እያሱ
14 እቲ እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ከነኣን ርስቲ ገይሮም ዝወሰድዎ እሞ፡ ካህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን ርእስታት ማይ ቤታት ነገዳት እስራኤልን ዘውረስዎም እዚ እዩ።+ 2 ከምቲ የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ፡ ነቶም ትሽዓተ ነገዳትን ንፍርቂ ነገድን ርስቶም ብዕጫ ሃቦም።+ 3 ሙሴ ነቶም ክልተ ነገዳትን ንፍርቂ ነገድን ኣብ ስግር* ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፣+ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኦም ርስቲ ኣይሃቦምን።+ 4 ደቂ ዮሴፍሲ ኽልተ ነገዳት፡ ምናሴን ኤፍሬምን ነበሩ።+ ንሌዋውያን ከኣ፡ ብዘይካ እተን ዚቕመጡለን ከተማታትን+ መጓሰዪታት ማሎምን ጥሪቶምን፡+ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሃብዎምን። 5 እስራኤላውያን ድማ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነታ ምድሪ ተማቐልዋ።
6 ሰብ ይሁዳ ኸኣ ኣብ ጊልጋል+ ናብ እያሱ ቐረቡ፣ ካሌብ+ ወዲ የፉነ እቲ ቄኒዛዊ ድማ ከምዚ በሎ፦ “የሆዋ ንሙሴ፡ ነቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡+ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ኣብ ቃዴስ-ባርኔዓ+ ዝበሎ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጥ ኢኻ።+ 7 ሙሴ እቲ ጊልያ የሆዋ ነታ ምድሪ ኽስሊ፡ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኺሰድደኒ ኸሎ፡+ ኣነ ወዲ 40 ዓመት እየ ነይረ፣ ቅኑዕ ጸብጻብ ሒዘ ኸኣ እየ ተመሊሰ።*+ 8 እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ እኳ እንተ ኣምከኽዎ፡ ኣነ ግና ብምሉእ ልበይ* ንየሆዋ ኣምላኸይ እየ ስዒበ።+ 9 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ሙሴ፡ ‘ንየሆዋ ኣምላኸይ ብምሉእ ልብኻ ስለ ዝሰዓብካዮ፡ እታ እግርኻ ዝረገጸታ ምድሪ ንዓኻን ንደቅኻን ናይ ሓዋሩ ርስቲ ኽትከውን እያ’ ኢሉ ምሒሉ እዩ።+ 10 ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንሱ ዘተስፈዎ፡+ ካብቲ እስራኤል ኣብ በረኻ ኺመላለስ ከሎ የሆዋ ንሙሴ ኸምኡ ኢሉ ዘተስፈዎ ኣትሒዙ፡ የሆዋ እዘን 45 ዓመት ብህይወት ኣጽኒሑኒ ኣሎ፣+ ኣነ ኸኣ ሎሚ ወዲ 85 ዓመት ኰይነ ኣለኹ። 11 ከምቲ በታ ሙሴ ዝሰደደኒ መዓልቲ ዝነበርክዎ ድማ፡ ሎሚ እውን ሓይለይ ከምኡ እዩ። ንውግእ ኰነ ንኻልእ ተግባራት፡ ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ እዩ። 12 ስለዚ፡ ከምቲ የሆዋ በታ መዓልቲ እቲኣ ዘተስፈዎ፡ እዚ ኣኽራን እዚ ሃበኒ። ዓናቂም+ ምስ ዓበይትን እተዓርዳን ከተማታት+ ኣብኡ ኸም ዘለዉ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕካ እኳ እንተ ዀንካ፡ ብርግጽ* የሆዋ ምሳይ ኪኸውን እዩ፡+ ከምቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ኸኣ ኣነ ኽሰጕጎም* እየ።”+
13 እያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ የፉነ መረቖ፡ ኬብሮን ከኣ ርስቲ ኽትኰኖ ሃቦ።+ 14 ንሱ ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ብምሉእ ልቡ ስለ ዝሰዓቦ ድማ፡ ስለዚ ኬብሮን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ርስቲ ካሌብ ወዲ የፉነ እቲ ቄኒዛዊ ዀነት።+ 15 ቅድሚኡ ስም ኬብሮን፡ ቂርያት-ኣርባዕ ነበረ፡+ (ኣርባዕ ኣብ መንጎ ዓናቂም ዓብዪ ሰብ ነበረ)። እታ ምድሪ ኸኣ ካብ ውግእ ዓረፈት።+