ዘዳግም
25 “ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ ምስ ተላዕለ፡ ኣብ ቅድሚ ፈራዶ ይቕረቡ፡+ ንሳቶም ከኣ ነቲ ጻድቕ፡ ንጹህ፡ ነቲ እኩይ ድማ፡ በዳሊ ኢሎም ይፍረድዎም።+ 2 እቲ እኩይ መግረፍቲ ዚግብኦ እንተ ዀይኑ፡+ እቲ ፈራዲ በጥ ኣቢሉ፡ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ። ቍጽሪ እቲ መግረፍቲ ኸም መጠን እቲ እከዩ ይኹን። 3 ክሳዕ 40 ይግረፎ፡+ ካብኡ ግና ኣየብዝሕ። ካብኡ ዚበዝሕ መውቃዕቲ እንተ ገሪፍዎ፡ ሓውካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኺሓስር እዩ።
5 “ኣሕዋት ብሓደ እንተ ተቐሚጦም እሞ፡ ሓዲኦም ወዲ ዘይብሉ እንተ ሞይቱ፡ ሰበይቲ እቲ ምዉት ካብቲ ቤተ ሰብ ወጻኢ ኣይትመርዖ። ሓሙታ ናብኣ ኸይዱ ሰበይቱ ገይሩ ይውሰዳ፡ ይውረሳ እውን።+ 6 ስም እቲ ምዉት ሓዉ ኻብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ፡+ እቲ እትወልዶ በዅሪ፡ ስሙ ኬቐጽል እዩ።+
7 “እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኺወርሳ እንተ ዘይደልዩ ኸኣ፡ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብቶም ዓበይቲ ናብ ኣፍ ደገ ኸተማ ኸይዳ፡ ‘ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ምዕቃብ ኣብዩ። ኪወርሰኒ ኣይደለየን’ ትበሎም። 8 እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ድማ፡ ናባታቶም ጸዊዖም ይዛረብዎ። ‘ክምርዓዋ ኣይደልን እየ’ ኢሉ እንተ ጸኒዑ፡ 9 ሽዑ፡ እታ ሰበይቲ ሓዉ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባ፡ ሳእኑ ኻብ እግሩ ተውጽእ፡+ ኣብ ገጹ እውን ጡፍ ትበለሉ፡ ‘ቤት ሓዉ ንዘይሃንጽ ሰብኣይ ከምዚ ይገበር’ ድማ ትበል። 10 ድሕሪኡ፡ ስም ቤተ ሰቡ* ኣብ እስራኤል፡ ‘እንዳ ውጹእ ሳእኑ’ ይበሃል።
11 “ክልተ ሰብኡት ንሓድሕዶም እንተ ተባኢሶም፡ ሰበይቲ እቲ ሓደ ኸኣ፡ ንሰብኣያ ኻብቲ ዚወቕዖ ኸተድሕኖ ኢላ ጣልቃ እንተ ኣትያ፡ ኢዳ ዘርጊሓ ድማ ሕፍረቱ ዓትዒታ እንተ ሒዛ፡ 12 ኢዳ ቝረጻ። ኣይትደንግጸላ።*
13 “ኣብ ከረጺትካ ኽልተ ዓይነት ንመምዘኒ ዚኸውን እምኒ፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሃሉኻ።+ 14 ኣብ ቤትካ ኽልተ ዓይነት መስፈሪ፡* ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሃሉኻ።+ 15 ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ነዊሕ ዕድመ ምእንቲ ኽትነብር፡+ ልክዕን ቅኑዕን መምዘኒ ይሃሉኻ፣ ልክዕን ቅኑዕን መስፈሪ ድማ ይሃሉኻ። 16 ከምኡ ዚገብር ዘበለ ዅሉ ዓማጽስ ኣብ የሆዋ ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።+
17 “እቲ ኻብ ግብጺ ወጺእኩም ኣብ መገዲ ኸለኹም ኣማሌቅ ዝገበረካ ዘክር፣+ 18 ደኺምካን ተሓሊልካን ከለኻ፡ ኣብ መገዲ ረኸበካ፡ ንዅሎም እቶም ብድሕሬኻ ዘርጋሕጋሕ ዝበሉ ኸኣ ኣጥቅዐ። ንኣምላኽ ኣይፈርሀን። 19 የሆዋ ኣምላኽካ ኻብ ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያ እታ የሆዋ ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትርስተያ ዚህበካ ምድሪ ዚነብሩ ጸላእትኻ ምስ ኣዕረፈካ፡+ ንመዘከርታ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማያት ደምስሶ፣+ ኣይትረስዕ።