ዓንቀጽ መጽናዕቲ 52
ኣብ ጽንኩር እዋን፡ ንኻልኦት ሓግዝ
“ክትሕግዝ ዓቕሚ እንተ ኣልዩካ፡ ነቲ ዚግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ።”—ምሳ. 3:27።
መዝሙር 103 ውህበት ሰባት ዝዀኑ ጓሶት
መላለዪa
1. የሆዋ ንጸሎት ኣገልገልቱ ብዙሕ ሳዕ ብኸመይ እዩ ምላሽ ዚህብ፧
ሓደ ሰብ ንዜቕርቦ ልባዊ ጸሎት፡ ምላሽ ከም እትኸውን ገይሩ የሆዋ ኺጥቀመልካ ኸም ዚኽእልሲ ትፈልጥዶ፧ ሽማግለ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ ፈላሚ፡ ወይ ኣስፋሒ ኹን ብዘየገድስ፡ ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። ንእሽቶ ወይ ዓብዪ፡ ሓው ወይ ሓብቲ ኹን ብዘየገድስ፡ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል ኢኻ። ሓደ ንየሆዋ ዜፍቅሮ ሰብ ካብ የሆዋ ሓገዝ ኪልምን ከሎ፡ ኣምላኽና ብዙሕ ሳዕ ንሽማግለታትን ንእሙናት ኣገልገልቱን ይጥቀም እዩ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ሰብ “ምንጪ ዓብዪ ምጽንናዕ” ይዀንዎ እዮም። (ቈሎ. 4:11) በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋን ንኣሕዋትናን ምግልጋልሲ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ! ኣብ እዋን ለበዳ፡ ሓደጋ፡ ወይ መስጐጕቲ ኸምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።
ኣብ እዋን ለበዳ፡ ንኻልኦት ሓግዝ
2. ኣብ እዋን ለበዳ፡ ንኻልኦት ምሕጋዝ ከቢድ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
2 እዋን ለበዳ ንሓድሕድና ንምትሕግጋዝ ኣጸጋሚ እዩ ዚገብሮ። ንኣብነት፡ ንፈተውትና ኽንበጽሕ ንደሊ ንኸውን፣ ከምኡ ምግባር ግና ሓደገኛ እዩ። ነቶም መነባብሮ ዚኸብዶም ሰባት ክንዕድሞም ንደሊ ንኸውን፣ ከምኡ ምግባር ግና ዘይከኣል እዩ። ንጽጉማት ክንሕግዝ ንደሊ ንኸውን፣ ኣባል ስድራ ቤትና ሓሚሙ እንተ ኣልዩ ግና፡ እዚ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንኣሕዋትና ኽንሕግዞም ንደሊ ኢና፣ የሆዋ ድማ ብዓቕምና ዚከኣለና እንተ ጌርና ባህ ይብሎ እዩ። (ምሳ. 3:27፣ 19:17) እሞ ደኣ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
3. ካብቶም ኣብ ጉባኤ ደዚ ዚርከቡ ሽማግለታት እንታይ ንምሃር፧ (ኤርምያስ 23:4)
3 ሽማግለታት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ሽማግለ እንተ ዄንካ፡ ነተን ኣባጊዕ ኣጸቢቕካ ፍለጠን። (ኤርምያስ 23:4 ኣንብብ።) እታ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰት ደዚ፡ “እቶም ኣብ ጕጅለ ኣገልግሎትና ዘለዉ ሽማግለታት፡ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታትን ምሳይን ምስ ካልኦትን ግዜ የሕልፉ ነይሮም እዮም” ትብል።b ለበዳ ኮቪድ-19 ምስ ጀመረ እሞ ገሊኦም ኣባላት ስድራ ቤት ደዚ በቲ ቫይረስ ምስ ሞቱ፡ እቶም ጓሶት ሳላ እቲ ኣቐዲሞም ዚገብርዎ ዝነበሩ ጻዕርታት ንደዚ ንምሕጋዝ ዝቐለለ እዩ ዀይኑሎም።
4. እቶም ሽማግለታት ንደዚ ኺሕግዝዋ ዝኸኣሉ ስለምንታይ እዮም፧ እዚኸ እንታይ ትምህርቲ ሒዙ ኣሎ፧
4 ደዚ ኸምዚ ትብል፦ “እዞም ሽማግለታት ፈተውተይ ምዃኖም እፈልጥ ስለ ዝነበርኩ፡ ስምዒታተይን ዜተሓሳስበኒ ነገራትን ንምንጋር ኣይከበደንን።” እሞ ደኣ ሽማግለታት ካብዚ እንታይ ይምሃሩ፧ ጽንኩር እዋን ቅድሚ ምምጻኡ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮትኩም ዘለዉ መጓሰ ጓስይዎም። ተዓራረኽዎም። ብሰንኪ ለበዳ ብኣካል ክትከድዎም እንተ ዘይክኢልኩም፡ ብኻልእ መገዲ ብጽሕዎም። ደዚ ኸምዚ ትብል፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ እተፈላለዩ ሽማግለታት ደዊሎምለይ ወይ መልእኽቲ ልኢኾምለይ እዮም። እቲ ዘካፈሉኒ ጥቕስታት፡ ዋላ እውን ቅድሚኡ ዝፈልጦ እንተ ዀነ፡ ልበይ እዩ ተንክዩኒ።”
5. ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ዜድልዮም ነገራት ከመይ ገይሮም ኪፈልጡ ይኽእሉ፧ ከመይ ገይሮምከ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ፧
5 ሓደ ኻብቲ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን እንታይ ከም ዜድልዮም እትፈልጠሉ መገዲ ብሜላ ብእትሓትቶም ሕቶ ኣቢልካ ኣብ ልቦም ዘሎ ኸም ዚገልጹልካ ብምግባር እዩ። (ምሳ. 20:5) እኹል ምግብን መድሃኒትን ካልእ ነገራትን ኣለዎምዶ፧ ስራሖም ወይ ቤቶም ኪስእኑ ይኽእሉዶ፧ ካብቲ መንግስቲ ዚህቦ ረድኤት ምእንቲ ኺጥቀሙ ሓገዝ የድልዮምዶ፧ ደዚ ኻብ ክርስትያናት ኣሕዋታን ኣሓታን ስጋዊ ሓገዝ ተቐቢላ እያ። ነቲ ፈተናታታ ኽትሰግሮ ዝሓገዛ ቐንዲ ነገር ግና፡ ካብ ሽማግለታት ዝረኸበቶ ስምዒታውን መንፈሳውን ደገፍ እዩ። ብዛዕባኡ ድማ ከምዚ ትብል፦ “እቶም ሽማግለታት ምሳይ ጸልዮም እዮም። እቲ ዝበልዎ ብልክዕ እኳ እንተ ዘይዘከርክዎ፡ ሽዑ እተሰምዓኒ ግና እዝክሮ እየ። የሆዋ፡ ‘በይንኺ ኣይኰንክን’ ከም ዝበለኒ እዩ ተሰሚዑኒ።”—ኢሳ. 41:10, 13።
6. ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብዙሓት ንኻልኦት ንምሕጋዝ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (ስእሊ ርአ።)
6 ካልኦት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ መሸም ሽማግለታት መሪሕ ግደ ኺህልዎም ምጽባይና ጌጋ ኣይኰነን። የሆዋ ግና ንዅላትና፡ ንኻልኦት ከነተባብዕን ክንሕግዝን ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። (ገላ. 6:10) ንእሽቶ መግለጺ ፍቕሪ እኳ ንሓደ ዝሓመመ ሰብ ሓያል ጽልዋ ኼሕድረሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ቘልዓ ንሓደ ሓው ካርድ ወይ ስእሊ ኺሰድደሉ ይኽእል እዩ። ሓደ መንእሰይ ንሓንቲ ዓባይ ሓብቲ ኺልኣኻ ወይ ኪዓዳድገላ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ድማ ምግቢ ኣዳልዮም ንዝሓመሙ ኼብጽሑሎም ይኽእሉ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ብዙሓት ኣብ ዚሓምሙሉ እዋን፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም መተባብዒ የድልዮም እዩ። ምናልባት ድሕሪ ኣኼባ ንእተወሰነ ግዜ ብምጽናሕ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ብኣካል ወይ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ከነዛራርቦም ንኽእል ንኸውን። ሽማግለታት እውን እንተ ዀኑ፡ መተባብዒ የድልዮም እዩ። እዞም ኣሕዋት እዚኦም ኣብ እዋን ለበዳ ኻብ ካልእ ግዜ ብዝያዳ ብስራሕ ይዋጠሩ እዮም። ስለዚ፡ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምስጋናኦም ዚገልጽ ወረቐት ጽሒፎም ሰዲዶምሎም እዮም። እወ፡ ነቲ “ንሓድሕድኩም ተተባብዑን ተሃናነጹን” ዚብል ምሕጽንታ ንምትግባር እጃምና እንተ ጌርና፡ እዚ ጽቡቕ ፍረ ኼፍሪ ይኽእል እዩ።—1 ተሰ. 5:11።
ኣብ እዋን ሓደጋ፡ ንኻልኦት ሓግዝ
7. ንሓደጋ ኸቢድ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧
7 ሓደጋ ንህይወት ሰብ ብቕጽበት ዓይኒ ኺልውጦ ይኽእል እዩ። ግዳያት ሓደጋ ንብረቶም፡ ኣባይቶም፡ ወይ እውን ዚፈትውዎ ሰቦም ኪስእኑ ይኽእሉ እዮም። ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ካብ ሓደጋታት ናጻ ኣይኰኑን። እሞ ደኣ ንምሕጋዞም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
8. ሓደጋ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ሽማግለታትን ርእስታት ስድራ ቤትን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
8 ሽማግለታት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ኣቱም ሽማግለታት፡ ሓደጋ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ንኣሕዋትኩም ድሉዋት ኰይኖም ኪጸንሑ ሓግዝዎም። ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ዅላቶም፡ ድሕንነቶም ምእንቲ ኺሕልዉን ምስ ሽማግለታት ርክብ ምእንቲ ኺገብሩን፡ ኪወስድዎ ዘለዎም ስጕምትታት ከም ዚፈልጡ ኣረጋግጹ። እታ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰት ማርግረት ከምዚ ትብል፦ “ሽማግለታትና ወቕቲ ባርዕ ከም ዘየብቅዐ ዚገልጽ ነታ ጉባኤ ዜድሊ ኽፍሊ ኣቕሪቦም። ሰበ ስልጣን ካብቲ ኸባቢ ኽንወጽእ እንተ ኣዚዞም ወይ እቲ ዅነታት ሓደገኛ እንተ ዀይኑ፡ ብኡብኡ ኻብቲ ኸባቢ ኽንወጽእ ከም ዘሎና ነጊሮምና።” ድሕሪ ሓሙሽተ ሰሙን ንህይወት ዜስግእ ባርዕ ስለ እተላዕለ፡ እዚ ሓበሬታ እዚ እዋናዊ እዩ ነይሩ። ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ርእስታት ስድራ ቤት ብዛዕባ እቲ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኪገብሮ ዘለዎ ነገር ኪመያየጡ ይኽእሉ እዮም። ንስኻን ደቅኻን እንተ ተዳሊኹም፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ነቲ ጸገም ብህድኣት ክትሰግርዎ ትኽእሉ ኢኹም።
9. ሽማግለታት ነቲ ቕድሚ ሓደጋን ድሕሪኡን ዚግበር ጻዕርታት ብኸመይ ኪውድቡ ይኽእሉ፧
9 ሓላው ጕጅለ እንተ ዄንካ፡ ሓደጋ ቕድሚ ምግጣሙ፡ ናይ ኵሎም እቶም ኣብ ጕጅለኻ ዘለዉ ኣድራሻን ቍጽሪ ተሌፎንን ከም ዘሎካ ኣረጋግጽ። ዝርዝር እዚ ሓበሬታ እዚ ይሃሉኻ፣ በብእዋኑ እውን ልክዕ ምዃኑ ኣረጋግጽ። ድሕሪኡ፡ ኣብ እዋን ሓደጋ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ እንታይ ከም ዜድልዮ ንምግምጋም፡ ብእኡ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ድሕርዚ፡ ነዚ ሓበሬታ እዚ ብኡብኡ ንኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ልኣኸሉ፡ ንሱ እውን ንሓላው ወረዳ ኺልእከሉ እዩ። ናይ ኵላትኩም ጻዕሪ ዓብዪ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ። ድሕሪ እቲ ኣብ ከባቢ እንዳ ማርግረት ዘጋጠመ ባርዕ፡ እቲ ሓላው ወረዳ ነቲ ሽማግለታት ዚገብርዎ ጻዕርታት ንምትሕብባርን ንኣስታት 450 ዚዀኑ ኻብ ኣባይቶም እተመዛበሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ንምክንኻንን 36 ሰዓት ከይደቀሰ እዩ ጸኒሑ። (2 ቈረ. 11:27) በዚ ኸምዚ፡ ኵሎም እቶም መዕቀሊ ዚደልዩ ሰባት፡ መጸግዒ ኺረኽቡ ኽኢሎም እዮም።
10. ሽማግለታት ንዕዮ ጕስነት ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ገይሮም ዚርእይዎ ስለምንታይ እዮም፧ (ዮሃንስ 21:15)
10 ሓደ ኻብቲ ክርስትያን ሽማግለታት ዚዓይይዎ ዕዮ፡ መንፈሳውን ስምዒታውን ደገፍ ምሃብ እዩ። (1 ጴጥ. 5:2) ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ፡ ቅድም ቀዳድም ነፍሲ ወከፍ ሓው ወይ ሓብቲ ደሓን ምዃኑ፡ ዜድልዮ ምግብን ክዳንን መዕቀልን ድማ ከም ዘለዎ ኼረጋግጹ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ እቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ንሓያሎ ኣዋርሕ መንፈሳውን ስምዒታውን ደገፍ ኬድልዮም ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 21:15 ኣንብብ።) ሃሮልድ ዚብሃል ኣብ ኮሚተ ጨንፈር ዜገልግል ሓው፡ ብሓደጋ ምስ እተጸልዉ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ተራኺቡ እዩ። ንሱ፡ “ነቲ ዜጋጥም ጸገም ንምስጋር ግዜ ይሓትት እዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ነቲ ዘጋጠሞም ጕድኣት ሰጊሮምዎ ኪኸዱ ምስ በሉ፡ ሞት እቲ ዚፈትውዎ ሰቦም፡ ፍሉይ ዝኽሪ ዜምጽኣሎም ንብረት፡ ወይ ንስክላ ዘምለጡሉ ኣጋጣሚ ኣብ ተዘክሮኦም ቅጅል ኪብሎም ይኽእል እዩ። እዚ ተዘክሮታት እዚ ድማ ከም ብሓድሽ ንሓዘኖም የለዓዕሎ። እዚ ጕድለት እምነት ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ኣብ ሰባት ንቡር ዝዀነ ነገር እዩ።”
11. ስድራ ቤታት እንታይ ቀጻሊ ሓገዝ ኬድልዮም ይኽእል፧
11 ሽማግለታት ነቲ፡ “ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ” ዚብል ምኽሪ ኺትግብርዎ ይጽዕሩ እዮም። (ሮሜ 12:15) እቶም ካብ ሓደጋ ዝደሓኑ ክርስትያናት፡ የሆዋን ክርስትያናት ኣሕዋቶምን ሕጂ እውን ከም ዜፍቅርዎም መረጋገጺ ይደልዩ እዮም። ሽማግለታት ንስድራ ቤታት፡ ከም ጸሎትን መጽናዕትን ኣኼባታትን ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ልማዳቶም ከየቋርጹ ኺሕግዝዎም ይደልዩ እዮም። ብዘይካዚ፡ ሽማግለታት ንወለዲ፡ ንደቆም ምእንቲ ኺሕግዙ ኬተባብዕዎም ይኽእሉ እዮም፣ ወለዲ ንደቆም፡ ኣብቲ ብሓደጋ ኺጠፍእ ዘይክእል ነገራት ምእንቲ ኼተኵሩ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ኣቱም ወለዲ ንደቅኹም፡ የሆዋ ወትሩ ዓርኮም ከም ዚኸውን፡ ወትሩ እውን ከም ዚድግፎም ኣዘኻኽርዎም። ክፍሊ እቲ ዓለምለኻዊ ስድራ ቤት ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዝዀኑ፡ ንሳቶም እውን ወትሩ ኸም ዚድግፍዎም ግለጹሎም።—1 ጴጥ. 2:17።
12. ኣብ ዕዮ ረድኤት ንምድጋፍ፡ ካልኦት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ (ስእሊ ርአ።)
12 ካልኦት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ኣብ ከባቢኻ ሓደጋ እንተ ኣጋጢሙ፡ ብኸመይ ክትሕግዝ ከም እትኽእል ንሽማግለታት ሕተቶም። ምናልባት ነቶም ካብ ቤቶም እተመዛበሉ ኣሕዋት ወይ ንወለንተኛታት ህንጸት ንግዜኡ ኣብ ቤትካ ኽትቅበሎም ትኽእል ትኸውን። ወይ ከኣ ንእተሸገሩ ኣስፋሕቲ፡ ምግብን ካልእ ነገራትን ከተብጽሓሎም ትኽእል ትኸውን። እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ርሑቕ እንተ ዀይኑ እውን፡ ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ምእንቲ እቶም እተጸልዉ ኣሕዋት ብምጽላይ ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። (2 ቈረ. 1:8-11) ንዓለምለኻዊ ዕዮ ብምውፋይ እውን ንዕዮ ረድኤት ክትድግፍ ትኽእል ኢኻ። (2 ቈረ. 8:2-5) ሓገዝ ንምሃብ ናብቲ ብሓደጋ እተጸልወ ኸባቢ ኽትጕዓዝ ትኽእል እንተ ዄንካ ኸኣ፡ ብዛዕባ እዚ ንሽማግለታት ሕተቶም። ከምኡ ንምግባር ጻውዒት እንተ ቐሪቡልካ፡ ኣብቲ ብዝያዳ እተድልየሉ ቦታን ግዜን ምእንቲ ኸተገልግል፡ ስልጠና ኺውሃበካ እዩ።
ኣብ እዋን መስጐጕቲ፡ ንኣሕዋት ሓግዝ
13. ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዚርከባ ዓድታት ዚነብሩ ኣሕዋት እንታይ ጸገማት እዩ ዜጓንፎም፧
13 ዕዮና ኣብ እተኣገደሉ ሃገራት፡ መስጐጕቲ ንህይወት ኣጸጋሚ ከም ዚኸውን ይገብሮ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብዘን ዓድታት እዚአን ዚነብሩ ኣሕዋት ቍጠባዊ ጸገማት የጋጥሞም፡ ይሓምሙ፡ ሰቦም እውን ይሞቶም እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሰንኪ እቲ እገዳ፡ ሽማግለታት ከም ድላዮም ኪንቀሳቐሱ ወይ ምስቶም መተባብዒ ዜድልዮም ኣሕዋት ብናጻ ኺዛራረቡ ኣይክእሉን ይዀኑ። እቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተጠቕሰ ኣንድሬ ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ኣብ ጕጅለኡ እትርከብ ሓንቲ ሓብቲ ናይ ገንዘብ ጸገም ኣጋጢምዋ ነይሩ። ድሕሪኡ ድማ ሓደጋ ማኪና ኣጋጢምዋ። ተደራራቢ መጥባሕቲ ኽትገብር ነይርዋ፣ ስራሕ ክትሰርሕ እውን ኣይከኣለትን። እቶም ኣሕዋት ግና ብሰንኪ እገዳን ለበዳን፡ ዕንቅፋታት እናሃለዎም ክነሱ፡ ንምሕጋዛ ዚከኣሎም ገበሩ። የሆዋ ድማ ነዚ ይርእዮ ነበረ።
14. ሽማግለታት ናብ የሆዋ ብምጽጋዕ ኣብነት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
14 ሽማግለታት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ኣንድሬ ብዛዕባ እዚ ጸለየ፣ ዚከኣሎ እውን ገበረ። እሞ ደኣ የሆዋ እንታይ ምላሽ ሃቦ፧ ንምንቅስቓስ ዝያዳ ናጽነት ዘለዎም ክርስትያናት ብጾት ሃቦ። ገሊኦም ነታ ሓብቲ ናብ ናይ ሕክምና ቘጸራኣ ወሰድዋ። ገሊኦም ከኣ ገንዘብ ሃብዋ። ዚከኣሎም ኪገብሩ፡ የሆዋ ንልቦም ኣለዓዓሎ፣ ነቲ ብሓድነትን ብትብዓትን ዝገበርዎ ጻዕርታት እውን ባረኾ። (እብ. 13:16) ኣቱም ሽማግለታት፡ ኣብ ዕዮኹም ቀይዲ እንተ ኣልዩኩም፡ ካብ ክርስትያናት ብጾትኩም ሓገዝ ሕተቱ። (ኤር. 36:5, 6) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ናብ የሆዋ ተጸግዑ። ንኣሕዋትኩምን ንኣሓትኩምን ዜድልዮም ዘበለ ምእንቲ ኸተማልኡሎም፡ ንሱ ኺሕግዘኩም ይኽእል እዩ።
15. ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ፡ ክርስትያናዊ ሓድነትና ኽንዕቅብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
15 ካልኦት እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ኣብ ትሕቲ እገዳ በብንኣሽቱ ጕጅለታት ኢና ኣኼባታት እንገብር። ስለዚ፡ ካብ ካልእ ግዜ ብዝያዳ ሰላምና ኽንዕቅብ ኣሎና። ምስ ሰይጣን ደኣ ተቓለሱ እምበር፡ ንሓድሕድኩም ኣይትብኣሱ። ንጌጋታት ኣሕዋትኩም ዕሽሽ በልዎ፡ ወይ ከኣ ንፍልልያትኩም ቀልጢፍኩም መዕለቢ ግበሩሉ። (ምሳ. 19:11፣ ኤፌ. 4:26) ተበግሶ ወሲድኩም ንሓድሕድኩም ተሓጋገዙ። (ቲቶ. 3:14) እቶም ነታ እተሸገረት ሓብቲ ዝደገፍዋ ኣሕዋት ኣብታ ጕጅለኦም ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕዲሮም እዮም። ልክዕ ከም ስድራ ቤት፡ ንሓድሕዶም ተቐራሪቦም እዮም።—መዝ. 133:1።
16. ምስ ቈሎሴ 4:3, 18 ብምስምማዕ፡ መስጐጕቲ ንዚወርዶም ዘሎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
16 ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ መንግስታዊ ቐይድታት እናሃለዎም ክነሱ፡ ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ። ገሊኣቶም ከኣ ብምኽንያት እምነቶም ተኣሲሮም ኣለዉ። ምእንታኦም፡ ምእንቲ ስድራ ቤቶም፡ ከምኡ እውን ምእንቲ እቶም ንኣሕዋቶምን ንኣሓቶምን ብመንፈሳውን ብኣካላውን ብሕጋውን መዳይ ንምድጋፍ ኢሎም ንናጽነቶም ኣብ ሓደጋ ዜእትዉ ኣሕዋት ክንጽሊ ንኽእል ኢና።c (ቈሎሴ 4:3, 18 ኣንብብ።) እምበኣር፡ ነቲ ጸሎትካ ዘለዎ ሓይሊ ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ።—2 ተሰ. 3:1, 2፣ 1 ጢሞ. 2:1, 2።
17. ከመይ ጌርካ ኢኻ ንመስጐጕቲ ኻብ ሕጂ ኽትዳሎ እትኽእል፧
17 ንስኻን ስድራ ቤትካን ካብ ሕጂ ንመስጐጕቲ ኽትዳለዉ ትኽእሉ ኢኹም። (ግብ. 14:22) ብዛዕባ ዅሉ እቲ ኼጋጥም ዚኽእል ሕማቕ ነገራት ኣይትሕሰብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ኣደልድል፣ ንደቅኻ እውን ከምኡ ኺገብሩ ሓግዞም። ሓድሓደ ግዜ እንተ ተጨኒቕካ፡ ልብኻ ንኣምላኽ ኣፍስሰሉ። (መዝ. 62:7, 8) ንዅሉ እቲ ንዕኡ እንኣምነሉ ምኽንያታት ብስድራ ቤት ተመያየጡሉ።d ከምቲ ንሓደጋ ምድላው ሓጋዚ ዝዀነ፡ ንመስጐጕቲ እንተ ተዳሊኻን ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልካን እውን፡ እዚ ንደቅኻ ትብዓትን ሰላምን ኪህቦም ይኽእል እዩ፧
18. ኣብ መጻኢ እንታይ እዩ ዚጽበየና ዘሎ፧
18 ሰላም ኣምላኽ፡ ቅሳነት ከም ዚስምዓና ይገብር እዩ። (ፊል. 4:6, 7) ኣብዚ ግዜና፡ ለበዳን ሓደጋን መስጐጕትን እናሃለወ ኽነሱ፡ የሆዋ ብሰላሙ ኣቢሉ ንልብና የህድኦ እዩ። ብትጉሃት ሽማግለታት ገይሩ ድማ ይጓስየና እዩ። ንዅላትና እውን ንሓድሕድና ኽንደጋገፍ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና ኣሎ። እቲ ሕጂ ዘሎና ሰላም፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚመጽእ ዝዓበየ ፈተናታት፡ እንተላይ ነቲ ኣብ “ብርቱዕ ጸበባ” ዚመጽእ ፈተናታት፡ ፊት ንፊት ክንገጥመሉ የዕጥቐና እዩ። (ማቴ. 24:21) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰላምና ኽንዕቅብ፡ ንኻልኦት እውን ከምኡ ኺገብሩ ኽንሕግዝ ኣሎና። ድሕሪ እቲ እዋን እቲ ግና፡ ዜጨንቕ ጸገማት ኣይኬጋጥመናን እዩ። ስለምንታይሲ፡ እቲ የሆዋ ወትሩ ዚምነየልና ነገር ክንረክብ ኢና። እወ፡ ፍጹምን ነባርን ሰላም ክንረክብ ኢና።—ኢሳ. 26:3, 4።
መዝሙር 109 ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ
a የሆዋ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ዘለዉ ሰባት ንምሕጋዝ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እሙናት ኣገልገልቱ ይጥቀም እዩ። ንዓኻ እውን ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ከም ምንጪ ምትብባዕ ገይሩ ኺጥቀመልካ ይኽእል እዩ። ሕጂ እምበኣር፡ ካልኦት ኣብ ዚሽገሩሉ እዋን ብኸመይ ክንሕግዝ ከም እንኽእል ንርአ።
b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
c ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኰነ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ነቲ ኻብ ውልቀ ሰባት ናብ እሱራት ኣሕዋትን ኣሓትን ዚልኣኽ ደብዳበታት ኬብጽሕ ኣይክእልን እዩ።
d ኣብ ናይ ሓምለ 2019 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ንመስጐጕቲ ኻብ ሕጂ ተዳሎ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
e መግለጺ ስእሊ፦ ሰብ ሓዳር ነቶም ብሰንኪ ሓደጋ ኻብ ቤቶም ተመዛቢሎም ኣብ ግዜያዊ መዕቀሊ ዚርከቡ ስድራ ቤት ምግቢ የብጽሑሎም።