ኤፌሶን
6 ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ከም ፍቓድ ጐይታ ተኣዘዝዎም።+ 2 ኣብታ፡ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”+ እትብል ተስፋ ዘለዋ ቐዳመይቲ ትእዛዝሲ፡ 3 “ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪ እውን ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ” ይብል እዩ። 4 ኣቱም ኣቦታት ድማ፡ ንውሉዳትኩም ብተግሳጽን+ ብምዕዶን የሆዋ*+ ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተሕርቕዎም።+
5 ኣቱም ባሮት፡ ነቶም ሰብኣውያን* ጐይተትኩም፡ ብፍርሃትን ብምንቅጥቃጥን ከም ንክርስቶስ ጌርኩም ብግርህነት ልብኹም ተኣዘዝዎም፣+ 6 ከም ባሮት ክርስቶስ ኴንኩም ፍቓድ ኣምላኽ ብምሉእ ነፍስኹም* እናገበርኩም እምበር፡+ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ዄንኩም ንገጽ ርአ ኣይትግበርዎ።+ 7 ንሰብ ዘይኰነስ፡ ከም ንየሆዋ*+ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ፣ 8 ባርያ ዀነ ወይስ ጭዋ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዘበለ ዚገብርሲ፡ ካብ የሆዋ* ውሬታ ኸም ዚቕበል ትፈልጡ ኢኹም።+ 9 ኣቱም ጐይተት እውን፡ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማያት ከም ዘሎ፡+ ኣብኡ ድማ ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ምፍርራህ ሓዲግኩም፡ ከምኡ ግበሩሎም።
10 ብዝተረፈስ፡ ብጐይታን ብብርታዐ ሓይሉን በርትዑ።+ 11 ንፍሕሶ* ድያብሎስ ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር ልበሱ፣+ 12 ምኽንያቱ፡ ቅልስና+ ምስ መንግስትታትን ምስ ስልጣናትን ምስ ናይዚ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ኣብ ሰማያት ምስ ዘለዉ እኩያት መናፍስትን+ እዩ እምበር፡ ምስ ደምን ስጋን ኣይኰነን። 13 ስለዚ፡ በታ ኽፍእቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩም እውን ጸኒዕኩም ምእንቲ ኽትቈሙስ፡ ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር ኣልዕሉ።+
14 እምበኣር፡ ሕቘኹም ብዕጣቕ ሓቂ ተዓጢቕኩም፡+ ድርዒ ጽድቂ እውን ተኸዲንኩም+ ጸኒዕኩም ቁሙ፣ 15 ኣብ ኣእጋርኩም ከኣ ነቲ ብስራት ሰላም ንምብሳር ዘሎኩም ድሉውነት ከም ኣሳእን ውደዩ።+ 16 ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ፡ ነቲ ሃልሃል ዚብል ፍላጻታት* እቲ እኩይ ከተጥፍኡሉ+ እትኽእሉ ዓብዪ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ።+ 17 ናይ ድሕነት ቍራዕ ርእሲ ድማ ኣእትዉ፣+ ናይ መንፈስ ሰይፊ፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ እውን ሓዙ፣+ 18 ብዅሉ ጸሎትን+ ምህለላን ከኣ ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ።+ ነዚ ንምግባር ከኣ፡ ምእንቲ ዅሎም ቅዱሳት እናተማህለልኩም፡ ወትሩ ንቕሑ። 19 ኣነ ኣፈይ ምስ ከፈትኩ፡ ነቲ ቕዱስ ምስጢር እቲ ብስራት ከፍልጥ ከለኹ ብትብዓት ክዛረብ ቃል ምእንቲ ኺውሃበኒ፡ ምእንታይ እውን ጸልዩ።+ 20 ምእንቲ እዚ ኸኣ ብሰንሰለት እተኣሰርኩ ኣምባሳደር+ ኰይነ እዓዪ ኣለኹ እሞ፡ ብዛዕባኡ ኸምቲ ኽዛረቦ ዚግብኣኒ ዀይነ ኽተብዕሲ ጸልዩለይ።
21 ሃለዋተይን እንታይ እገብር ከም ዘለኹን ምእንቲ ኽትፈልጡ ኸኣ፡ ትኪቆስ+ እቲ ፍቑር ሓውን ብጐይታ እሙን ኣገልጋልን፡ ኵሉ ኼፍልጠኩም እዩ።+ 22 ብዛዕባና ምእንቲ ኽትፈልጡን ንልብኹም ምእንቲ ኼጸናንዖን እየ ናባኻትኩም ዝሰድዶ ዘለኹ።
23 ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ንኣሕዋት ይኹን። 24 ምስ ኵሎም እቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሓልፍ ዜፍቅርዎ ጸጋ ይኹን።