ህዝቅኤል
37 ኢድ የሆዋ ኣብ ልዕለይ ነበረት፣ የሆዋ ኸኣ ብመንፈሱ ወሰደኒ፡ ኣብ ማእከል ጐልጐል ስንጭሮ ድማ ኣንበረኒ፣+ ንሳ እውን ኣዕጽምቲ መሊእዋ ነበረ። 2 ብዙርያኦም ከኣ ኣሕለፈኒ፣ ኣብታ ጐልጐል ስንጭሮ ኣዝዩ ብዙሕ ኣዕጽምቲ ዛሕ ኢሉ ምንባሩን ኣዝዩ ንቑጽ ምንባሩን ድማ ረኣኹ።+ 3 ንሱ ኸኣ፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ኣዕጽምቲ እዝስ ህያውዶ ኪኸውን ይኽእል እዩ፧” ኢሉ ሓተተኒ። ኣነ ድማ፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንስኻ ትፈልጥ” በልኩ።+ 4 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ኣብ ልዕሊ እዚ ኣዕጽምቲ እዚ ተነበ፣ ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ኣቱም ንቑጻት ኣዕጽምቲ፡ ቃል የሆዋ ስምዑ፦
5 “‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ነዚ ኣዕጽምቲ እዚ ኸምዚ ይብል፦ “ኣነ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ንስኻትኩም ከኣ ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም።+ 6 ጅማውትን ስጋን ክገብረልኩም፡ ብቘርበት ድማ ክኸድነኩም፡ ትንፋስ ከኣ ከእትወልኩም እየ፣ ህያዋን እውን ክትኰኑ ኢኹም። ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም።”’”
7 ከምቲ እተኣዘዝክዎ ድማ ተነበኹ። ምስ ተነበኹ ኸኣ፡ ብኡብኡ ደሃይ፡ ደሃይ ሓሸሽታ ዀነ፣ እቲ ኣዕጽምቲ ድማ፡ ዓጽሚ ናብ ዓጽሚ ተቐራረበ። 8 ሽዑ፡ ጅማውትን ስጋን ኣብ ልዕሊኦም ኪኸውን፡ ቈርበት እውን ኪኸድኖም ከሎ ረኣኹ። ትንፋስ ግና ኣይነበሮምን።
9 ሽዑ፡ ንሱ፡ “ንንፋስ ተነበየሉ። ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፣ ንንፋስ ከኣ፡ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኦ ንፋስ፡* ካብቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ንዓ እሞ ህያዋን ምእንቲ ኪዀኑስ ኣብዞም ቅቱላት ንፈስ”’ በሎ” በለኒ።
10 ስለዚ፡ ከምቲ ዝኣዘዘኒ ተነበኹ፣ ትንፋስ* ድማ ኣተዎም፣ ህያዋን እውን ኰኑ፣ ብኣእጋሮም ከኣ ደው በሉ፣+ ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት እውን ኰኑ።
11 ሽዑ፡ ንሱ ኸምዚ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ኣዕጽምቲ እዚ፡ ብዘሎ ቤት እስራኤል እዩ።+ እንሆ፡ ንሳቶም፡ ‘ኣዕጽምትና ነቒጹ፡ ተስፋና ኸኣ ጠፊኡ።+ ጠሪስና ተቘሪጽና ኢና’ ይብሉ ኣለዉ። 12 ስለዚ፡ ተነበ፡ ከምዚ እውን በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቱም ህዝበይ፡ መቓብራትኩም ክኸፍት፡+ ካብ መቓብራትኩም ድማ ከተንስኣኩም፡ ናብ ምድሪ እስራኤል እውን ከምጽኣኩም እየ።+ 13 ኣቱም ህዝበይ፡ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፡ ካብ መቓብራትኩም ድማ ምስ ኣተንሳእኩኹም፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።”’+ 14 ‘መንፈሰይ ኣባኻትኩም ከንብር እየ፣+ ህያዋን እውን ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣብ ምድርኹም ድማ ከስፍረኩም እየ። ኣነ የሆዋ ኸም እተዛረብክዎን ከም ዝገበርክዎን ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም’ ይብል የሆዋ።”
15 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 16 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሓደ ዕንጨይቲ ውሰድ እሞ፡ ‘ንይሁዳን ምስኡ ንዘለዉ* ህዝቢ እስራኤልን’ ኢልካ ጽሓፈሉ።+ ድሕሪኡ፡ ካልእ ዕንጨይቲ ውሰድ እሞ፡ ‘ንዮሴፍ እቲ ዕንጨይቲ ኤፍሬምን ምስኡ ንዘለዉ* ዅሎም ቤት እስራኤልን’ ኢልካ ጽሓፈሉ።+ 17 ክልቲኡ ኣብ ኢድካ ሓደ ዕንጨይቲ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ንሓድሕዱ ኣላግቦ።+ 18 እቶም ህዝብኻ፡* ‘እዚ እንታይ ማለት ከም ዝዀነስ ኣይትነግረናን ዲኻ፧’ ምስ በሉኻ፡ 19 ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ኢድ ኤፍሬምን ምስኡ ዘለዉ ነገዳት እስራኤልን ዘሎ ዕንጨይቲ ዮሴፍ ክወስድ፡ ምስ ዕንጨይቲ ይሁዳ ድማ ከላግቦም እየ፣ ሓደ ዕንጨይቲ ኸኣ ክገብሮም እየ፣+ ኣብ ኢደይ ድማ ሓደ ኪዀኑ እዮም” በሎም።’ 20 እቲ ዝጸሓፍካሉ ኣዕጫው ከኣ ኪርእይዎስ ኣብ ኢድካ ይኹን።
21 “ሽዑ፡ ከምዚ በሎም፦ ‘እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ንእስራኤላውያን ካብ መንጎ እቶም ዝኸድዎም ኣህዛብ ክወስዶም፡ ካብ ኵሉ ኣንፈት ድማ ክእክቦም፡ ናብ ምድሮም እውን ከምጽኦም እየ።+ 22 ኣብታ ምድሪ፡ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፣+ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ከኣ ሓደ ንጉስ ኪነግሶም እዩ፣+ ደጊም ድማ ክልተ ህዝቢ ኣይኪዀኑን እዮም፣ ደጊም እውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይኪምቀሉን እዮም።+ 23 ደጊም ብጽዩፋት ጣኦታትን* ብፍንፉን ተግባራትን ብዅሉ ኣበሳኦምን ኣይኪረኽሱን እዮም።+ ካብ ኵሉ እቲ ዝሓጥእዎ ጥልመት ከድሕኖምን ከንጽሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፣ ኣነ እውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።+
24 “‘“ጊልያይ ዳዊት ንጉሶም ኪኸውን፡+ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ኺህልዎም እዩ።+ ብፍርድታተይ ኪመላለሱ፡ ሕግታተይ ከኣ ተጠንቂቖም ኪሕልዉ እዮም።+ 25 ኣብታ ንጊልያይ ያእቆብ ዝሃብክዎ፡ ኣቦታትኩም ድማ ዝነበርዋ ምድሪ ኪቕመጡ፡+ ኣብኣ ኸኣ ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን+ ንዘለኣለም ኪቕመጡ እዮም፣+ ጊልያይ ዳዊት ድማ ንዘለኣለም ሹሞም* ኪኸውን እዩ።+
26 “‘“ኪዳን ሰላም ክኣትወሎም እየ፣+ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እውን ኪዀነሎም እዩ። ክስርቶም፡ ከብዝሖም፡+ መቕደሰይ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ መንጎኦም ከቕውም እየ። 27 ድንኳነይ* ምሳታቶም* ኪኸውን እዩ፣ ኣነ ድማ ኣምላኾም ክኸውን እየ፣ ንሳቶም እውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።+ 28 መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ምስ ኰነ፡ ኣነ የሆዋ ንእስራኤል እቕድሶ ኸም ዘለኹ ኣህዛብ ኪፈልጡ እዮም።”’”+