ራእይ
9 እቲ ሓምሻይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ።+ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝወደቐ ኰዀብ ከኣ ረኣኹ፣ መፍትሕ ጕድጓድ መዓሙቝ+ እውን ተዋህቦ። 2 ነቲ ጕድጓድ መዓሙቝ ድማ ከፈቶ፣ ካብቲ ጕድጓድ ከኣ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዚመስል ትኪ ዓረገ፣ ብትኪ እቲ ጕድጓድ ድማ ጸሓይን ኣየርን ጸልመተ።+ 3 ካብቲ ትኪ ኸኣ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጹ፣+ ከም ስልጣን ዕንቅርቢታት ምድሪ ዝበለ ስልጣን ድማ ተዋህቦም። 4 ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡+ ኣትክልቲ ምድሪ ዀነ፡ ለምለም ዘበለ ዀነ፡ ወይስ ኣእዋም ዘበለ ኸይጐድኡ ተነግሮም።
5 ኪቐትልዎም ዘይኰነስ፡ ንሓሙሽተ ወርሒ ኼሳቕይዎም ከኣ ተፈቕደሎም፣ ስቓዮም ድማ ከምቲ ዕንቅርቢት+ ንሰብ ክትነክስ ከላ ዘሎ ስቓይ እዩ። 6 በተን መዓልትታት እቲአን ከኣ፡ ሰባት ንሞት ኪደልይዎ እሞ ኣይኪረኽብዎን እዮም፣ ሙማት እውን ኪምነዩ እዮም፡ ሞት ግና ካባታቶም ኪሃድም እዩ።
7 ትርኢት እቶም ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስሉ፣+ ኣብ ረርእሶም እውን ኣኽሊላት ወርቂ ዚመስል ነበሮም፣ ገጾም ከኣ ከም ገጽ ሰብ ነበረ፣ 8 ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ ነበሮም። ኣስናኖም ከኣ ከም ኣስናን ኣናብስ ነበረ፣+ 9 ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ድማ ነበሮም። ደሃይ ኣኽናፎም እውን ከም ደሃይ ናብ ውግእ ብዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ ዚስሓብ ሰረገላታት ነበረ።+ 10 ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራ ምስ መንደፉ ድማ ነበሮም፣ ንሰባት ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድእዎም ከኣ ኣብ ጭራኦም ስልጣን ነበሮም።+ 11 ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ነበሮም፣ ንሱ ድማ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ።+ ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን* እዩ፣ ብግሪኽኛ ኸኣ ኣጶልዮን* እዩ።
12 እቲ ቐዳማይ ወዮ ሓሊፉ። እንሆ፡ ገና ኽልተ ወዮ+ ይመጽእ ኣሎ።
13 እቲ ሻድሻይ መልኣኽ+ መለኸቱ ነፍሐ።+ ካብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ+ ኸኣ ድምጺ ሰማዕኩ፣ 14 ነቲ መለኸት ዘለዎ ሻድሻይ መልኣኽ ድማ፡ “ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም” በሎ።+ 15 እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን እተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኸኣ፡ ንሲሶ ሰባት ኪቐትሉ ተፈትሑ።
16 ቍጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ድማ ክልተ እልፊ ግዜ እልፊ* እዩ፣ ቍጽሮም ሰማዕኩ። 17 ብራእይ እውን ነቶም ኣፍራስን ነቶም እተወጥሕዎምን ረኣኽዎም፦ ከም ሓዊ ቐይሕን ከም ህያክንቶስ ሰማያውን ከም ዲን ብጫን ዝበለ ድርዒ ነበሮም፣ ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል፡+ ካብ ኣፎም እውን ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ ነበረ። 18 በዚ ሰለስተ መዓት እዚ፡ በቲ ኻብ ኣፎም ዝወጸ ሓውን ትክን ዲንን ሲሶ ሰባት ተቐትሉ። 19 ከመይሲ፡ ስልጣን እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ፣ ጭራኦም ኣትማን እዩ ዚመስል፡ ኣራእስ እውን ኣለዎ፣ ብእኡ ገይሮም ድማ ይጐድኡ።
20 እቶም በዚ መዓታት እዚ ኸይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ግና፡ ካብ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን፣ ንኣጋንንትን ነቶም ኪርእዩን ኪሰምዑን ኪኸዱን ዘይክእሉ ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ነሓስን እምንን ዕንጨይትን ምምላኽ ኣየቋረጹን።+ 21 ካብቲ ዚገብርዎ ቕትለት ኰነ፡ ካብ መናፍስታዊ ተግባራት ኰነ፡ ካብ ምንዝርና* ዀነ፡ ወይስ ካብ ስርቂ እውን ኣይተነስሑን።