ናይ ዳዊት።
א [ኣሌፍ]
37 ብእኩያት ኣይትሕረቕ፡
ወይ ብገበርቲ ኽፉእ ኣይትቕናእ።+
2 ንሳቶምሲ ኸም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪጽምልዉ፡+
ከም ልምሉም ለቕሚ ኪቕምስሉ እዮም።
ב [ቤት]
3 ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር፣+
ኣብ ምድሪ ንበር፡ ብተኣማንነት ድማ ተመላለስ።+
4 ብየሆዋ ኣዝዩ ደስ ይበልካ፣
ንሱ ኸኣ ትምኒት ልብኻ ኺህበካ እዩ።
ג [ጊሜል]
5 መገድኻ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ፣+
ኣብኡ ተወከል፡ ንሱ እውን ኬስልጠልካ እዩ።+
6 ንጽድቅኻ ኸም ወጋሕታ፡
ንፍትሕኻ እውን ከም ጸሓይ ቀትሪ ኼብርሆ እዩ።
ד [ዳሌጥ]
7 ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስቕ በል፡+
ብሃንቀውታ ተጸበዮ።
ተንኰሉ ኺፍጽም ብዚሰልጦ ሰብ
ኣይትሕረቕ።+
ה [ሄ]
8 ቍጥዓ ሕደግ፡ ነድሪ ድማ ግደፍ፣+
ሓሪቕካ እከይ ኣይትግበር።
9 እኩያትሲ ኺጠፍኡ እዮም፣+
እቶም ብየሆዋ ተስፋ ዚገብሩ ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም።+
ו [ዋው]
10 ድሕሪ ቝሩብ፡ እኩያት ኣይኪህልዉን እዮም፣+
ኣብቲ ዝነበሩሉ ኽትደልዮም ኢኻ፣
ኣብኡ እውን ኣይኪህልዉን እዮም።+
11 ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣+
ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።+
ז [ዛይን]
12 እኩይ ንጻድቕ ውዲት ይኣልመሉ፣+
ኣስናኑ እውን ይሕርቅመሉ።
13 የሆዋ ግና ይስሕቆ፣
ስለምንታይሲ፡ መዓልቱ ኸም እትመጽእ ይፈልጥ እዩ።+
ח [ሔት]
14 እኩያት ንጭቁንን ንድኻን ኬውድቕዎ፡
ነቶም ቅኑዕ ዝመገዶም ኪሓርድዎም፡
ኣስያፎም ይመልሑ፡ ቀስቶም እውን ይግትሩ።
15 ሰይፎም ግና ንገዛእ ልቦም ኪወግኦ፡+
ቀስትታቶም ከኣ ኪስበር እዩ።
ט [ጤት]
16 ካብ ናይ ብዙሓት እኩያት ሃብትስ፡
ናይ ጻድቕ ሒደት ይበልጽ።+
17 ቀላጽም እኩያትሲ ኺስበር እዩ፣
የሆዋ ግና ንጻድቃን ኪድግፎም እዩ።
י [ዮድ]
18 የሆዋ ነቲ እቶም መንቅብ ዘይብሎም ዜሕልፍዎ ይፈልጦ፣
ርስቶም ከኣ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።+
19 ብግዜ መዓት ኣይኪሓፍሩን እዮም፣
ብግዜ ጥሜት ኪጸግቡ እዮም።
כ [ካፍ]
20 እኩያት ግና ኪጠፍኡ እዮም፣+
ጸላእቲ የሆዋ ድማ ከም ዕሙር መጓሰዪ ኺበርሱ፡
ከም ትኪ ኸኣ ኪበንኑ እዮም።
ל [ላሜድ]
21 እኩይ ይልቃሕ፡ ኣይመልስን ድማ፣
ጻድቕ ግና ለጋስ እዩ እሞ፡ ይህብ።+
22 እቶም ዝባረኾም ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣
እቶም ዝረገሞም ግና ኪጠፍኡ እዮም።+
מ [ሜም]
23 የሆዋ ብመገዲ ሰብ ባህ ምስ ዚብሎ+
ንስጕምትታቱ ይመርሐን።+
24 የሆዋ ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፡+
እንተ ወደቐ እኳ፡ ኣይድርበን።+
נ [ኑን]
25 ጐበዝ ነይረ፣ ሕጂ ድማ ኣሪገ ኣለኹ፣
ግናኸ፡ ጻድቕ ተሓዲጉ፡
ዘርኡ ኸኣ እንጌራ ኼናድዩ ኣይረኣኹን።+
26 ወትሩ ብናጻ የለቅሕ፣+
ዘርኡ ድማ ይባረኹ።
ס [ሳሜኽ]
27 ካብ ክፉእ ርሓቕ፡ ሰናይ ከኣ ግበር፣+
ንዘለኣለም ድማ ክትነብር ኢኻ።
28 የሆዋስ ፍትሒ ይፈቱ እዩ፣
ንእሙናቱ ኸኣ ኣይኪሓድጎምን እዩ።+
ע [ዓይን]
ንሳቶም ወትሩ ኺሕለዉ እዮም፣+
ዘርኢ እኩያት ግና ኪጠፍኡ እዮም።+
29 ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡+
ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።+
פ [ፌ]
30 ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የካፍል፣
ልሳኑ ድማ ብዛዕባ ፍትሒ ይዛረብ።+
31 ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፣+
ስጕምትታቱ ሰንከልከል ኣይኪብልን እዩ።+
צ [ጻዴ]
32 ኪቐትሎ ኢሉስ፡
እኩይ ንጻድቕ ይጸናተዎ።
33 የሆዋ ግና ኣብ ኢዱ ኣይኪሓድጎን፡+
ኪፍረድ ከሎ እውን ኣይኪዅንኖን እዩ።+
ק [ቆፍ]
34 ብየሆዋ ተስፋ ግበር፡ መገዱ እውን ስዓብ፣
ንሱ ኸኣ ንምድሪ ኽትርስተያ ልዕል ኬብለካ እዩ።
እኩያት ኪጠፍኡ ኸለዉ+ ኽትርኢ ኢኻ።+
ר [ሬሽ]
35 ንጨካን፡ ንእኩይ
ኣብ ቦታኣ ኸም ዝለምዐት ኦም ኣስፋሕፊሑ ርእየዮ።+
36 ብሃንደበት ግና ሓሊፉ ኸይዱ፣+
እንተ ደለኽዎ ድማ፡ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን።+
ש [ሺን]
37 መንቅብ ንዘይብሉ ኣስተብህለሉ፡
ንቕኑዕ+ ከኣ ርኣዮ፡
መጻኢ እቲ ሰብ እትስ ሰላም ኪኸውን እዩ።+
38 ኵሎም ኣበስቲ ግና ኪጠፍኡ እዮም፣
መጻኢ እኩያት ድማ ኪቝረጽ እዩ።+
ת [ታው]
39 ድሕነት ጻድቃን ካብ የሆዋ እዩ፣+
ንሱ ብግዜ ጭንቂ ዕርዶም እዩ።+
40 የሆዋ ኺረድኦምን ኬናግፎምን እዩ።+
ኣብኡ ስለ እተማዕቈቡ፡
ካብ እኩያት ኬናግፎምን ኬድሕኖምን እዩ።+