ሮሜ
12 እምበኣር ኣሕዋተየ፡ ንሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን+ ንኣምላኽ ቅቡልን መስዋእቲ ጌርኩም፡ ማለት ብኣእምሮኹም ተጠቒምኩም+ ቅዱስ ኣገልግሎት ጌርኩም ከተቕርብዎ፡+ ብርሕራሐ ኣምላኽ እልምነኩም ኣለኹ። 2 እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡስ፡+ ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፡+ ደጊም በዚ ስርዓት* እዚ ኣይትቀረጹ።
3 ነፍሲ ወከፍ ኣብ መንጎኹም ዘሎ፡ ብዛዕባ ርእሱ ኻብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሓስብ፡+ የግዳስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝሃቦ* መስፈር እምነት ገይሩ ብልብምና ኺሓስብ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣለኹ።+ 4 ከመይሲ፡ ከምቲ ኣብ ሓደ ሰብነት ብዙሕ ኣካላት ዘሎና፡+ እቲ ኣካላት ግና ሕደ ተግባር ዘይብሉ፡ 5 ከምኡ ድማ ንሕና ብዙሓት ክነስና፡ ብክርስቶስ ሓደ ሰብነት፡ ግናኸ ነፍሲ ወከፍና ኣካላት ሓድሕድ ኢና።+ 6 ከከም እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ካብ ሃለወና፡+ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ከከም መጠን እምነትና ንነበ፣ 7 ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ፡ ነገልግል፣ ወይስ እቲ ዚምህር፡ ይምሃር፣+ 8 ወይስ እቲ ዜተባብዕ፡* የተባብዕ፣*+ እቲ ዚዕድል፡ ብልግሲ ይዓድል፣*+ እቲ ዚመርሕ፡ ብትግሃት ይምራሕ፣+ እቲ ዚምሕር፡ ብሓጐስ ይምሓር።+
9 ፍቕርኹም ብዘይ ግብዝና ትኹን።+ ንእከይ ፈንፍንዎ፡+ ናብ ሰናይ ልገቡ። 10 ብሕውነታዊት ፍቕሪ ንሓድሕድኩም ካብ ልቢ ተፋቐሩ። ንሓድሕድኩም ኣብ ምክብባር ቀዳሞት ኩኑ።*+ 11 ትግሁ፡* ኣይትተሃከዩ።*+ ብመንፈስ ተቓጸሉ።+ ንየሆዋ* ተገዝእዎ።+ 12 ብተስፋ ተሓጐሱ። ኣብ ትሕቲ ጸበባ ተጻወሩ።+ ብጸሎት ጽንዑ።+ 13 ንቕዱሳት ከከም ዜድልዮም ኣማቕሉ።+ ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ።+ 14 ንዚሰጕጉኹም መርቑ፣+ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ።+ 15 ምስቶም ዚሕጐሱ ተሓጐሱ፣ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። 16 ንኻልኦት ከም ንርእስኹም ጌርኩም ሕሰቡሎም፣ ትሕት በሉ እምበር፡ ሓሳብኩም ኣብ ላዕለ ላዕሊ ኣይትግበሩ።*+ ጥበበኛታት ከም ዝዀንኩም ኣይምሰልኩም።+
17 ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ።+ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ጽቡቕ ሕሰቡ። 18 ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ።+ 19 ፍቑራተየ፡ “‘ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡’ ይብል የሆዋ”* ጽሑፍ እዩ እሞ፡+ ነቲ ቝጥዓስ* ቦታ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።+ 20 ግናኸ፡ “ጸላኢኻ እንተ ጠምዩ፡ ኣብልዓዮ፣ እንተ ጸሚኡ፡ ኣስትዮ፣ ነዚ ብምግባርካስ፡ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ኽትኵምር ኢኻ።”*+ 21 ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።+