻብ ፍረታት ማንድራጎራ ወድኺ ሃብኒ” በለታ። 15 ንሳ ኸኣ፡ “ሰብኣየይ ዝወሰድክለይዶ ውሒዱ፧+ ፍረታት ማንድራጎራ ወደይ ድማዶ ኽትወስዲ፧” በለታ። ሽዑ፡ ራሄል፡ “ሕራይ፡ ኣብ ክንዲ ፍረታት ማንድራጎራ ወድኺ፡ እዛ ለይቲ እዚኣ ምሳኺ ይደቅስ” በለታ።
16 ምሸት ያእቆብ ካብ መሮር ኪኣቱ ኸሎ፡ ልያ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ “ብፍረታት ማንድራጎራ ወደይ ስለ እተኻረኹኻ፡ ናባይ ኢኻ እትኣቱ” በለቶ። በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ፡ ምስኣ ደቀሰ። 17 ኣምላኽ ድማ ንልያ ሰምዓ፡ ንሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ንያእቆብ እውን ሓምሻይ ወዲ ወለደትሉ። 18 ሽዑ፡ ልያ፡ “ገረደይ ንሰብኣየይ ስለ ዝሃብኩ፡ ኣምላኽ ዓስበይ ሂቡኒ” ኢላ፡ ስሙ ይሳኮር* ኣውጽኣትሉ።+ 19 ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣ ሻድሻይ ወዲ ወለደትሉ።+ 20 ሽዑ፡ ልያ፡ “ኣምላኽ ጽቡቕ ህያብ ሂቡኒ። ሽዱሽተ ኣወዳት ስለ ዝወለድኩሉ፡+ ሕጅስ ሰብኣየይ ኪጻወረኒ እዩ”+ ኢላ ስሙ ዛብሎን* ኣውጽኣትሉ።+ 21 ድሕርዚ ድማ፡ ጓል ወለደት፡ ስማ ኸኣ ዲና ኣውጽኣትላ።+
22 ኣምላኽ ድማ ንራሄል ዘከራ፣ ኣምላኽ ከኣ ሰምዓ እሞ፡ ጥንሲ ኽትሕዝ ኣኽኣላ።*+ 23 ንሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት። ሽዑ፡ “ኣምላኽ ሕስራነይ ኣርሓቐለይ” በለት።+ 24 “የሆዋ ኻልእ ወዲ ይውስኸኒ ኣሎ” ኢላ ኸኣ ስሙ ዮሴፍ* ኣውጽኣትሉ።+
25 ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደት፡ ብኡብኡ ያእቆብ ንላባን፡ “ናብ ቦታይን ናብ ምድረይን ክኸይድ ኣሳናብተኒ።+ 26 ከመይ ከም እተገዛእኩኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፡ ክኸይድሲ፡ እተን ምእንታአን እተገዛእኩኻ ኣንስተይን ደቀይን ሃበኒ” በሎ።+ 27 ላባን ድማ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ የሆዋ ምእንታኻ ኢሉ ይባርኸኒ ኸም ዘሎ፡ ፋል ርእየ* ኣለኹ” በሎ። 28 ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ዓስብኻ ንገረኒ እሞ፡ ክህበካ እየ” በለ።+ 29 ያእቆብ ድማ፡ “ከመይ ከም እተገዛእኩኻ፡ መጓሰኻ እውን ከመይ ከም ዝዀና ትፈልጥ ኢኻ።+ 30 ኣነ ቕድሚ ምምጻአይ ሒደት ነበራኻ፣ ኣነ ኻብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ግና መጓሰኻ በዚሐንን ረቢሐንን እየን፡ የሆዋ ድማ ባሪኹካ እዩ። ሕጂኸ ንቤተይ ደኣ መዓስ ገለ ኽገብር እየ፧” በሎ።+
31 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ እሞ ኽህበካ፧” በሎ። ያእቆብ ድማ ከምዚ በሎ፦ “ገለ እኳ ኣይትሃበኒ። እዚ ሓደ ነገር እዚ እንተ ጌርካለይ፡ መሊሰ ንመጓሰኻ ኽጓስየንን ክሕልወንን እየ።+ 32 ሎሚ፡ ብመንጎ ዅለን መጓሰኻ ኽሓልፍ እየ። ካብአን ከኣ ኵለን ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ኣባጊዕ፡ ኵሎም ደባን ቡናዊ ገንሸላት* ኣባጊዕ፡ ጕራጕራን ትኳዕ ትኳዕን ዘበላ ኣጣል ፍለ። ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ከምዚኣተን ዘበላ ዓስበይ ይኹና።+ 33 ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዓስበይ ክትጸባጸብ ምስ እትመጽእ፡ ጽድቀይ* ኪምስክረለይ እዩ፣ ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ዘይኰና ኣጣልን ደባን ቡናዊ ዘይኰኑ ገንሸላትን ምሳይ እንተ ተረኺቦም፡ ከም እተሰርቀ ጌርካ ይቝጸር።”
34 ላባን ከኣ፡ “ሕራይ፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹን” በለ።+ 35 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ሽራጥ ሽራጥን ጕራጕራን ድቤላታት፡ ኵለን ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ኣጣል፡ ገለ ጻዕዳ ዘለዎም ዘበሉን ደባን ቡናዊ ዘለዎም ዘበሉን ገንሸላት ፈለየ፣ ኣብ ኢድ ደቁ ድማ ሃቦም። 36 ድሕርዚ፡ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ያእቆብን መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኣረሓሓቐ፣ ያእቆብ ድማ ነተን ዝተረፋ መጓሰ ላባን ይጓሲ ነበረ።
37 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ካብ ኣእዋም ሊብነን ለውዝን ዓርሞንን ጥሉል ኣባትር ወሲዱ፡ ነቲ ኣባትር ቀሊጡ ዕሮርባይ ገበሮ። 38 ነቲ ዕሮርባይ ዝገበሮ ኣባትር ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ እተን መጓሰ ኺሰትያሉ ዚመጻ ጋብላታት ገበሮ፣ ኪሰትያ ምስ ዚመጻ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ይስረራ ነበራ።
39 ስለዚ፡ እተን መጓሰ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ይስረራ እሞ፡ እተን መጓሰ ሽራጥ ሽራጥን ትኳዕ ትኳዕን ጕራጕራን ይወልዳ ነበራ። 40 ያእቆብ ከኣ ነቶም ገንሸላት ፈለየ፣ ገጽ እተን መጓሰ ኸኣ ናብተን ኣብ መጓሰ ላባን ዚርከባ ሽራጥ ሽራጥን ኵለን ደባን ቡናውን ገበረ። ድሕርዚ፡ ንመጓሰኡ ፈለየን፡ ምስ መጓሰ ላባን ከኣ ኣይሓወሰንን። 41 በቲ እተን ብርቱዓት መጓሰ ዚስረራሉ እዋን፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣባትር ምእንቲ ኺስረራ፡ ያእቆብ ነቲ ኣባትር ኣብቲ ጋብላታት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እተን መጓሰ የንብሮ ነበረ። 42 እተን መጓሰ ድኹማት ኣብ ዝነበራሉ እዋን ግና፡ ነቲ ኣባትር ኣብኡ ኣየንብሮን ነበረ። ስለዚ፡ እተን ድኹማት ንላባን፡ እተን ብርቱዓት ግና ንያእቆብ ይዀና ነበራ።+
43 እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣዝዩ በልጸገ፡ ብዙሓት መጓሰን ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ድማ ነበሮ።+