ናይ ዳዊት።
103 ነፍሰየ፡ ንየሆዋ ወድስዮ፣
ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉ እውን፡ ነቲ ቕዱስ ስሙ ይወድስ።
2 ነፍሰየ፡ ንየሆዋ ወድስዮ፣
ኵሉ እቲ እተገብረልኪ ድማ ኣይትረስዒ።+
3 ንሱ ንዅሉ ስሕተትኪ ይቕረ ይብለልኪ፡+
ካብ ኵሉ ሕማምኪ ኸኣ የሕውየኪ።+
4 ንህይወትኪ ኻብ ጕድጓድ ይብጀዋ፣+
በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ብምሕረቱን ድማ ኣኽሊል ይገብረልኪ።+
5 ንእስነትኪ ኸም ናይ ንስሪ ምእንቲ ኺሕደስሲ፡+
ምሉእ ህይወትኪ ብጽቡቕ የጽግበኪ።+
6 የሆዋ ንዅሎም ጭቍናት፡+
ጽድቅን ፍትሕን ይገብር።+
7 መገድታቱ ንሙሴ፡+
ግብርታቱ ንደቂ እስራኤል ኣፍለጠ።+
8 የሆዋ መሓርን ርሕሩሕን፡+
ንቝጥዓ ደንጓይን ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እዩ።+
9 ወትሩ ጕድለት ኣይኣርን፡+
ንዘለኣለም እውን ኣይቅየምን እዩ።+
10 ከም ሓጢኣትና ኣይገበረናን፡+
ከም መጠን ስሕተትና ኣይፈደየናን።+
11 ሰማያት ካብ ምድሪ ልዕል ከም ዚብልሲ፡
እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ኣብቶም ዚፈርህዎ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ።+
12 ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ፡
ንኣበሳና ኻባና ኣዝዩ ኣርሒቕዎ።+
13 ከምቲ ኣቦ ንደቁ ዚምሕሮም፡
የሆዋ ንዚፈርህዎ ምሒርዎም።+
14 ከመይ ከም እተገበርናስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ፡+
ሓመድ ምዃንና ኸኣ ይዝክር እዩ።+
15 መዋቲ ሰብሲ፡ መዓልትታቱ ኸም ናይ ሳዕሪ እዩ፣+
ከም ዕምባባ መሮር ይዕምብብ።+
16 ንፋስ ምስ ነፈሰ ግና፡ ንሳ ኣይትህሉን፣
ከቶ ኸም ዘይነበረት እውን ትኸውን።
17 እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ግና፡
ኣብቶም ዚፈርህዎ ንዘለኣለመ ኣለም እዩ፣+
ጽድቁ ድማ ንደቂ ደቆም እዩ፣+
18 እወ፡ ኣብቶም ኪዳኑ ዚሕልዉ፡+
ኣብቶም ንትእዛዛቱ ተጠንቂቖም ዚሕልዉ እዩ።
19 የሆዋ ንዝፋኑ ኣብ ሰማያት ኣጽኒዕዎ ኣሎ፣+
ንግስናኡ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ይገዝእ እዩ።+
20 ኣቱም መላእኽቱ ዅልኹም፡+ ኣቱም ብርቱዕ ዝሓይልኹም፡
ኣቱም ንድምጹ ተኣዚዝኩም ቃሉ እትፍጽሙ፡+ ንየሆዋ ወድስዎ።
21 ኣቱም ሰራዊቱ ዅልኹም፡+
ኣቱም ፍቓዱ እትገብሩ ኣገልገልቱ፡+ ንየሆዋ ወድስዎ።
22 ኣቱም ግብርታቱ ዅልኹም፡
ኣብ ኵሉ ቦታታት ግዝኣቱ ንየሆዋ ወድስዎ።
ነፍሰየ፡ ንየሆዋ ወድስዮ።