ኢሳይያስ
40 “ኣጸናንዑ፡ ንህዝበይ ኣጸናንዕዎ” ይብል ኣምላኽኩም።+
ካብ ኢድ የሆዋ ንዅሉ ሓጢኣታ ምሉእ* ተቐቢላ እያ።”+
3 ድምጺ ሓደ ኣብ በረኻ ዚጭድር፡ ከምዚ ይብል፦
4 ስንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፣
ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል።
ሓባጥ ጐባጥ ምድርስ ጐልጐል፡
ድንጉር ከኣ ጐልጐል ስንጭሮ ይኹን።+
6 ስማዕ! ሓደ፡ “ጨድር!” ይብል ኣሎ፣
ካልእ ድማ፡ “እንታይ ኢለ ኽጭድር፧” ኢሉ ይሓትት ኣሎ።
“ኵሉ ስጋ፡* ሳዕሪ እዩ።
ኵሉ እቲ ብተኣማንነት ዜርእይዎ ፍቕሪ ኸም ዕምባባ መሮር እዩ።+
ብርግጽ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ ጥራይ እዩ።+
9 ኣቲ ንጽዮን እተበስሪ፡
ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ።+
ኣቲ ንየሩሳሌም እተበስሪ፡
ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ።
ዓው በሊ፡ ኣይትፍርሂ።
ንኸተማታት ይሁዳ፡ “እንሆ ኣምላኽኩም” ኢልኪ ኣውጂ።+
እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፣
እቲ ዚኸፍሎ ጻማ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እዩ።+
ንዕያውቲ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክበን፡
ኣብ ሕቝፉ ድማ ኪስከመን እዩ።
ነተን ዜጥብዋ ብህድኣት ኪመርሐን እዩ።+
14 ኪርዳእሲ ምስ መን ተማኺሩ፧
15 እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኻብ መገለል፡
ከም ደሮና ኣብ ሚዛን እዮም ዚቝጸሩ።+
እንሆ፡ ንደሴታት ከም ደሮና የልዕለን።
16 ሊባኖስ እኳ ንምንዳድ ኣይኣክልን፣*
እንስሳ ዘገዳሙ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ኣይኣክልን።
18 ንኣምላኽሲ ምስ መን ከተመሳስልዎ ኢኹም፧+
ምስ ኣየናይ ምስሊኸ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም፧+
20 ንመባኡ ኦም፡+
ዘይቍንቍን ኦም ይሓሪ።
ዘይክምበል ጽሩብ ምስሊ ኺሰርሓሉ፡
ክኢላ ኢደ ጥበበኛ ይደሊ።+
21 ኣይትፈልጡን ዲኹም፧
ኣይሰማዕኩምን ዲኹም፧
ካብ መጀመርታዶ ኣይተነግረኩምን፧
ካብ መሰረታት ምድሪዶኸ ኣይተረድኣኩምን፧+
ንሱ ንሰማያት ከም ሻሽ ይዝርግሖ ኣሎ፣
ከም መንበሪ ዚኸውን ድንኳን ከኣ ይግትሮ።+
23 ንሰበ ስልጣን ባዶ ይገብሮም፣
ንፈራዶ* ድማ ከንቱ ይገብሮም።
25 “ማዕሪኡ ንምግባርሲ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም፧” ይብል እቲ ቕዱስ።
26 “ኣዒንትኹም ናብ ሰማይ ኣልዒልኩም ርኣዩ።
ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧+
እቲ ንሰራዊቶም ብቝጽሪ ዜውጽኦም እዩ፣
ንዅሎም በብስሞም ይጽውዖም።+
ካብ ዕቤት ብርታዐኡን ካብቲ ዜፍርህ ሓይሉን እተላዕለ፡+
ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተርፍን።
27 ኣታ ያእቆብ፡ ስለምንታይ ከምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልከ፡ ስለምንታይ ከምዚ ትዛረብ፧
‘መገደይ ካብ የሆዋ ሕብእቲ እያ፣
ካብ ኣምላኽ ድማ ፍትሒ ኣይረክብን እየ’ ትብል ኣለኻ።+
28 ኣይትፈልጥን ዲኻ፧ ኣይሰማዕካን ዲኻ፧
የሆዋ፡ እቲ ፈጣሪ ወሰናት ምድሪ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ኣምላኽ እዩ።+
ከቶ ዘይደክምን ዘይሕለልን እዩ።+
ከም ንስሪ ብኣኽናፍ ይድይቡ።+
ይጐይዩ እሞ ኣይሕለሉን፣
ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።”+