ኢሳይያስ
55 ኣቱም ጽሙኣት ኵላትኩም፡+ ናብ ማይ ንዑ!+
ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩም፡ ንዑ ዓዲግኩም ብልዑ!
እወ፡ ንዑ ብዘይ ገንዘብን ብዘይ ክፍሊትን ወይንን ጸባን ዓድጉ።+
2 እንጌራ ንዘይኰነ ስለምንታይ ገንዘብኩም እትኸፍሉ፧
ንዘየጽግብከ ስለምንታይ ኣታዊኹም* እተውጽኡ፧
3 እዝንኹም ኣድንኑ እሞ ናባይ ንዑ።+
ስምዑ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም፣*
ኣነ ኸኣ ምስቲ እሙን* ዝዀነ ንዳዊት ብተኣማንነት ዘርኣኽዎ ፍቕሪ ብምስምማዕ፡+
ምሳኻትኩም ናይ ዘለኣለም ኪዳን ክኣቱ እየ።+
5 እንሆ፡ ንዘይትፈልጦ ህዝቢ ኽትጽውዕ ኢኻ፣
ምእንቲ የሆዋ ኣምላኽካ፡+ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ፡
—ንሱ ኬኽብረካ እዩ እሞ፡+—
ዘይፈልጠካ ህዝቢ ናባኻ ኺጐዪ እዩ።
ቀረባ ኸሎ እውን ጸውዕዎ።+
8 “ሓሳባተይሲ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፣+
መገድታትኩም ድማ መገድታተይ ኣይኰነን” ይብል የሆዋ።
10 ከምቲ ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ዚወርድ፡
ንምድሪ ኸየጽገባ፡ ከም እተፍርን እተብቍልን ድማ ከይገበራ፡
ንዘራኢ ዘርኢ ኸይሃበ፡ ንበላዒ ኸኣ እንጌራ ኸይሃበ ናብኡ ዘይምለስ፡
እዚ ኸኣ ንየሆዋ ስምን
ዘይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ምልክትን ኬምጽኣሉ እዩ።”+