8 ጥበብ ትጽውዕዶ የላን፧
ምስትውዓልከ ድምጻ ዓው ተብልዶ የላን፧+
2 ኣብ ጥቓ መገዲ ኣብ ዘሎ በረኽትን+
ኣብ መስቀላዊ መገድታትን ደው ትብል።
3 ኣብ ጥቓ ናብ ከተማ ዚመርሕ ኣፍ ደገታት፡
ኣብ መእተዊ በሪታት ኰይና፡
ዓው ኢላ ትጭድር፦+
4 “ኣቱም ሰባት፡ ንዓኻትኩም እጽውዓኩም ኣለኹ፣
ድምጸይ ንዅሉ አልዕል ኣለኹ።
5 ኣቱም ዘይለበምኩም፡ ጕርሒ ተምሃሩ፣+
ኣቱም ዓያሹ፡ ዜስተውዕል ልቢ ኣጥርዩ።
6 ዝብሎ ዘለኹ ኣገዳሲ እዩ እሞ፡ ስምዑ፣
ከናፍረይ ቅኑዕ ዘበለ እዩ ዚዛረብ፣
7 ኣፈይሲ ብትሑት ደሃይ ሓቂ የውስእ፣
ከናፍረይ ከኣ ንእከይ ይፍንፍኖ።
8 ኵለን ቃላት ኣፈይ ቅኑዓት እየን።
ጠዋይ ኰነ ቄናን የብለንን።
9 ንኣስተውዓልስ ኵለን ትኽ ዝበላ፡
ፍልጠት ንዝረኸቡ ድማ ቅኑዓት እየን።
10 ኣብ ክንዲ ብሩርሲ፡ ተግሳጸይ፡
ኣብ ክንዲ ብሉጽ ወርቂ እውን፡ ፍልጠት ውሰዱ፣+
11 ጥበብሲ ኻብ ኣዕናቝ ትበልጽ፣
ኵሉ ተባሃጊ እውን ኣይወዳደራን።
12 ኣነ ጥበብ፡ ምስ ጕርሒ ብሓባር እነብር፣
ፍልጠትን ምምዝዛንን ድማ ረኺበ እየ።+
13 ፍርሃት የሆዋ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ።+
ትዕቢትን ትምክሕትን+ እክይቲ መገድን ቄናን ዘረባን እጸልእ እየ።+
14 ጽቡቕ ምኽርን ግብራዊ ጥበብን+ እውንን እየ፣
ኣእምሮን+ ሓይልን+ ናተይ እየን።
15 ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፣
ሰበ ስልጣን ከኣ ብኣይ ጽድቂ ይሕግጉ።+
16 መሳፍንቲ ብኣይ ይገዝኡ፣
ልዑላን ድማ ብኣይ ብጽድቂ ይፈርዱ።
17 ንዜፍቅሩኒ አፍቅሮም፡
ዚደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒ።+
18 ሃብትን ክብርን
ነባሪ ጥሪትን ጽድቅን ምሳይ ኣሎ።
19 ፍረይ ካብ ወርቂ፡ አረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ፡
ፍርያተይ ድማ ካብ ብሉጽ ብሩር ይበልጽ።+
20 ብመገዲ ጽድቂ፡
ኣብ ማእከል መገድታት ፍትሒ እመላለስ እየ።
21 ንዜፍቅሩኒ ሃብቲ አውርሶም፣
ማዕከኖም ከኣ እመልእ።
22 የሆዋ ኣብ መጀመርታ መገዱ፡+
ካብ ጥንታዊ ዕማማቱ ቐዳማይ ገበረኒ።+
23 ካብ ጥንቲ፡ ካብ መጀመርታ፡+
ቅድሚ ምድሪ፡ ቈምኩ።+
24 መዓሙቝ ማያት ከይኰነ፡+
ዓይኒ ማያት ከኣ ማይ ከይወሓዘ ተወለድኩ።
25 ኣኽራን ከይተደኰነ፡
ቅድሚ ዅርባታት፡ ኣነ ተወለድኩ።
26 ንምድርን ንመሮራታን ኰነ፡
ነቲ ናይ መጀመርታ ድንኩል ምድሪ ኸይገበሮ፡
27 ንሰማያት ኬዳልዎ ኸሎ፡+ ኣብኡ ነበርኩ፣
ንኣድማስ ኣብ ገጽ ማያት ኪድርቶ ኸሎ፡+
28 ንደበናታት ኣብ ላዕሊ ኺምስርቶ ኸሎ፡
ንምንጭታት መዓሙቝ ኪስርቶ ኸሎ፡
29 ማያቱ ኽንየው ትእዛዙ ኸይሓልፉስ
ንባሕሪ ኺሕግገሉ ኸሎ፡+
ንመሰረታት ምድሪ ኺስርቶ ኸሎ፡
30 ሽዑ፡ ክኢላ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ።+
መዓልቲ መዓልቲ ድማ ብእኡ ኣዝየ ዝፍቶ ነበርኩ፣+
ኵሉ ግዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ።+
31 በታ መንበሪት እትኸውን ምድሩ እሕጐስ ነበርኩ፣
ምናዳ ድማ ንደቂ ሰብ እፈትዎም ነበርኩ።
32 ሕጂ ኸኣ ደቀየ፡ ስምዑኒ፣
እወ፡ መገድታተይ ዚሕልዉ ሕጉሳት እዮም።
33 ተግሳጽ ስምዑ፡+ ጥበበኛታት ከኣ ኩኑ፣
ከቶ እውን ዕሽሽ ኣይትበልዎ።
34 ኣንጊሁ ናብ ኣፍ ደገታተይ ብምምጻእን
ኣብ ልዳተይ ብምጽባይን
ዚሰምዓኒ ሰብ ሕጉስ እዩ።
35 እቲ ዚረኽበንስ ህይወት ኪረክብ፡+
ካብ የሆዋ ድማ ስምረት ኪረክብ እዩ።
36 ዕሽሽ ዚብለኒ ግና ንርእሱ ይጐድኣ፣
እቶም ዚጸልኡኒ ኸኣ ሞት ይፈትዉ።”+