ነቲ ንጉስ ዘለኣለም ወድስዎ!
“እግዚኣብሄር ንዘለኣለመ ኣለም ንጉስ እዩ።”—መዝሙር 10:16
1. ብዛዕባ እቲ ዘለኣለም ዝብል ቃል እንታይ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል፧
ነዚ ዘለኣለም ዝብል ቃል ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ ግዜ ብሓቂ ከየቋረጸ ክቕጽል ከም ዝኽእል ትሓስብዶ፧ ንድሕሪት ገጽና እንተ ጠመትና ግዜ ካብ ዘለኣለም ከም ዝነበረ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ስለዚ ስለምንታይ ድኣ ንመጻእስ ንዘለኣለም ክቕጽል ዘይክእል፧ ብርግጽ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ሓዳስ ዓለም: ኣምላኽ “ካብ ዘይተወሰነ ግዜ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ ግዜ” ዝውደስ ምዃኑ ይጠቕሶ። (መዝሙር 41:13) እዚ መግለጺ እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ነቲ ምስኡ ዝዛመድ ኣርእስቲ ማለት ጠፈር እንተድኣ ርኢና ንምርድኡ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
2, 3. (ሀ) ነቲ ዘለኣለም ዝብል ሓሳባት ምእንቲ ክንርድኦ ዝሕግዘና እንታይ ንጠፈር ዝምልከት ሕቶታት ኢዩ፧ (ለ) ነቲ ንጉስ ዘለኣለም ከነምልኾ ክንደሊ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
2 ናይ ጠፈር ስፍሓት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧ ደረትከ ኣለዎ ድዩ፧ ዳርጋ ክሳዕ ቅድሚ 400 ዓመታት: ምድሪ ናይዚ ኣድማስ ሕምብርቲ ከም ዝዀነት ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ። ድሕርዚ ጋሊለዮ ቴሌስኮፕ ኣማዕበለ: እዚ ድማ ንሰማያት ዝያዳ ኣዕብዩ ከም ዝርአ ገበሮ። ሽዑ ጋሊለዮ ተወሰኽቲ ብዙሓት ከዋኽብቲ ከምኡውን ምድርን ካልኦት ፕላኔታትን ድማ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም ዝዞራ ክገልጽ ክኢሉ ኢዩ። እቲ ጸባዊ መገዲ ካብ ሽዑ ንነጀው ጸባ መሲሉ ኣይተራእየን። ቍጽሮም ዳርጋ ሚእቲ ቢልዮን ዝዀኑ ከዋኽብቲ ዝሓዘ ናይ ከዋኽብቲ ጋላክሲ ምዃኑ ተፈሊጡ ኢዩ። ኣብ ምሉእ ህይወትና እውን ከይተረፈ ክንድዚ ዝምብዝሖም ከዋኽብቲ ፈጺምና ክንቈጽር ኣይንኽእልን ኢና። ጸኒሖም: ናይ ስነ-ከኾብ ተመራመርቲ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ጋላክሲታት ረኸቡ። እዚኣቶም እታ ኣዝያ እተራቐቐት ቴሌስኮፕ ክትበጽሖ ክሳዕ ዝኸኣለት: ደረት-ኣልቦ ኣብ ዝዀነ ስፍሓት ኢዮም ተዘርጊሖም ዘለዉ። እዚ: ጠፈር ደረት ከም ዘይብሉ ዘርኢ ኢዩ። ዘለኣለም እውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ—ደረት የብሉን።
3 እዚ ዘለኣለም ዝበሃል ሓሳብ ክንዮ ምርዳእ ናይቲ ድሩት ዝዀነ ሰብኣዊ ኣእምሮና ኢዩ። ይኹን እምበር: ነዚ ምሉእ ብምሉእ ዝርድኦ ሓደ ኣካል ኣሎ። ነዞም ኣብቲ ብቢልዮናት ዝቝጸር ጋላክሲታት ዘለዉ ማእለያ ዘይብሎም ኣማእታት ቢልዮናት ከዋኽብቲ: ክቘጽሮም: እወ: በብስሞም እውን ከይተረፈ ክጽውዖም ይኽእል ኢዩ! እዚ ኣካል እዚ ከምዚ ይብል:- “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ: ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ: በብስሞም ዚጽውዖም እዩ: ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን። እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ: ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን: ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን: ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧” (ኢሳይያስ 40:26, 28) ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ኣምላኽ ኰን ኢዩ! ብርግጽ: እዚ ኢዩ እቲ ከነምልኾ ክንደሊ ዝግብኣና ኣምላኽ!
“ንዘለኣለም ንጉስ”
4. (ሀ) ዳዊት ነቲ ንጉስ ዘለኣለም ዝነበሮ ሞሳ ዝገለጸ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ዝነበሩ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ንኣጀማምራ ኣድማስ ዝምልከት እንታይ መደምደምታ ሃበ፧
4 ዳዊት: ኣብ መዝሙር 10:16 ብዛዕባ እቲ ፈጣሪ ዝዀነ ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ንዘለኣለመ ኣለም ንጉስ እዩ።” ኣብ መዝሙር 29:10 እውን እንደገና ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለም ነጊሱ ኪቕመጥ እዩ።” እወ: የሆዋ ንጉስ ዘለኣለም ኢዩ! ብተወሳኺ: ዳዊት ኣብ መዝሙር 19:1 “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ” ብምባል: እዚ ልዑል ንጉስ እዚ ናይቶም ኣብ ጠፈር እንርእዮም ኵሎም ነገራት ነዳፍን ሰራሕን ምዃኑ የረጋግጽ። ዳርጋ 2,700 ዓመታት ዝኸውን ጸኒሑ: እቲ ውሩይ ሊቅ ሰር ኣይዛክ ኒውተን “እዚ ኣዝዩ ውሕሉል ናይ ጸሓያት: ናይ ፕላኔታትን ናይ ኮመትን ኣገባብ ካብ ዕላማን ሉዓላውነትን ናይ ሓደ ስልጡንን ብርቱዕን ኣካል ጥራይ ኢዩ ክመጽእ ዝኽእል” ብምባል ምስ ዳዊት ከም ዝሰማማዕ ገለጸ።
5. ኢሳይያስን ጳውሎስን ብዛዕባ ምንጪ ናይ ጥበብ እንታይ ኢሎም ጸሓፉ፧
5 እዚ ሰፊሕ ዝዀነ ‘ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ክሕዞ ዘይክእል’ ልዑል ጐይታ የሆዋ: ንዘለኣለም ከም ዝነብር ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ትሕት ከም እንብል ክገብረና ዘለዎ! (1 ነገስት 8:27) የሆዋ: እቲ ኣብ ኢሳይያስ 45:18 “ንሰማያት ዝፈጠረ . . . ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን” ምዃኑ ተገሊጹ ዘሎ: ምንጪ ናይቲ ካብዚ መዋቲ ዝዀነ ናይ ሰባት ኣእምሮ ክርድኦ ዝኽእል ንላዕሊ ዝሰፍሐ ጥበብ ኢዩ። ከምቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 1:19 ጐሊሑ ዘሎ: የሆዋ “ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ: ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ” በለ። ነዚ ድማ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቍጽሪ 20 “ጥበበኛ ኣበይ አሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ አበይ አሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ አሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧” ብምባል ወሰኸሉ። እወ: ከምቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ኣብ ምዕራፍ 3 ቍጽሪ 19 ኢልዎ ዘሎ “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ።”
6. መክብብ 3:11 ብዛዕባ ‘ዘለኣለምነት’ እንታይ ኢያ እትሕብር፧
6 እዚ ሰማያዊ ፍጥረታት ክፍሊ ናይቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝጠቐሶ ፍጥረት ኢዩ። ከምዚ ድማ ይብል:- “[ኣምላኽ] ንዅሉ በብጊዜኡ ጽቡቕ ገበሮ። ሰብ ነቲ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ምስትውዓሉ እኳ ስኢኑ ኽነሱስ: ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ።” (መክብብ 3:11) ብሓቂ: ትርጕም ናይ ‘ዘለኣለምነት:’ እንታይ ምዃኑ ክፈልጥ ምፍታን ኣብ ልቢ ሰብ ተተኺሉ ኢዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ክረክብ ይኽእል ደዀን ይኸውን፧
ዘደንቕ ናይ ህይወት ተስፋ
7, 8. (ሀ) እንታይ ኣደናቒ ናይ ህይወት ተስፋ ኢዩ ንደቅሰብ ኣብ ቅድሚኦም ተነቢርሎም ዘሎ: ከመይ ጌርካ ኢዩኸ ክርከብ ዝኽእል፧ (ለ) መለኮታዊ ትምህርቲ ንዘለኣለም ዝቕጽል ብምዃኑ ክንሕጐስ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧
7 የሱስ ክርስቶስ ናብ የሆዋ ክጽሊ ከሎ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ከመይ ጌርና ኢና ክንረኽቦ እንኽእል፧ ንቓል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዖ የድልየና። በዚ ኸምዚ ድማ: ነቲ ብወዱ ኣቢሉ ዝፍጽሞ: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ እተገብረ ምድላው ሓዊስካ: ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ዕላማታት ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ኢዩ እቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:19 “ናይ ሓቂ ህይወት” ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ። ምስቲ ኤፌሶን 3:11 “ከምቲ [ኣምላኽ] ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ምኽሩ [“ዕላማኡ:” ትሓዓ ]” ብምባል ገሊጻቶ ዘላ ድማ ዝሰማማዕ ኢዩ።
8 እወ: ንሕና እዞም ሓጢኣተኛታት ደቅሰብ ብመለኮታዊ ትምህርትን ኣብ ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ እምነት ብምግባርን ዘለኣለማዊ ህይወት ክንረክብ ንኽእል ንኸውን። እዚ ትምህርቲ እዚ ክሳዕ መዓስ ክቕጽል ኢዩ፧ ደቅሰብ በቲ ጥበብ ናይ ፈጣሪና ብቐጻሊ እናተማህሩ ክኸዱ ከለዉ: እዚ ትምህርቲ እዚ ንዘለኣለም ክቕጽል ኢዩ። ናይ የሆዋ ጥበብ ደረት የብሉን። ሃዋርያ ጳውሎስ: ነዚ ብምርዳእ ከምዚ በለ:- “ወዳጄ: መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን: ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ: ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ።” (ሮሜ 11:33) 1 ጢሞቴዎስ 1:17 ንየሆዋ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ኢላ ክትጽውዖስ ብሓቂ ግቡእ ኢዩ!
ናይ የሆዋ ናይ ኣፈጣጥራ ጥበብ
9, 10. (ሀ) የሆዋ ምድሪ ንደቅሰብ ናቱ ህያብ ከም እትኸውን ገይሩ ከዳልዋ ኸሎ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ስራሕ ኢዩ ዝፈጸመ፧ (ለ) እቲ ሓለፍ ዝበለ ጥበብ የሆዋ ኣብ ፍጥረታቱ እተራእየ ብኸመይ ኢዩ፧ (ሳጹን ርአ።)
9 እቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ ንዓና ንደቅሰብ ዝሃበና ዘገርም ውርሻ እሞ ንርአ። መዝሙር 115:16 ከምዚ ትብለና:- “ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም: ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም።” እዝስ ዘደንቕ ሕድሪ ኢዩ ኢልካ ኣይትሓስብንዶ፧ ብርግጽ! ነቲ ፈጣሪና ንምድሪ ከም መንበሪና ገይሩ ኣብ ምድላው ዘርአዮ ብሉጽ ምስትውዓል ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!—መዝሙር 107:8
10 ኣብተን ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1 ዘለዋ ሽዱሽተ ናይ ፍጥረት ‘መዓልትታት:’ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ናይ ኣሽሓት ዓመታት ንውሓት ዝነበረላ: ኣብ ምድሪ ዘደንቕ ምዕባለታት ተፈጺሙ ኢዩ። እዚ ናይ ኣምላኽ ፍጥረታት: ኣብ መወዳእታ ንምልእቲ ምድሪ ብልሙዕ ናይ ሳዕሪ ምንጻፍ: ዝምስጥ ኣግራብ: ከምኡውን ብሕብራዊ ዕምባባታት ክሽፍና ነበሮ። ነፍሲ ወከፎም ‘ከከም ዓይነቶም’ ዝፋረዩ ታእላው ዘይብሎም ኣገረምቲ ናይ ባሕሪ ፍጥረታት: ውቁብ ኣኽናፍ ዘለወን ጭፍራ ኣዕዋፍ: ከምኡውን ብኣዝዮም ብዙሓት እንስሳ ዘቤትን እንስሳ ዘገዳምን ክትመልእ ነበራ። ዘፍጥረት 1:31 ብዛዕባ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ፍጥረት መግለጺ ድሕሪ ምሃባ ቀጺላ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ብምባል ተዘንቱ። እቶም ናይ መጀመርታ ሰባትስ ኣብ ዙርያኦም ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ከባቢ ኰን ኢዩ ነይርዎም! ኣብ ኵሉ እዚ ፍጥረታት እዚ: ናይ ሓደ ፈቃር ፈጣሪ ጥበብ: ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ክእለት: ከምኡውን ሓልዮት ከም ዘሎ ኣይንግንዘብንዶ፧—ኢሳይያስ 45:11, 12, 18
11. ሰሎሞን ነቲ የሆዋ ንምፍጣር እተጠቐመሉ ጥበብ ዘዕበዮ ብኸመይ ኢዩ፧
11 ብጥበብ ናይዚ ንጉስ ዘለኣለም እዚ እተደነቐ ሰሎሞን ኢዩ ነይሩ። ብተደጋጋሚ ናብቲ ጥበብ ኣምላኽ ቈላሕታ ገይሩ ኢዩ። (ምሳሌ 1:1, 2፣ 2:1, 6፣ 3:13-18) ሰሎሞን ‘ምድሪ ንዘለኣለም ቐዋሚት’ ምዃና የረጋግጸልና። ነቲ ናይ ማይ ደበናታት ንምድርና ኣብ ምሕዳስ ዘለዎ ግደ ሓዊስካ: ነቲ ኣብ ፍጥረት ዘሎ ብዙሕ ዘደንቕ ነገራት ሞሳ ሂብሉ ኢዩ። በዚ ኸኣ ኢዩ: “ውሒዝ ዘበለ ዅሉ ናብ ባሕሪ ይኸይድ: ባሕሪ ግና ከቶ ኣይመልእን። ወሓይዝ ናብቲ ዚኸደሉ ቦታ መመሊሱ ይኸይድ” ዝበለ። (መክብብ 1:4, 7) ስለዚ ዝናብን ወሓይዝን ንምድሪ ከም እትሕደስ ምስ ገበርዋ: ማያቶም ካብ ውቅያኖሳት ናብ ደበናታት ብምኻድ እንደገና ካልእ ዑደት ይገብር። ከምዚ ዝበለ ምጽራይን ተደጋጋሚ ዑደትን ናይ ማይ እንተዘይህሉ ነይሩ: እዛ ምድሪ እዚኣ እንታይ ምመሰለት ነይራ: ንሕናኸ ኣበይ ምሃሎና ነይርና፧
12, 13. ንፍጥረት ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
12 ከምቲ ንጉስ ሰሎሞን ኣብተን መዕጸዊ ቃላት ናይ መክብብ “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ። ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን: ሰናይ ኰነ ወይስ እኩይ: ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ” ብምባል ገሊጽዎ ዘሎ: ነቲ ናይ ተፈጥሮ ሚዛን ዘሎና ኣድናቖት ብግብሪ ኽርአ ኣለዎ። (መክብብ 12:13, 14) ንኣምላኽ ዘጕሂ ዝዀነ ይኹን ነገር ከይንገብር ክንፈርህ ኣሎና። ኣብ ክንድኡ: ኣኽብሮት ብዘለዎ ፍርሂ ክንእዘዞ ክንደሊ ኣሎና።
13 ብርግጽ: ስለቲ ግርማዊ ዝዀነ ናይ ፍጥረት ዕዮታቱ ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ ክንውድሶ ክንደሊ ኣሎና! መዝሙር 104:24 ከምዚ ትብል:- “ዎ እግዚኣብሄር: ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ: ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ: ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ።” ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን “ነፍሰየ: ንእግዚኣብሄር ባርኽዮ። ሃሌሉያ [“ኣቱም ህዝብታት ንየሆዋ ባርኽዎ:” ትሓዓ ]” እናበልና: ብሓጐስ ምስታ ኣብዚ መዝሙር እዚ ዘላ ናይ መወዳእታ መስመር ንሰማማዕ።
እቲ ውቁብ ምድራዊ ፍጥረት
14. እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብኣዊ ፍጥረት ካብቲ ናይ እንስሳታት ኣዝዩ ዝበለጸ ዝኸውን በየናይ መገድታት ኢዩ፧
14 ኵሉ ፍጥረት የሆዋ ውሕሉል ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣዝዩ ዘደንቕ ምድራዊ ፍጥረት ንሕና—ደቅሰብ—ኢና። እቶም ካብ ዓሳታትን ኣዕዋፍን ካልኦት እንስሳታትን ኣዝዮም ብሉጻት ፍጥረት: ኣዳም ድሕሪኡ ድማ ሄዋን ኣብታ ናይ የሆዋ ሻድሸይቲ ናይ ፍጥረት መዓልቲ: ኣብ መወዳእታ ኢዮም ተፈጢሮም! ብዙሓት ካብዞም እንስሳታት እዚኣቶም ናይ ተፈጥሮ ጥበብ ዘለዎም ክዀኑ ከለዉ: ወድሰብ ግን ናይ ምስትውዓል ክእለት: ኣብ መንጎ ቅኑዕን ጌጋን ክፈሊ ዝኽእል ሕልና: ንመጻኢ ናይ ምውጣን ክእለት: ከምኡውን ባህርያዊ ናይ ምምላኽ ባህጊ ተዓዲሉ ኢዩ። እዚ ዅሉ ከመይ ኢሉ መጺኡ፧ ሰብ ካብ ዘይሓስቡ ኣራዊት ዝፈለቐ ዘይኰነስ: ብመልክዕ ኣምላኽ ኢዩ ተፈጢሩ። ብመሰረት እዚ ድማ: ናይቲ ንገዛእ ርእሱ “እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር: መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ከም ዝዀነ ዝገልጻ ፈጣሪና ባህርያት ከንጸባርቕ ዝኽእል: ሰብ ጥራይ ኢዩ።—ዘጸኣት 34:6
15. ንየሆዋ ብትሕትና ክንውድሶ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ነቲ ናይ ኣካላትና ዘደንጹ ንድፊ ርኢና ንየሆዋ ንወድሶ። እቲ ንህይወት ኣድላዪ ዝዀነ ኣብ ሰራውርና ዝጐዓዝ ደም: ኣብ ነፍሲ ወከፍ 60 ካልኢት ኣብ ምሉእ ኣካላትና ይዘውር። ከምቲ ዘዳግም 12:23 ገሊጻቶ ዘላ “ደም ነፍሲ እዩ”—ህይወትና ኢዩ—ኣብ ኣዒንቲ አምላኽ ድማ ክቡር ኢዩ። ተሪር ኣዕጽምቲ: ተዓጻጻፊ ጭዋዳታት: ከምኡውን ምላሽ ዝህብ ኣገባብ ስነ-መትኒ: ብምሉኡ ብሓደ ክንዲ ሰማይ ዝጥንቍር ህንጻ እትኸውን ኮምፒዩተር ክትሕዞ እውን ዘይትኽእል ዓቕምታት ዘለዎ: ካብ ናይ ዝዀነ እንስሳ ኣእምሮ ኣዝዩ ዝበለጸ ኣእምሮ ይዛዘም። እዝስ ትሕት ከም እትብል ዝገብርዶ ኸይኰነ፧ እወ ክገብርካ ኣለዎ። (ምሳሌ 22:4) ከምኡውን ነዚ ዝስዕብ እስከ ሕሰበሉ:- ሳናቡእና: ናይ ድምጺ ሳጹንና: መልሓስና: ኣስናንና: ከምኡውን ኣፍና ተወሃሂዶም ንዝዀነ ካብቲ ኣሽሓት ቋንቋታት ናይ ሰብ ንኽንዛረብ ይሕግዙና ኢዮም። ዳዊት “መስተንክር ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ: ከማስወካ እየ: ግብርታትካ መስተንክር እዩ” ብምባል ግቡእ ዝዀነ ጥዑም ዜማ ንየሆዋ ኣቕረበሉ። (መዝሙር 139:14) ነቲ መስተንክር ዝዀነ ነዳፊናን ኣምላኽናን የሆዋ: ብምስጋና ኣብ ምውዳስ ንዳዊት ንሕበሮ!
16. ሓደ ውሩይ ሙዚቀኛ ንየሆዋ ክውድስ ከሎ እንታይ ጥዑም ዜማ ኢዩ እተጠቕመ: ንኸመይ ዝበለ ማራኺ ዕድመ ኢናኸ ምላሽ ክንህበሉ እንኽእል፧
16 ናይ ዮሴፍ ሃይድን መደረ ዘለዎ ሓደ ናይ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ናይ ሙዚቃ ቃላት ዝሓዘ መጽሓፍ: ንየሆዋ ክውድስ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኵሉ ግብሩ ኣዝዩ መስተንክር ኢዩ እሞ: ኣመስግንዎ! ብዛዕባ ክብሩ ዘምሩ: ብዛዕባ ግርማኡ ዘምሩ: ንስሙ ባርኹን ኣዕብዩን! ውዳሰ የሆዋ ንዘለኣለም ኣለም ዝነብር ኢዩ! ኣሜን: ኣሜን!” ካብዚ ኣዝዩ ዝበልጽ ድማ: ከምቲ ኣብ መዝሙር 107 ኣርባዕተ ግዜ ዝኸውን ቀሪቡ ዘሎ ዕድመ ዝኣመሰለ: ኣብ መዝሙራት ኵሉ ግዜ ዝደጋገም መንፈስ ዝነፈሶ መግለጺታት ኣሎ:- “ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን [“ፍቕራዊ ሕያውነቱን:” ትሓዓ ] ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱ የመስግንዎ።” ኣብዚ ውዳሴ እዚ ትሓብር ዲኻ፧ ክትሓብር ኣሎካ: ከመይሲ ንዅሉ ብሓቂ ምጩው ዝዀነ ነገር ምንጩ የሆዋ: እቲ ንጉስ ዘለኣለም ኢዩ።
ጌና ዝዓበየ ግብርታት
17. ‘መዝሙር ሙሴን መዝሙር እቲ ገንሸልን’ ንየሆዋ ክብ ዘብሎ ብኸመይ ኢዩ፧
17 ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመታት: እቲ ንጉስ ዘለኣለም ጌና ዝዓበየ ስራሓት የካይድ ኢዩ ዘሎ። ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ መጽሓፍ: ራእይ 15:3, 4: ብዛዕባ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ኣብ ልዕሊ ናይ ኣጋንንቲ ጸላእቲ እተዓወቱ ኣካላት ነንብብ:- “ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ: መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ: ዎ እግዚኣብሄር: ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ: ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም: እናበሉ: መዝሙር ሙሴ: እቲ ባርያ ኣምላኽን: መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ።” እዚ ‘መዝሙር ሙሴን መዝሙር እቲ ገንሸልን’ እተባህለ ስለምንታይ ኢዩ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።
18. ከመይ ዝበለ ሓያል ግብሪ ኢዩ ኣብቲ ኣብ ዘጸኣት ምዕራፍ 15 ዘሎ መዝሙር ተዘኪሩ ዘሎ፧
18 3,500 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ናይ ፈርኦን ሓያል ሰራዊት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ጠፍአ: እስራኤላውያን ብምስጋና ተላዒሎም ንየሆዋ ብመዝሙር ወደስዎ። ኣብ ዘጸኣት 15:1, 18 ከምዚ ነንብብ:- “ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን እዚ መዝሙር እዚ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ: ንሱ ኣዝዩ ኽብ ኢሉ እዩ እሞ: ንእግዚኣብሄር እዝምር አሎኹ። ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም። እግዚኣብሄር ንወርትግ: ንዘለኣለም ይነግስ።” ናይዚ ዘለኣለማዊ ንጉስ ጻድቕ ሕግታት ነቶም ንሉዓላውነቱ እተቓወምዎ ጸላእቲ ክፈርዶምን ክቐጽዖምን ከሎ ተራእዩ ኢዩ።
19, 20. (ሀ) የሆዋ ንእስራኤል ከም ህዝቢ ዘቘሞም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ገንሸልን ካልኦትን ነቲ ናይ ሰይጣን ብድሆ ብኸመይ መሊሶምሉ፧
19 እዚ ኣድላዪ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ሓደ ጐራሕ ተመን ነቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ኣብ ሓጢኣት ዘእተዎም ኣብ ገነት ኤደን ኢዩ ነይሩ። እዚ ናብ ኵሎም ደቅሰብ ዝሓልፍ ሓጢኣት ዝመልኦ ዘይፍጽምና ኣስዓበ። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ ምስቲ ናይ መጀመርታ ዕላማኡ ብምስምማዕ ንዅላቶም ጸላእቱ ካብ ግዝኣት ምድሪ ዝጸርግን ገነታዊ ኵነታት ድማ ዝመልስን ቅልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ። እቲ ንጉስ ዘለኣለም ንእስራኤል ከም ህዝቢ ኣቘሞም: ንዕላማታቱ ብኸመይ ከም ዝፍጽሞ ጽላሎት ዝኸውን ሕጊ ድማ ሃቦም።—ገላትያ 3:24
20 እንተዀነ ግን: ኣብ መወዳእታ እስራኤል እውን ዘእምንቲ ኰነት: እዚ ዘሕዝን ኵነታት እዚ ድማ መራሕታ ነቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ብጭከና ክሳቐን ክቕተልን ንሮማውያን ኣሕሊፎም ምስ ሃብዎ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃኡ በጽሐ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:39፣ ፊልጲ 2:8) ይኹን እምበር: የሱስ ከም ናይ መስዋእቲ “ገንሸል ኣምላኽ” መጠን ክሳዕ ሞት ንጽህናኡ ብምሕላዉ: ነቲ ብጸላኢ ኣምላኽ: ሰይጣን: ዝቐረበ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፈተና ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ ክቕጽል ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ብድሆ ሓሶት ምዃኑ ብሉጽ ብዝዀነ መገዲ ኣረጋጊጹ ኢዩ። (ዮሃንስ 1:29, 36፣ እዮብ 1:9-12፣ 27:5) ሽሕ’ኳ ካብ ኣዳም ዘይፍጽምና ወሪሶም እንተዀኑ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ካልኦት ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት ኣብ ትሕቲ ሰይጣናዊ መጥቃዕታት ንጽህናኦም ብምሕላው ኣሰር የሱስ ስዒቦም ኢዮም።—1 ጴጥሮስ 1:18, 19፣ 2:19, 21
21. ምስ ግብሪ ሃዋርያት 17:29-31 ብምስምማዕ: ቀጺልና እንዘራረበሉ እንታይ ኢዩ፧
21 ሕጂ እታ የሆዋ ነቶም እሙናት ዓስቦም ዝህበላ ንዅሎም ጸላእቲ ሓቅን ጽድቅን ድማ ዝፈርደላ መዓልቲ በጺሓ ኢያ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:29-31) እዚ ብኸመይ ኢዩ ክፍጸም፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክትነግረና ኢያ።
ናይ ድግማ ሳጹን
◻ የሆዋ ብልክዕ ‘ንጉስ ዘለኣለም’ ተባሂሉ እተጸውዐ ስለምንታይ ኢዩ፧
◻ ናይ የሆዋ ጥበብ ኣብ ፍጥረታቱ እተራእየ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ በየናይ መገድታት ኢዩ ወድሰብ ናይ ፍጥረት ብሉጽ ስራሕ ዝኸውን፧
◻ እንታይ ዕዮታት ኢዩ ‘መዝሙር ሙሴን መዝሙር እቲ ገንሸልን’ ከም ዝዝመር ዝገበረ፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን]
ሓለፍ ዝበለ ጥበብ የሆዋ
ናይቲ ንጉስ ዘለኣለም ጥበብ በቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ነገራት ብኣዝዩ ብዙሕ መገድታት ተንጸባሪቑ ኢዩ። ነቲ ናይ ኣጉር ቃላት ኣስተብህለሉ:- “ቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዅሉዕ እዩ: ንሱ ነቶም ናብኡ ዚዕቈቡ ዋልታኦም እዩ።” (ምሳሌ 30:5) ድሕርዚ ኣጉር ንብዙሓት ህያዋን ፍጥረታት ኣምላኽ: ዓበይትን ናእሽቱን ይጠቅስ። ንኣብነት: ካብ ቍጽሪ 24 ክሳዕ 28 “ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ደቀቕቲ አለዉ: ግናኸ ኣዝዮም [“ብባህርያዊ መገዲ:” ትሓዓ ] ጥበበኛታት እዮም” ብምባል ይገልጽ። እዚኣቶም ጻጸ: ጊሔ: ኣንበጣ: ከምኡውን ጠበቕ ኢዮም።
“ኣዝዮም [“ብባህርያዊ መገዲ:” ትሓዓ ] ጥበበኛታት”—እወ: እዞም እንስሳታት እዚኣቶም ከምኡ ዀይኖም ኢዮም ተፈጢሮም። ከም ሰብ ኣይሓስቡን ኢዮም ግናኸ ኣብቲ መፋጥርቶም ዝዀነ ጥበብ ኢዮም ዝውከሉ። እዝስ ኣገሪሙካዶ ይፈልጥ፧ ከመይ ዝበሉ ብስርዓት እተመሓደሩ ፍጥረት ኰን ኢዮም! ንኣብነት: ጻጸ ንግስቲ: ሰራሕተኛታት: ከምኡውን ተባዕትዮ ዘጠቓልል: ብጕጅለታት እተመሓደሩ ኢዮም። ገሊኦም ናይ ጻጸ ዘርኢ: እቶም ሰራሕተኛ ዝዀኑ ጻጸ ናብቲ ዝሰርሕዎ ናይ ሕርሻ ሓጹራት: ቁማል ገረብ ይእክቡ። እቶም ወተሃደራት ዝዀኑ ጻጸታት ንዝዀነ ዝወርር ጸላኢ ክሰጉ ከለዉ እቶም ሰራሕተኛታት ጻጸ ድማ ነቶም ቁማል ገረብ ይመጽይዎም። ኣብ ምሳሌ 6:6: “ኣታ ሃካይ: ናብ ጻጸ ኺድ: መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን” ዝብል ናእዳ ንጻጸ ተዋሂቡ ኣሎ። ከምዚ ዝበለ ኣብነት ንዓና ንደቅሰባት ‘ኣብ ዕዮ ጐይታ ዕዙዛት’ ክንከውን ከለዓዕለና ኣይግብኦንዶ፧—1 ቈረንቶስ 15:58
ሰብ ዓበይቲ ነፈርቲ ሰሪሑ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነታ ካብ 30 ግራም እትንእስ ደቃቕ ዑፍ ሓዊስካ: ኣዕዋፍ ካብ ነፈርቲ ዝበልጽ ክሳዕ ክንደይ ተዓጻጸፍቲ ኰን ኢየን! ቦይንግ 747 ዝዓይነታ ነፋሪት ውቅያኖስ ዘቋርጽ ጕዕዞ ክትገብር እንተድኣ ኰይና: 180,000 ሊትሮ ነዳዲ ክትመልእ: ብሓደ ልምዲ ዘለዎ መራሕ ነፋሪት ክትዝወር: ከምኡውን ኣዝዩ እተሓላለኸ ናይ ምብራር ኣገባባት ክህልዋ ኣለዎ። እንተዀነ ግን: እዛ ደቃቕ ዑፍ እዚኣ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ተበጊሳ በቲ ናይ ሜክሲኮ ወሽመጥ ኣቋሪጻ ናብ ደቡብ ኣመሪካ ክትበጽሕ ዘኽእላ ካብ 1 ግራም ዝንእስ ናይ ስብሒ ነዳዲ ጥራይ ኢዩ። ናይ ነዳዲ ከቢድ ጽዕነት: ናይ ምብራር ልምምድ: እተሓላለኸ ካርታታት ወይ ኮምፒዩተራት ኣየድልያን ኢዩ! እዚ ክእለት እዝስ ሃንደበታዊ ውጽኢት ናይ ፍልቀት ድዩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን! እዛ ደቃቕ ዑፍ እዚኣ በቲ ፈጣሪኣ: የሆዋ ኣምላኽ እተወጠነት ብምዃና ብባህርያዊ መገዲ ጥበበኛ ኢያ።
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ‘ንጉስ ዘለኣለም ’ ዝሰርሖ እተፈላለየ ፍጥረታት ንግርማኡ ዘዕቢ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]
ከምቲ ሙሴን እስራኤላውያንን ነቲ የሆዋ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝረኸቦ ዓወት ዘብዓሉ: ድሕሪ ኣርማጌዶን ድማ ዓቢ ሓጐስ ክህሉ ኢዩ