ምሳሌ
2 ወደየ፡ ቃለይ እንተ ተቐቢልካ፡
ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ዓቚርካ፣+
2 ከምኡ ንምግባር ድማ፡ እዝንኻ ናብ ጥበብ ከም ዜቕልብ፡+
ልብኻ ኸኣ ናብ ምስትውዓል ከም ዚዝምብል እንተ ጌርካ፣+
ንምስትውዓል ድማ እንተ ተዳሂኻያ፡+
ከም ንሕቡእ መዛግብቲ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ ኢልካያ፣+
ፍልጠት ኣምላኽ እውን ክትረክብ ኢኻ።+
7 ንቕኑዓት ድማ ግብራዊ ጥበብ ይዓቝረሎም፣
ነቶም ብንጽህና ዚመላለሱ፡ ዋልታ እዩ።+
8 ንመገድታት ፍትሒ ይቋመተን፡
ንጐደና እሙናቱ ኸኣ ይሕልዋ እዩ።+
11 ምምዝዛን ክትሕልወካ፡+
ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ፣
12 ካብ ሕማቕ መገዲ፡
ካብቶም ቄናን ነገር ዚዛረቡ ኸተድሕነካ እያ፣+
13 ካብቶም ብመገድታት ጸልማት ኪመላለሱስ፡
ንቕኑዕ ጐደናታት ዚሓድጉ፡+
14 ካብቶም ብኽፉእ ግብሪ ዚሕጐሱ፡
ብቔናን ክፍኣት እውን ባህ ዚብሎም፡
15 ካብቶም ጐደናታቶም ቄናን፡
ብዘሎ መገዶም ድማ ጠዋይ ዝዀኑ ኸተድሕነካ እያ።
18 ቤታስ ናብ ሞት የውርድ፣
መገድታታ ድማ ናብቶም ብሞት እተሰነፉ ይመርሕ።+