11 ካብ ጕርማጽ እሴይ፡+ ውልዶ ኺበቍል፡+
ካብ ሱሩ ዝወጸ ብቋል+ ድማ ፍረ ኼፍሪ እዩ።
2 ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ መንፈስ የሆዋ፡+
መንፈስ ጥበብን+ ኣእምሮን፡
መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡+
መንፈስ ፍልጠትን ፍርሃት የሆዋን ኪዓርፍ እዩ።
3 ብፍርሃት የሆዋ ድማ ደስ ኪብሎ እዩ።+
ኣዒንቱ ብዚርእያኦ ኣይኪፈርድን፡
ኣእዛኑ ብዚሰምዓኦ እውን ኣይኪገንሕን እዩ።+
4 ንትሑታት ብፍትሒ ኺፈርድ፡
ምእንቲ ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺገንሕ እዩ።
ንምድሪ ብሻቦጥ ኣፉ ኺወቕዓ፡+
ንእኩይ ድማ ብትንፋስ ከናፍሩ ኪቐትሎ እዩ።+
5 ጽድቂ ዕጣቕ መዓጥቖኡ፡
ተኣማንነት እውን ዕጣቕ ሕቘኡ ኪኸውን እዩ።+
6 ተዅላ ምስ ገንሸል ኪኸውን፡+
ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ በጥ ኪብል፡
ምራኽን ሽደን ኣንበሳን ስቡሕ እንስሳን ድማ ብሓባር ኪዀኑ እዮም፣+
ንእሽቶ ወዲ እውን ኪመርሖም እዩ።
7 ላምን ድብን ብሓደ ኺበልዓ፡
ውላዳተን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም።
ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ።+
8 ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ልዕሊ ሰፈር መንደላይ ተመን ኪጻወት፡
ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እንዳ መርዛም ተመን ኪገብር እዩ።
9 ከምቲ ማያት ንባሕሪ ዜጐልብቦ፡
ምድሪ ብርግጽ ብፍልጠት የሆዋ ኽትመልእ እያ እሞ፡+
ኣብ ኵሉ እቲ ቕዱስ ከረነይ፡+
ኣይኪጐድኡን+ ወይ ኣይኬጥፍኡን እዮም።
10 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ሱር እሴይ፡+ ሰንደቕ ዕላማ ህዝብታት ኰይኑ ኪቐውም እዩ።+
ኣህዛብ መምርሒ ደልዮም ናብኡ ኼብሉ እዮም፣+
መዕረፊኡ ድማ ክቡር ኪኸውን እዩ።
11 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ነቶም ካብ ኣሶርን+ ካብ ግብጽን+ ካብ ጳጥሮስን+ ካብ ኩሽን+ ካብ ዔላምን+ ካብ ሲንኣርን ካብ ሓማትን ካብ ደሴታት ባሕርን+ ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ ምእንቲ ኼጥርዮምሲ፡ ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ። 12 ንኣህዛብ ሰንደቕ ዕላማ ኼተንስኣሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተበተኑ ኸኣ ኪእክቦም፡+ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉ እውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኺእክቦም እዩ።+
13 ቅንኢ ኤፍሬም ኪርሕቕ እዩ፣+
እቶም ንይሁዳ ዚጸልእዎ እውን ኪጠፍኡ እዮም።
ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይኪቐንኣሉን፡
ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣይኪጸልኦን እዩ።+
14 ናብ ቍልቍለት ፍልስጥኤማውያን ናብ ምዕራብ ኪንቈቱ፡
ብሓባር ከኣ ንደቂ ምብራቕ ኪዘምትዎም እዮም።
ኢዶም ኣብ ልዕሊ ኤዶምን+ ሞኣብን+ ኪዝርግሑ፡
ዓሞናውያን ድማ ተገዛእቶም ኪዀኑ እዮም።+
15 የሆዋ ንወሽመጥ ባሕሪ ግብጺ ኺመቕሎ፡+
ኣብ ልዕሊ እቲ ፈለግ ኸኣ ኢዱ ኼወዛውዝ እዩ።+
ብዜሕርር ትንፋሱ ንዕኡ ኣብ ሸውዓተ ወሓይዙ ኺወቕዖ፡
ምስ ሳእንኻ ኸም ዚስገር እውን ኪገብሮ እዩ።
16 ከምቲ ንእስራኤል በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ዝዀነሎም፡
ነቶም ዝተረፉ ተረፍ ህዝቡ+ ድማ ካብ ኣሶር ዚወጽእ ጐደና+ ኺህሉ እዩ።