ህዝቅኤል
45 “‘ነታ ምድሪ ርስቲ ጌርኩም ክትመቕልዋ ኸለኹም፡+ ንየሆዋ መባእ፡ ካብታ ምድሪ ቕድስቲ ግደ ሃብዎ።+ ንውሓታ 25,000 እመት፡* ግፍሓ 10,000 እመት ይኹን።+ ብዘላ እታ ቦታ፡* ቅድስቲ ግደ ኽትከውን እያ። 2 ኣብ ውሽጢ እዚኣ ኸኣ ነታ መቕደስ እትኸውን 500 እመት ብ500 እመት* ዝልክዓ ትርብዒት ክትህሉ እያ፣+ ኣብ ኵሉ ሸነኻ ድማ 50 እመት መጓሰዪ ኺህልዋ እዩ።+ 3 ካብዛ ልክዕ እዚኣ 25,000 ዝንውሓታን 10,000 ዝግፍሓን ለክዕ፣ ኣብ ውሽጣ ኸኣ መቕደስ፡ ቅድስተ ቕዱሳን ክትህሉ እያ። 4 እዛ ቕድስቲ ግደ እታ ምድሪ፡ ነቶም ኣገልገልቲ እታ መቕደስ ዝዀኑ ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚቐርቡ+ ኻህናት ክትከውን እያ።+ ንኣባይቶም ቦታ፡ ነታ መቕደስ እውን ቅድስቲ ቦታ ኽትከውን እያ።
5 “‘ነቶም ኣገልገልቲ ቤተ መቕደስ ዝዀኑ ሌዋውያን፡ 25,000 እመት ዝንውሓታን 10,000 እመት ዝግፍሓን ግደ ኽትህሉ እያ፣+ 20 መመገቢ ኽፍልታት*+ ከኣ ርስቶም ኪዀና እየን።
6 “‘ንርስቲ እታ ኸተማ ድማ ማዕረ እታ ቕድስቲ መባእ 25,000 እመት ዝንውሓታ፡ 5,000 እመት ከኣ ዝግፍሓ ቦታ ሃቡ።+ ንሳ ኸኣ ናይ ኵሎም ቤት እስራኤል ክትከውን እያ።
7 “‘ነቲ ሹም ድማ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እታ ቕድስቲ መባእን እታ ነታ ኸተማ እተመደበት ቦታን ምድሪ ኽትህሉ እያ። ኣብ ጥቓ እታ ቕድስቲ መባእን ርስቲ እታ ኸተማን ክትከውን እያ። ብሸነኽ ምዕራብን ብሸነኽ ምብራቕን ክትከውን እያ። ካብ ምዕራባዊ ዶብ ክሳብ ምብራቓዊ ዶብ ዘለዋ ንውሓት ማዕረ ሓደ ኻብ ግደታት ነገድ ኪኸውን እዩ።+ 8 እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ እስራኤል ርስቱ ኽትከውን እያ። ሹማምንተይ ድማ ደጊም ንህዝበይ ኣይኪገፍዕዎን እዮም፣+ ንቤት እስራኤል ከከም ነገዶም ነታ ምድሪ ኺህብዎም እዮም።’+
9 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣቱም ሹማምንቲ እስራኤል፡ ይእከልኩም!’
“‘ንዓመጻኹምን ንጭቈናኹምን መወዳእታ ግበሩሉ፣ ፍትሕን ጽድቅን ድማ ግበሩ።+ ንብረት ህዝበይ ኣይትመንዝዑ’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ። 10 ‘ልክዕ ሚዛንን ልክዕ ኤፋን* ልክዕ ባትን* ተጠቐሙ።+ 11 ኤፋን ባትን ውሱን ልክዕ ይሃልዎ። ባት ዓስራይ ኣፍ ሖመር* ይኹን፣ ኤፋ ኸኣ ዓስራይ ኣፍ ሖመር ይኹን። ሖመር ድማ ስሩዕ መለክዒኡ ይኹን። 12 ሲቃል*+ ከኣ 20 ጌራ* እዩ። 20 ሲቃልን 25 ሲቃልን 15 ሲቃልን ድማ ሓደ ማነ* ይኹነልኩም።’
13 “‘እቲ ንስኻትኩም እተቕርብዎ መባእ እዚ እዩ፦ ከካብ ሖመር ስርናይ፡ ሻድሻይ ኣፍ ኤፋ፡ ከካብ ሖመር ስገም ድማ ሻድሻይ ኣፍ ኤፋ። 14 እቲ እጃም ዚኸውን ዘይቲ ኸኣ ብባት እዩ ዚልካዕ። ባት ዓስራይ ኣፍ ቆሮስ* እዩ፣ ዓሰርተ ባት ከኣ ሖመር እዩ፣ ዓሰርተ ባትሲ ምስ ሖመር ማዕረ እዩ። 15 ካብ መጓሰ ማል እስራኤል ድማ፡ ከካብ 200፡ ሓንቲ በጊዕ ትወሃብ። እዚ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ንምትዕራቕ፡+ ንመስዋእቲ እኽልን+ ብምሉኡ ንዚሓርር መስዋእትን+ ንመስዋእቲ ሕብረትን+ ኪኸውን እዩ’ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።
16 “‘ኵሎም እቶም ህዝቢ እታ ምድሪ፡ ነዚ መባእ+ እዚ ነቲ ሹም እስራኤል ኪህብዎ እዮም። 17 እቲ ሹም ከኣ ብግዜ በዓላትን+ ሰርቂ ወርሕን ሰናብትን+ ኵሉ ምዱብ በዓላት ቤት እስራኤልን+ ሓላፍነት እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን+ መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ መስተን ኪስከም እዩ። ንቤት እስራኤል ንምትዕራቕ ድማ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣትን ንመስዋእቲ እኽልን ብምሉኡ ንዚሓርር መስዋእትን ንመስዋእቲ ሕብረትን ዚኸውን ዜቕርብ ንሱ እዩ።’
18 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ካብ ከብቲ ጥዑይ ዝራብዕ ውሰድ እሞ ነታ መቕደስ ካብ ሓጢኣት ኣንጽሃያ።+ 19 እቶም ካህናት ካብ ደም እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ወሲዶም፡ ኣብ ልዳት እታ ቤተ መቕደስን+ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን እቲ ኣብ ዙርያ ዘሎ ሕዳግ መሰውእን ኣብ ልዳት ኣፍ ደገ እቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድን ኪገብሩ እዮም። 20 ብጌጋ ወይ ብዘይፍላጥ ንዚሓጥእ ሰብ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ኸምኡ ኽትገብር ኢኻ፣+ ነታ ቤተ መቕደስ ድማ ከተተዓርቕዋ ኢኹም።+
21 “‘ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ በዓል ፋስጋ ኸተብዕሉ ኢኹም።+ ሸውዓተ መዓልቲ፡ ቅጫ ይበላዕ።+ 22 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ሹም ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ ዅሎም ህዝቢ እታ ምድርን ዚኸውን ዝራብዕ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኬቕርብ እዩ።+ 23 ኣብተን ሸውዓተ መዓልቲ እቲ በዓል ከኣ፡ ኣብ ኵለን እተን ሸውዓተ መዓልቲ፡+ ንየሆዋ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን ሸሸውዓተ ጥዑያት ዝራብዓትን ሸሸውዓተ ጥዑያት ደዓውልን፡ ኣብ መመዓልቲ ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓሓደ ወጠጦ ኬቕርብ እዩ። 24 መስዋእቲ እኽሊ ዚኸውን ከኣ ነንዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነንድዑል ድማ ሓደ ኤፋ፡ ነንኤፋ እውን ሓደ ሂን* ዘይቲ የቕርብ።
25 “‘ኣብ ሻውዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ኣብተን ሸውዓተ መዓልቲ እቲ በዓል፡+ ሕደ መስዋእቲ ሓጢኣትን ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽልን ዘይትን የቕርብ።’”