2 ስለምንታይ ኣህዛብ ተናዊጾም፡
ህዝብታትሲ ኸንቱ ኣዕዘምዚሞም፧+
2 ንየሆዋን ንቕቡኡን ኪጻረሩስ፡+
ነገስታት ምድሪ ቘይሞም፡
ሰበ ስልጣን ከኣ ብሓደ ተኣኪቦም።+
3 “መቓውሖም ንበጥስ፡
ኣግማዶም ድማ ንደርብዮ” ይብሉ።
4 እቲ ኣብ ሰማያት ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ይስሕቕ፣
የሆዋ የላግጸሎም።
5 ሽዑ፡ ብቝጥዓኡ ይዛረቦም፣
ብዚነድድ ቍጥዓኡ ድማ የሸብሮም፣
6 “ኣነ ኣብ ጽዮን፡+ ኣብ ቅዱስ ከረነይ፡
ንጉሰይ ሸይመ ኣለኹ” ይብል።+
7 ትእዛዝ የሆዋ እስከ ኽነግር፣
ንሱ ኸምዚ ኢሉኒ፦ “ንስኻ ወደይ ኢኻ፣+
ኣነ ሎሚ ወሊደካ።+
8 ሕተተኒ እሞ፡ ኣህዛብ ውርስኻ ገይረ፡
ወሰናት ምድሪ ኸኣ ርስትኻ ገይረ ኽህበካ እየ።+
9 ብዘንጊ ሓጺን ክትሰብሮም፡+
ከም ስርሓት ካይላ ድማ ክትሕምሽሾም ኢኻ።”+
10 እምበኣርሲ፡ ኣቱም ነገስታት ልቦና ግበሩ፣
ኣቱም ፈራዶ ምድሪ እውን፡ ተኣረሙ።
11 ንየሆዋ ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣
ብራዕዲ ኸኣ ተሓጐሱ።
12 ቍጥዓኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፡
ኣምላኽ ከይቍጣዕ፡ ካብ መገዲ ድማ ከይትጠፍኡስ፡+
ንወዲ ኣኽብርዎ።+
ኵሎም እቶም ኣብኡ ዚምዕቈቡ ዘበሉ ሕጉሳት እዮም።