ዘዳግም
30 “እዚ ዅሉ ቓላት እዚ፡ ኣብ ቅድሜኻ ዘንበርኩልካ በረኸትን መርገምን ምስ መጸካ፡+ ኣብቶም የሆዋ ኣምላኽካ ዝበተነካ ዅሎም ኣህዛብ ኴንካ+ ኸኣ ምስ ዘከርካዮ፡*+ 2 ከምዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘለኹ ድማ፡ ንስኻን ደቅኻን ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን*+ ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ምስ ተመለስካን+ ድምጹ ምስ ሰማዕካን፡ 3 ሽዑ የሆዋ ኣምላኽካ ምሩኻትካ ኺመልስ፡+ ኪምሕረካ፡+ ካብቶም የሆዋ ኣምላኽካ ፋሕ ዘበለካ ዅሎም ኣህዛብ ከኣ መሊሱ ኺእክበካ እዩ።+ 4 ህዝብኻ ኽሳብ ወሰን ሰማያት እኳ እንተ ተበተኑ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ኻብኡ ኺእክበካን ኪመልሰካን እዩ።+ 5 የሆዋ ኣምላኽካ ናብታ ኣቦታትካ እተረስተይዋ ምድሪ ኼምጽኣካ፡ ንስኻ ድማ ክትርስተያ ኢኻ፣ ካብ ኣቦታትካ ብዝያዳ ኸኣ ጽቡቕ ኪገብረልካን ኬብዝሓካን እዩ።+ 6 ንየሆዋ ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* ከተፍቅሮ እሞ ብህይወት ክትነብርሲ፡+ የሆዋ ኣምላኽካ፡ ልብኻን ልቢ ዘርእኻን ኬንጽህ* እዩ።+ 7 የሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ፡ ነዚ ዅሉ መርገም እዚ ናብቶም ዝጸልኡኻን ዝሰጐጉኻን ጸላእትኻ ኼምጽኦ እዩ።+
8 “ሽዑ፡ ንስኻ ተመሊስካ ድምጺ የሆዋ ኽትሰምዕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕሉ ኢኻ። 9 የሆዋ ኸምቲ ብኣቦታትካ ደስ ዝበሎ፡ መሊሱ ጽቡቕ ኪገብረልካ ደስ ኪብሎ እዩ እሞ፡+ የሆዋ ኣምላኽካ ዅሉ ተግባር ኢድካን ፍረ ኸርስኻን ፍረ ማልካን ፍረ ምድርኻን ኣኺሉ ኸም ዚተርፍ ኪገብረልካ እዩ።+ 10 ሽዑስ፡ ድምጺ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትሰምዕ፡ ኣብዛ መጽሓፍ ሕጊ እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን* እውን ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ኽትምለስ ኢኻ።+
11 “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዝሲ፡ ንዓኻ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣይኰነን፡ ክትበጽሖ ዘይትኽእል እውን ኣይኰነን።*+ 12 ‘ምእንቲ ኽንሰምዖን ክንሕልዎን፡ መን ናብ ሰማያት ኪድይበልናን ኬምጽኣልናን እዩ፧’+ ከይትብልሲ፡ ኣብ ሰማያት ኣይኰነን። 13 ‘ምእንቲ ኽንሰምዖን ክንሕልዎን፡ መን ናብ ስግር ባሕሪ ተሳጊሩ ኼምጽኣልና እዩ፧’ ከይትብል እውን፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኰነን። 14 እቲ ቓልሲ፡ ምእንቲ ኽትገብሮ፡+ ኣዝዩ ቐረባኻ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን እዩ።+
15 “ርአ፡ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፡ ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ አንብር ኣለኹ።+ 16 ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምፍቃር፡+ ብመገድታቱ ብምምልላስ፡ ትእዛዛቱን ሕግታቱን ፍርድታቱን ከኣ ብምሕላው፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ትእዛዛት የሆዋ ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካ፡ ብህይወት ክትነብርን+ ክትበዝሕን ኢኻ፣ የሆዋ ኣምላኽካ ድማ ኣብታ ኽትርስተያ እትኸዳ ምድሪ ኺባርኸካ እዩ።+
17 “ግናኸ፡ ልብኻ እንተ ተመሊሱ+ እሞ እንተ ዘይሰሚዕካ፡ እንተ ስሒትካ እሞ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ሰጊድካሎምን እንተ ኣገልጊልካዮምን፡+ 18 ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ እነግረኩም ኣለኹ።+ ኣብታ ኽትርስተይዋ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትኣትውዋ ምድሪ ዕድሜኹም ኣይኪነውሕን እዩ። 19 ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘለኹ፡+ ኣነ ሎሚ ሰማያትን ምድርን ንምስክር ጸዊዐ ኣለኹ። ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ ህይወት ሕረ፣+ 20 እዚ ኪኸውን ከኣ፡ ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡+ ድምጹ ስማዕ፡ ናብኡ እውን ልገብ።+ ንሱስ ህይወትካ እዩ፡ ብእኡ እውን ኣብታ የሆዋ ንኣቦታትካ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ኽትነብር ኢኻ።”+