‘ንምድሪ ንምውራስ’ ድሉው ዲኻ፧
ነቲ የሱስ “ልኡማት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም” ኢሉ እተዛረቦ ቓል፡ ኵላትና ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። (ማቴ. 5:5) እቶም ቅቡኣት ኣብ ሰማይ ምስ የሱስ ብምንጋስ፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም። (ራእ. 5:10፣ 20:6) ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከኣ ንምድሪ ኺወርሱ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ብፍጽምናን ብሰላምን ብሓጐስን ኪነብሩ እዮም ተስፋ ዚገብሩ። እዚ ተስፋ እዚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ኪዕየ ዚግባእ እተፈላለየ ዕዮታት ኣሎ። ሰለስተ ኻብኡ ንርአ፦ ንምድሪ ምግዛእ፡ ካብ ምዉታት ንዚትንስኡ ምቕባል፡ ካብ ምዉታት ንዚትንስኡ ምምሃር። ብተወሳኺ እውን ኣብዚ ዕዮታት እዚ ንምስታፍ ድሌት ከም ዘሎካ ሕጂ ብኸመይ ከተርኢ ኸም እትኽእል ክንርኢ ኢና።
ንምድሪ ንምግዛእ ድሉው ዲኻ፧
የሆዋ ንደቂ ሰብ፡ “ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን” ኢሉ መዝነት ኪህቦም ከሎ፡ ብዘላ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ኣሚቱ ነይሩ እዩ። (ዘፍ. 1:28) ነቶም ንምድሪ ዚወርስዋ ሰባት፡ እዚ ኣብ መጀመርታ ዝነበረ ትእዛዝ ይጽበዮም ኣሎ። ኰይኑ ግና፡ መጀመሪ እትኸውን ገነት የብሎምን፡ ምኽንያቱ ገነት ኤደን ሕጂ የላን። ስለዚ፡ ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ነዚ ሕጂ ዓንዩ ዘሎ ቦታታት ናይ ምጽራይ ዕዮ ኺህልዎም እዩ። እዚ ዕዮ እዚ ቐሊል ዕዮ ኣይኰነን።
እዚ ድማ ነቲ እስራኤላውያን ካብ ባቢሎን ምስ ተመልሱ ዚጽበዮም ዝነበረ ዕዮ እዩ ዜዘኻኽረና። ምኽንያቱ፡ ዓዶም ን70 ዓመት ባዲማ እያ ነይራ። ኢሳይያስ ግና ብበረኸት የሆዋ ነታ ምድሪ ኸም ዚሕድስዋ ተነብዩ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ትንቢቱ፡ “ንበረኻኣ ድማ ከም ኤደን፡ ንጐልጐል ምድረ በዳኣ እውን ከም ገነት የሆዋ ኺገብሮ እዩ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 51:3) እስራኤላውያን ሰሊጥዎም እዩ። እቶም ኣብ መጻኢ ንምድሪ ዚወርሱ ኸኣ ብበረኸት የሆዋ ንምድሪ ኺገዝእዋ እዮም። ንስኻ እውን ኣብኡ ንምስታፍ ድሌት ከም ዘሎካ ሕጂ ኸተርኢ ትኽእል ኢኻ።
ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ኽትገብረሉ እትኽእል መገዲ ብእተኻእለካ መጠን ንቤትካን ንኸባቢኻን ጽሩይን ጽፉፍን ጌርካ ብምሓዝ እዩ። ጐረባብትኻ ዚገብርዎ ብዘየገድስ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ እውን፡ ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ንኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባን ኣብ ምጽራይ ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። ኵነታትካ ዚፈቕደልካ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ዕዮ ረድኤት ወለንተኛ ዄንካ ንምስታፍ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንምሕጋዝ ድሉው ከም ዝዀንካ ተርኢ። ገዛእ ርእስኻ እውን፡ ‘ንምድሪ ናይ ምውራስ በረኸት እንተ ረኺበ፡ ሽዑ ዚጥቀመሉ ኽእለት ካብ ሕጂ ኽምሃር እኽእልዶ፧’ ኢልካ ሕተት።
ካብ ምዉታት ንዚትንስኡ ንምቕባል ድሉው ዲኻ፧
የሱስ ንጓል ያኢሮስ ምስ ኣተንስኣ፡ ብኡብኡ ዚብላዕ ኪህብዋ እዩ ኣዚዙ። (ማር. 5:42, 43) ነታ ጓል 12 ዓመት ዜድልያ ምምላእ፡ ከቢድ ዕዮ ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ እቲ የሱስ ብዛዕባ እቲ ‘ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ኸም ዚሰምዑን ከም ዚወጹን’ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጽም ከሎ ዚህሉ ዕዮ እሞ ሕሰቦ። (ዮሃ. 5:28, 29) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ዝርዝር ነገራት እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ እቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰባት ምግብን መዕቀልን ክዳንን ከም ዜድልዮም ክንግምት ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ሽዑ ንምሕጋዝ ድሉው ከም እትኸውንሲ ኻብ ሕጂ ኸተርኢ ትኽእልዶ፧ ገለ ኻብቲ ኽትሓስበሉ ዘሎካ ሕቶታት ስዒቡ ተገሊጹ ኣሎ።
ንምድሪ ንምውራስ ድሉው ምእንቲ ኽትከውን፡ ሎሚ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ሓላው ወረዳ ንጉባኤኹም ከም ዚበጽሓ ምልክታ ኺንገር ከሎ፡ ምሳሕ ክትዕድሞስ ፍቓደኛ ኽትከውን ትኽእልዶ፧ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ኻብ ቤት-ኤል ወጻኢ ኼገልግል ኪምደብ ከሎ ወይ ሓላው ወረዳ ዕዮ መገሻኡ ኼብቅዕ ከሎ መንበሪ ምእንቲ ኺረክብሲ ኽትሕግዞ ትኽእልዶ፧ ኣኼባ ዞባ ወይ ፍሉይ ኣኼባ ኣብ ከባቢኻ ይግበር እንተ ኣልዩ፡ ቅድሚ ኣኼባ ወይ ድሕሪኡ ንምዕያይ ወይ ከኣ ነቶም ኣኼበኛታት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ኢልካ ንምቕባል ወለንተኛ ዄንካ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧
ካብ ምዉታት ንዚትንስኡ ንምምሃር ድሉው ዲኻ፧
ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 24:15፡ ቢልዮናት ሰባት ኪትንስኡ ኢና ትጽቢት እንገብር። ብዙሓት ካባታቶም ንየሆዋ ኣቐዲሞም ኪፈልጥዎ ኣጋጣሚ ኣይረኸቡን። ምስ ተንስኡ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኪኽፈተሎም እዩ።a ተመክሮ ዘለዎም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከኣ ኣብቲ ናይ ምምሃር ዕዮ ኺሳተፉ እዮም። (ኢሳ. 11:9) ኣብ ኤውሮጳን ደቡብ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዝሰበኸት ሻርሎት፡ ነቲ እዋን እቲ ብሃንቀውታ እያ እትጽበዮ። ንሳ ብታሕጓስ ከምዚ ትብል፦ “ትንሳኤ ንዚረኽቡ ሰባት ምምሃር ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ። ኣብ ሕሉፍ ግዜ ብዛዕባ ዚነብር ዝነበረ ሰብ ከንብብ ከለኹ፡ ብዙሕ ግዜ፡ ‘እዚ ሰብ እዚ ንየሆዋ እንተ ዚፈልጥ ነይሩ፡ ህይወቱ ኣዝዩ ምተቐየረ’ ኢለ እሓስብ እየ። ካብ ምዉታት ንዚትንስኡ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣምሊጥዎም ዝነበረ ነገራት ንምንጋር ተሃንጥየ እየ ዘለኹ።”
የሱስ ቅድሚ ምምጻኡ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ዚነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ እኳ ብዙሕ ኪምሃሩ ኼድልዮም እዩ። ንዳንኤል ብዛዕባ ፍጻመ እቲ ጽሒፍዎስ ዘይተረድኦ ትንቢታት ክትምህሮ ኸለኻ ዚስምዓካ ሓጐስን ክብርን እሞ ሕሰቦ። (ዳን. 12:8) ወይ ከኣ ንሩትን ናእሚን ሓረግ ወለዶአን ናብ መሲሕ ከም ዝመርሐ ኽትምህረን ከለኻ እሞ ሕሰቦ። ካብዚ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ዘሎ ጸቕጥታትን መስገሊታትን ናጻ ዄንካ፡ ኣብቲ ዓለምለኻዊ መደብ ትምህርቲ ምስታፍ ብሓቂ ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ!
እሞ ደኣ ኣብቲ መደብ ትምህርቲ እቲ ንምስታፍ ድሉው ምዃንካ፡ ሕጂ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧ ሓደ መገዲ ናይ ምምሃር ክእለትካ ንምምሕያሽ ጻዕሪ ብምግባርን ኣብቲ ሎሚ ዚግበር ዘሎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ስሩዕ ተሳትፎ ብምግባርን እዩ። (ማቴ. 24:14) እዚ ሕጂ እትገብሮ ንጥፈታት ብሰንኪ ዕድመ ወይ ካልእ ኵነታት እኳ እንተ ተደረተ፡ እቲ ጻዕርታትካ ነቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ንምምሃር ድሉው ምዃንካ እዩ ዜርኢ።
እወ፡ እዚ መሰረታዊ ሕቶ እዩ፦ ብሓቂዶ ንምድሪ ንምውራስ ህንጡይ ኢኻ፧ ንምድሪ ንምግዛእ ነቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ድማ ንምቕባልን ንምምሃርን ተሃንጢኻዶ ኣለኻ፧ እምበኣር፡ ነቲ ንምድሪ ምስ ወረስካያ ዚጽበየካ ዕዮ ድሉው ምእንቲ ኽትከውን፡ ኣብቲ ሎሚ ዘሎ ተመሳሳሊ ዕዮታት ክትሳተፍ ትኽእል ኢኻ።
a ኣብ ናይ መስከረም 2022 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዜምጽኡ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።