ማህሌት። ናይ ኣሳፍ መዝሙር።+
83 ኦ ኣምላኽ፡ ስቕ ኣይትበል፣+
ኦ ኣምላኽ፡ ትም ኣይትበል፡ ኣይተጽቅጥ።
2 እንሆ፡ ጸላእትኻስ ይጭድሩ፡+
እቶም ዚጸልኡኻ እውን ይዕበዩ ኣለዉ።
3 ንህዝብኻ ተንኰል ይፍሕሱሎም፡
ነቶም እትሕልዎም ከኣ ውዲት ይኣልሙሎም።
4 “ስም እስራኤል ደጊም ከይዝከርሲ፡
ብደረጃ ህዝቢ ነጥፍኣዮም” ይብሉ ኣለዉ።+
5 ሓቢሮም ስልቲ ይምህዙ፡
ኣንጻርካ ድማ ኪዳን ተኣታትዮም ኣለዉ፡+—
6 ድንኳናት ኤዶምን እስማኤላውያንን፡ ሞኣብን+ ሃግራውያንን፡+
7 ጌባልን ዓሞንን+ ኣማሌቅን፡
ፍልስጥኤም+ ምስ ነበርቲ ጢሮስ።+
8 ኣሶር+ እውን ሓቢርዎም፣
ንደቂ ሎጥ ድማ ደጊፎምዎም።+ (ሴላ)
9 ከምቲ ንሚድያን ዝገበርካዮ፡+
ከምቲ ንሲሰራን ንያቢንን ኣብ ርባ ቂሶን ዝገበርካዮም ግበሮም።+
10 ንሳቶም ኣብ ዔን-ዶር ጠፍኡ፣+
ንምድሪ ድማ ድዅዒ ዀንዋ።
11 ንልዑላኖም ከም ዖሬብን ዝኤብን፡+
ንመሳፍንቶም ከኣ ከም ዜባሕን ጻልሙናን ግበሮም።+
12 ከመይሲ፡ “ነታ ኣምላኽ ዚነብረላ ምድሪ ንረስተያ” ኢሎም እዮም።
13 ኦ ኣምላኸይ፡ ዕንክሊል ከም ዚብል ተዀርባ፡+
ብንፋስ ከም እተበቈጸ ሓሰር ግበሮም።
14 ከምቲ ሓዊ ንዱር ዜንድዶ፡
ከምቲ ሃልሃልታ ንኣኽራን ዜሕርሮ፡+
15 ከምኡ ብህቦብላኻ ስጐጎም፡+
ብብርቱዕ ንፋስካ ድማ ኣሸብሮም።+
16 ኦ የሆዋ፡ ንስምካ ምእንቲ ኺደልይዎስ፡
ገጾም ብውርደት ኣጐልብብ።
17 ንዘለኣለም ይሕፈሩን ይሸበሩን፣
ይነውሩን ይጥፍኡን፣
18 ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡+
በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።+