1 ጢሞቴዎስ
1 ካብቲ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን ክርስቶስ የሱስ ተስፋናን+ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ ዝዀነ ጳውሎስ፡ 2 ናብቲ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ+ ዝዀነ ጢሞቴዎስ፦*+
ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ይኹነልካ።
3 ከምቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ምስ በልኩ ኣብ ኤፌሶን ክትጸንሕ ዘተባባዕኩኻ፡ ገሊኦም እተፈልየ ትምህርቲ ኸይምህሩ ምእንቲ ኽትእዝዝ፡ ሕጂ እውን ከምኡ እብለካ ኣለኹ። 4 ናብ ጽውጽዋያትን+ ናብ ቍጽሪ ወለዶታትን ከየቕልቡ እውን ኣዝዝ። እዚ ነገራት እዚ ኣብ መወዳእታኡ ዚረብሕ ነገር የብሉን፣+ ንእምነት ብዚምልከት ካብ ኣምላኽ ገለ እኳ ኣብ ክንዲ ዜምጽእ፡ ግምታት ጥራይ እዩ ዜላዕል። 5 ዕላማ እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ካብ ንጹህ ልብን ካብ ሰናይ ሕልናን ግብዝና ኻብ ዘይብላ እምነትን+ እትርከብ ፍቕሪ+ እዩ። 6 ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ኣላጊሶም ኣለዉ።+ 7 ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ብምትእምማን ኣትሪሮም ዚዛረቡሉ ነገር ዘይርድእዎ ኽነሶምሲ፡ መምህራን ሕጊ ኪዀኑ እዮም ዚደልዩ።+
8 እቲ ሕጊ ብግቡእ* ኣብ ተግባር እንተ ውዒሉ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። 9 ሕጊ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዐ ንፈልጥ ኢና፣ የግዳስ፡ ንጠሓስቲ ሕግን+ ንዓለወኛታትን፡ ንኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን፡ ንዘይእሙናት፡* ንርኹሳት፡ ንቐተልቲ ኣቦታቶምን ንቐተልቲ ኣዴታቶምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ 10 ንኣመንዝራታት፡* ግብረ ሶዶም ንዚገብሩ፡* ንጨወይቲ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ምስቲ ጥዑይ* ትምህርቲ+ ንዚጻረር ካልእ እውን እዩ ተሰሪዑ። 11 እዚ ድማ ከምቲ ንዓይ ሕድሪ እተዋህበኒ ኽቡር ብስራት እቲ ሕጉስ ኣምላኽ እዩ።+
12 ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ጐይታና ክርስቶስ የሱስ አመስግኖ እየ። ከመይሲ፡ ንኣገልግሎት ብምምዳብ፡ ከም እሙን ቈጺሩኒ እዩ።+ 13 ቀደም ተጻራፍን ሰጓጕን ነቓጽን ዝነበርኩ ኽነሰይ፡+ ብዘይ ፍልጠትን ብዘይ እምነትን ስለ ዝገበርክዎ፡ ተማሒረ እየ። 14 ጸጋ ጐይታና ድማ ምስቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝዀነ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዓዚዙ እዩ። 15 እዚ ቓል እዚ እሙንን ምሉእ ተቐባልነት ዚግብኦን እዩ፦ ክርስቶስ የሱስ ንሓጥኣን ኬድሕን እዩ መጺኡ።+ ካባታቶም እውን ኣነ ኣውራ እየ።+ 16 ግናኸ፡ ክርስቶስ የሱስ ብኣይ ብኣውራ ገይሩ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ብእኡ ዚኣምኑ ዘበሉ፡+ ኵሉ ዓቕሉ ኸም ኣብነት ምእንቲ ኼርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ እተመሓርኩ።
17 ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡+ ዘይሓልፍ፡+ ዘይርአ+ ሓደ ኣምላኽ፡+ ንዘለኣለመ ኣለም ክብርን ግርማን ይኹኖ። ኣሜን።
18 ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ብዛዕባኻ እተነግረ ትንቢታት፡ በዚ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡+ እዚ ትእዛዝ እዚ አማዕቍበካ ኣለኹ። 19 እምነትን ሰናይ ሕልናን ሓዝ፣+ ገሊኦም ንሕልናኦም ስለ ዝደርበይዎ፡ እምነቶም ከም እተሰብረት መርከብ ኰይና ጠፊኣ ኣላ። 20 ሄሜኔዎስን+ እስክንድሮስን ካባታቶም እዮም፣ ንዓታቶም ድማ ብተግሳጽ ምእንቲ ኺምሃሩ እምበር፡ ከይጻረፉ ንሰይጣን ኣሕሊፈ ሂበዮም ኣለኹ።+