ዘጸኣት
24 ንሙሴ ኸኣ፡ “ንስኻን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን+ 70 ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ኴንኩም፡ ናብ የሆዋ ደይቡ፣ ኣብ ርሑቕ ኴንኩም ድማ ስገዱ። 2 ሙሴ ኸኣ በይኑ ናብ የሆዋ ይቕረብ፣ እቶም ካልኦት ግና ኣይቕረቡ፣ እቶም ህዝቢ ኸኣ ምስኡ ኣይደይቡ” በሎ።+
3 ሙሴ ድማ መጺኡ ነቶም ህዝቢ ዅሉ ዘረባ የሆዋን ኵሉ ፍርድታትን ነገሮም፣+ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ድምጺ፡ “ኵሉ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ቓላት ንገብር” ኢሎም መለሱ።+ 4 ሙሴ ድማ ንዅሉ ቓላት የሆዋ ጸሓፎ።+ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኸኣ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን መሰውኢ፡ ነቶም 12 ነገዳት እስራኤል ድማ 12 ሓወልቲ ሰርሐ። 5 ድሕርዚ፡ ካብ እስራኤላውያን ኣጕባዝ ሰደደ፣ ንሳቶም ከኣ ዚሓርር መስዋእትን ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት ዚዀኑ ዝራብዓትን ሰውኡ።+ 6 ሽዑ፡ ሙሴ ፍርቂ እቲ ደም ወሲዱ ኣብ ጭሔሎታት ገበሮ፣ ፍርቂ እቲ ደም ከኣ ኣብቲ መሰውኢ ነጸጎ። 7 ነቲ መጽሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ ነቶም ህዝቢ ዓው ኢሉ ኣንበበሎም።+ ንሳቶም ከኣ፡ “ኵሉ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ንገብርን ንእዘዝን” በሉ።+ 8 ሙሴ ድማ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብቲ ህዝቢ ነጸጎ እሞ፡+ “ደም እቲ የሆዋ ብዅለን እዘን ቃላት እዚአን ምሳኻትኩም ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ” በሎም።+
9 ሙሴን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን 70 ኻብ ዓበይቲ እስራኤልን ኰይኖም ደየቡ፣ 10 ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ረኣይዎ።+ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኸም ሰፊሮስ ዚመስል ባይታ ነበረ፣ እዚ ድማ ከም ሰማያት ጽሩይ ነበረ።+ 11 ነቶም ምርኡያት ሰብ እስራኤል ከኣ ኣይጐድኦምን፣+ ራእይ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ርእዮም ድማ በልዑን ሰተዩን።
12 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “ናባይ ናብዚ ኸረን ደይብ እሞ፡ ኣብኡ ጽናሕ። ንትምህርቶም ኢለ ዝጽሕፎ ሕግን ትእዛዝን ዝሓዛ ጽላት እምኒ ድማ ክህበካ እየ” በሎ።+ 13 ሙሴን ጊልያኡ እያሱን ከኣ ተንስኡ፣+ ሙሴ ድማ ናብ ከረን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ደየበ።+ 14 ነቶም ዓበይቲ ግና፡ “ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስ ኣብዚ ጽንሑና።+ ኣሮንን ሑርን ምሳኻትኩም ኣለዉ።+ ነገር ዘለዎ ዘበለ፡ ናባታቶም ይኺድ” በሎም።+ 15 ነቲ ኸረን ደበና ኣጐልቢብዎ ኸሎ ኸኣ፡ ሙሴ ናብቲ ኸረን ደየበ።+
16 ክብሪ የሆዋ+ ድማ ኣብ ከረን ሲና ጸንሐ፣+ እቲ ደበና ኸኣ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣጐልበቦ። ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ንሙሴ ኻብ ማእከል እቲ ደበና ጸውዖ። 17 ትርኢት ክብሪ የሆዋ ድማ ንኣዒንቲ እስራኤላውያን ከም ዚባላዕ ሓዊ ዀይኑ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ። 18 ሙሴ ኸኣ ናብቲ ደበና ኣተወ፡ ናብቲ ኸረን እውን ደየበ።+ ሙሴ ድማ ኣብቲ ኸረን 40 መዓልትን 40 ለይትን ጸንሐ።+