ዘለኣለማዊ ህይወት ብሓቂ ክርከብ ዝከኣል ድዩ፧
“መምህር: ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ: እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር፧ ”—ማቴዎስ 19:16
1. ብዛዕባ ዕምሪ ወድሰብ እንታይ ክብሃል ይከኣል፧
እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሓሽዌሮስ ተባሂሉ ተጸዊዑ ዘሎ ንጉስ ፋርስ ዝነበረ ዘረክሲዝ ቀዳማይ: ብ480 ቅ.ኣ.ዘ. ነቶም ወተሃደራቱ ንውግእ ቅድሚ ምኻዶም እናዞረ ይዕዘቦም ነበረ። (ኣስቴር 1:1, 2) እቲ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ሄሮዶተስ ከም ዝበሎ እቲ ንጉስ ነቶም ወተሃደራቱ ክርእዮም ከሎ ነብዐ። ስለምንታይ፧ ዘረክሲዝ ምኽንያቱ ክገልጽ ከሎ “ብዛዕባ እቲ ሓጺር ዕምሪ ሰብ ክሓስብ ከለኹ የጕህየኒ ኢዩ። ከመይሲ ድሕሪ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዋላ ሓደ ካብዚኣቶም ብህይወት ኣይክህሉን ኢዩ” በለ። ንስኻ እውን ህይወት ሰብ ብዘሕዝን መገዲ ሓጻር ምዃና ከምኡውን ክኣርግን ክሓምምን ክመውትን ዝደሊ ሰብ ዋላ ሓደ ከም ዘየለ ተገንዚብካ ትኸውን ኢኻ። ኣየ እወ: ከምቲ ኣብ ግዜ ንእስነት ዝህሉ ጥዕናን ሓጐስን ጥራይ ሒዝና ንህይወት ከነስተማቕራ ንኽእል ነይርና እንተ ንኸውንሲ መን ምሃበ!—እዮብ 14:1, 2
2. ብዙሓት ሰባት እንታይ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም: ስለምንታይከ፧
2 እቲ ናይ 28 መስከረም 1997 ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ መጋዚን “ክነብሩ ኢዮም ዝደልዩ” ዘርእስቱ ናይ እንግሊዝኛ ዓንቀጽ ምውጽኡ እምብኣር ትርጕም ነይርዎ ኢዩ። ንሓደ “ንዘለኣለም ዝነብር ናይ መጀመርታ ወለዶ ክንከውን ንኽእል ኢና ኢለ ብሓቂ ኢየ ዝኣምን” ዝበለ ተመራማሪ ይጠቅስ! ንስኻ እውን ዘለኣለማዊ ህይወት ክርከብ ይከኣል ኢዩ ኢልካ ትኣምን ትኸውን። ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ክህልወኩም ዝኸኣለ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክንነብር ከም እንኽእል ስለ እተማባጽዐ ክኸውን ይኽእል። (መዝሙር 37:29፣ ራእይ 21:3, 4) ገለ ሰባት ግን ኣብ ርእሲ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣሎ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ዝገብሮም ካልእ ምኽንያት ኣለዎም። ገለ ካብዚ ምኽንያታት እዚ ምርኣይ ዘለኣለማዊ ህይወት ብሓቂ ክርከብ ከም ዝከኣል ንኽንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ።
ንዘለኣለም ክንነብር ኢና ተደኲንና
3, 4. (ሀ) ገሊኦም ሰባት ንዘለኣለም ክንነብር ክንክእል ኣሎና ኢሎም ዝኣምኑ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ዳዊት ብዛዕባ ኣሰራርሕኡ እንታይ በለ፧
3 ሓደ ካብቲ ብዙሓት ሰባት: ሰብ ንዘለኣለም ክነብር ክኽእል ኣለዎ ኢሎም ዝኣምንሉ ምኽንያት እቲ ድንቂ ዝዀነ ኣሰራርሓና ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ማህጸን ኣዴና ከሎና እተሰራሕናሉ ኣገባብ ብሓቂ ተኣምራት ኢዩ። ሓደ ብዛዕባ እርጋን ዝመራመር ፍሉጥ ምሁር ከምዚ ይብል:- “ተፈጥሮ ነቲ ካብ ድቂ ክሳብ ግዜ ምውላድ: ድሕሪኡ ኸኣ ክሳዕ ጾታዊ ዕቤትን ብጽሕናን ዘሎ ተኣምራት ከም ዝፍጸም ገይሩ ኢዩ: እንተዀነ ግን ነቲ ቐሊል ዝመስል ንእርጋን ደው ብምባል እቲ ተኣምራት ከም ዝቕጽል ናይ ምግባር መስርሕ ክትገብሮ ኣይከኣለን” ብምባል ጸሓፈ። እወ: ብዛዕባ እቲ ተኣምራታዊ ዝዀነ ኣሰራርሓና ክንምልከት ከሎና: ‘ስለምንታይ ኢና እንመውት፧’ ዝብል ሕቶ ኵሉ ግዜ ዘሎ ኢዩ።
4 ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት: እቲ ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ዳዊት ከምቶም ሎሚ ዘለዉ ሊቃውንቲ ነቲ ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዘሎ ክርእዮ ዘይክእል እኳ እንተ ነበረ: ብዛዕባ እዚ ተኣምራታት እዚ ኣስተንቲኑ ኢዩ። ዳዊት “ኣብ ከርሲ ወላዲተይ አሊምካኒ” ኢሉ ክዛረብ ከሎ ብዛዕባ ኣፈጣጥርኡ ተገሪሙ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ “ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን” ኢሉ ኣሎ። “ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ” ክብል ከሎ ብዛዕባ ምፍጣር ናይ ‘ኣዕጽምቱ’ እውን ተዛሪቡ ኣሎ። ብድሕርዚ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ “ድቂ” ዝነበረሉ ግዜ ክዛረብ ከሎ “ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ” በለ።—መዝሙር 139:13-16
5. ኣብ ማህጸን ክንፍጠር ከሎና እንታይ ተኣምራት ዘጣመረ ኢዩ፧
5 ዳዊት ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ክእለም ከሎ ቃል ብቓሉ ናይ ጽሑፍ ውጥን ከም ዘይነበሮ ርዱእ ኢዩ። እንተዀነ ግን ዳዊት ብዛዕባ ኣሰራርሓ ‘ኰላሊቱ:’ ብዛዕባ ‘ኣዕጽምቱ’ ከምኡውን ካልእ ክፍሊ ኣካላቱ ክዛረብ ከሎ: ናይ ኣካላቱ ኣተዓባብያ ንድፊ ዘለዎ: እዚ ማለት ከኣ ኵሉ ‘እተጻሕፈ’ ኰይኑ ተሰምዖ። እቲ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዝነበረ ዝጸገየ ዋህዮ ኣብ ውሽጡ ብኸመይ ህጻን ከም ዝፍጠር ዝገልጽ መጻሕፍቲ ዝመልአ ዓቢ ክፍሊ ከም ዘለዎ ኢዩ ነይሩ። እቲ ኣብዚ ክፍሊ እዚ ዘሎ እተሓላለኸ መምርሒ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ዋህዮ ይመሓላለፈሉ ከም ዝነበረ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ መጽሔት ሳይንስ ዎርልድ ‘ኣብቲ ዝዓቢ ድቂ ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ልክዕ ከም ውጥን ዝመልአ ሳንዱቕ ኢዩ’ ብምባል የመሳስሎ።
6. ከምቲ ዳዊት ዝጸሓፎ ‘ኣፈጣጥራና ዘደንቕ’ ምዃኑ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧
6 ብዛዕባ እቲ ተኣምራታዊ ኣሰራርሓ ኣካላትና ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ ጃረድ ድያመንድ እተባህለ ናይ ስነ-ህይወት ምሁር ከምዚ ይብል:- “ኣብ መዓናጡና ዘለዉ ዋህዮታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሒደት መዓልትታት: ኣብ ፍሕኛና ዘለዉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኣዋርሕ: እቶም ቀያሕቲ ናይ ደም ዋህዮታት ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ይሕደሱ።” ኣብ መደምደምታ ኸኣ “ተፈጥሮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ይፈናጥሓና: መሊሱ ኸኣ ኣብ ዝነበርናዮ ይገጣጥመና” በለ። እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ክንደይ ዓመታት ብህይወት ከም ዝጸናሕና—8, 80 ወይ እውን 800 ዓመታት—ብዘየገድስ ኣካላትና ኵሉ ግዜ ውልዶ ኢዩ። ሓደ ሊቕ ከኣ ሓደ ግዜ “ካብቶም ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ኣቶም: ብገምጋም 98 ሚእታዊት ኣብ ዓመት ሓንሳእ በቶም ካብ ኣየር: መግቢ: ከምኡውን መስተ እንረኽቦም ካልኦት ኣቶም ይትክኡ ኢዮም” ብምባል ገመተ። ብርግጽ እምበኣር ከምቲ ዳዊት ዘማሰወሉ ‘ኣፈጣጥራና ዘደንቕ’ ኢዩ።—መዝሙር 139:14
7. ኣብ ኣሰራርሓ ናይ ስጋዊ ኣካላትና ብምምርኳስ ገሊኦም ሰባት እንታይ ኢሎም ኢዮም ደምዲሞም፧
7 ስለዚ ኸኣ ሓደ ብዛዕባ እርጋን ዘጽንዕ ፍሉጥ ምሁር ካብቲ ናይ ኣካላትና ኣሰራርሓ ተበጊሱ “ስለምንታይ ከም እንኣርግ ርዱእ ኣይኰነን” በለ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ እምብኣር ንዘለኣለም ክንነብር ዘሎና ኢዩ ዝመስል። በዚ ኸኣ ኢዮም ሰባት ንዘለኣለም ክነብሩ ኢሎም በቲ ናይ ቴክኖሎጂ ውጽኢታቶም ዝጽዕሩ ዘለዉ። ዶክተር ኣልቪን ሲልቨርሰተን ኣብታ ኮንከስት ኦቭ ደዝ እትበሃል መጽሓፉ (እንግሊዝኛ) ብተኣማንነት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ናይ ምንባር ቀንዲ ትርጕም ክንገልጾ ኢና። . . . ሰብ ከመይ ኢሉ ከም ዝኣርግ ክንርዳእ ኢና።” ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “እቲ ንሞት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽርና ከም ዝኣቱ ዝገብር ፍልጠት: ዘለኣለማዊ ንእስነት እውን ከምጽእ ስለ ዝዀነ ‘ኣረግቶት’ ሰባት ድሕሪ ደጊም ኣይክህልዉን ኢዮም።” ነዚ ዘመናዊ ናይ ስነ-ፍልጠት ምርምራት ኣብ ናይ ወድሰብ ህይወት ዝገብሮ ዘሎ መጽናዕቲ ኣብ ግምት ብምእታው ዘለኣለማዊ ህይወት ዘይመስል ነገር ኰይኑዶ ይስምዓካ፧ ዘለኣለማዊ ህይወት ክርከብ ከም ዝከኣል ንምእማን ካብኡ ዝብርትዕ ካልእ ምኽንያት ኣሎ።
ንዘለኣለም ናይ ምንባር ባህጊ
8, 9. ኣብ ታሪኽ ብምሉኡ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ባህርያዊ ባህጊ ኢዩ ነይርዎም፧
8 ንዘለኣለም ምንባር ባህርያዊ ናይ ሰብ ባህጊ ምዃኑስ ኣስተብሂልካ ትፈልጥዶ፧ ሓደ ዶክተር ኣብ ሓደ ናይ ጀርመን ጋዜጣ “ሕልሚ ዘለኣለማዊ ህይወት ዳርጋ ሰብ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ዝነበረ ኢዩ” ብምባል ጸሓፈ። ንእምነት ናይ ገለ ጥንታዎት ኣውሮጳውያን ኣመልኪቱ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ ይብል:- “እቶም ብቑዓት ሰባት ኣብ ሓደ ብወርቂ እተሰለመ ዘንጸባርቕ ኣደራሽ ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም።” ኣየ እወ: ሰባት ነዚ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ባህጎም ንምርዋይ ክንደይ ኰን ኢዮም ኰለል ዝበሉ!
9 ልዕሊ 2,000 ዓመታት ይገብር ኣብ ቻይና: “ሃጸያትን [ተራ] ሰባትን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ካህናት ታኦይዝም ኰይኖም ነቲ ንህይወት ከናውሕ ዝኽእል ንጥረ-ነገር ክደልዩ ስርሖም ረስዑ” ብምባል ኢንሳይክሎፔድያ ኣመሪካና ይገልጽ። እዚ ንጥረ ነገር እዚ ኸኣ ምንጪ ንእስነት ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ። ኣብ ብምሉኡ ዝሓለፈ ታሪኽ: ሰባት እተፈላለየ እተቓመመ ነገራት ብምጥቃም ወይ እውን ገለ ዓይነት ማይ ብምስታይ ኣጕባዝ ኰይኖም ክጸንሑ ዝኽእሉ ይመስሎም ነበረ።
10. ነዊሕ ዕድመ ከም ዝርከብ ንምግባር እንታይ ዘመናዊ ፈተነታት ኢዩ ተገይሩ፧
10 ነቲ ወድሰብ ዘለዎ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ውሽጣዊ ባህጊ ንምርዋይ ዝግበር ዘመናዊ ጻዕርታት እውን ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኰነን። ሓደ ፍሉጥ ኣብነት መድሃኒት ተጠቒምካ ሬሳ ከይተበላሸወ ከም ዝጸንሕ ምግባር ኢዩ። እዚ ሜላ እዚ: ሓደ መዓልቲ ናይቲ ሕማም መድሃኒት ምስ ተረኽበ ነቲ ዝሞተ ሰብ ናብ ህይወት ንምምላስ ብዝብል ዕላማ ሰባት ዝማሃዝዎ ኢዩ። ሓደ ናይዚ ክርዮኒክስ ዝበሃል ሬሳ ከይተበላሸወ ከም ዝጸንሕ ዝገብር መስርሕ ቀንዲ ተጣባቒ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ዘሎና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ጋህዲ እንተድኣ ኰይኑልና እሞ ነቲ ብሰንኪ እርጋን እውን ዝመጽእ ጕድለታት ወሲኽካ ንዅሉ ዝወርድ ጕድኣት ብኸመይ ከም ዝሓዊ ወይ ከም ዝዕረ እንተድኣ ፈሊጥና: ድሕርዚ እቶም ሕጂ ‘ዝሞቱ’ ሰባት ኣብ መጻኢ ንዘይተወሰነ እዋን ክነብሩ ኢዮም።”
11. ሰባት ንዘለኣለም ክነብሩ ዝብህጉ ስለምንታይ ኢዮም፧
11 እዚ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ባህጊ ኣብ ኣተሓሳስባና ኣጸቢቑ ዝሰረጸ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ‘[ኣምላኽ] ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ስለ ዘንበሮ’ ዶዀን ይኸውን፧ (መክብብ 3:11) እዚ ኣርዚንካ ክሕሰበሉ ዘለዎ ነገር ኢዩ! ሕሰብ እሞ ኣብሎ:- ፈጣሪና ዕላምኡ ንዘለኣለም ንኽንነብር እንተ ዘይከውን ነይሩ ኣብ ውሽጥና ንዘለኣለም ናይ ምንባር ባህጊ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ ንዘለኣለም ምንባር ዝብል ባህጊ ከም ዝህልወና ገይሩ ፈጢሩ ኸብቅዕ: ነዚ ባህጊ እዚ ከይፈጸመልና ክተርፍሲ ፍቕራዊ ተግባርዶ ኢዩ፧—መዝሙር 145:16
ኣብ መን ኢና ትውክልቲ ክንገብር ዘሎና፧
12. ገሊኦም ሰባት እንታይ ምትእምማን ኢዩ ዘለዎም: ጽቡቕ መሰረት ዘለዎ ኰይኑዶ ይስምዓካ፧
12 እንተዀነ ግን: ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ኣበይ ወይ ኣብ መን ኢና ትውክልቲ ክንገብር ዘሎና፧ ኣብዚ ናይ መበል 20 ወይ 21 ክፍለ-ዘበን ዝህሉ ሰብኣዊ ቴክኖሎጂ ድዩ፧ እታ ኣብ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ መጋዚን ዝወጸት “ክነብሩ ኢዮም ዝደልዩ” እትብል ዓንቀጽ ብዛዕባ “ንቴክኖሎጂ ከም ኣምላኽ ምርኣይ” ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብ “ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ዘሎ ውዕዉዕ ስምዒት” ትዛረብ። አረ ሓደ ተመራማርስ “ነቲ ኣብ ሕጊ ውርሻ (ጂን ) ዝርከብ ሜላ ክትቈጻጸሮ ምኽኣል ንእርጋን ብምሕናቕ ምናልባት እውን ብምልዋጥ ከይደንጐየ [ከድሕነና] ቅሩብ ክኸውን ምዃኑ . . . ከም ዝተኣማመን ብሓጐስ” ምግላጹ ይንገር። ብሓቂ ክርአ ኸሎ ግን እቲ እርጋን ንምጥፋእ ወይ ሞት ንምስዓር እተገብረ ሰብኣዊ ጻዕሪ: ኵሉ ከንቱ ኢዩ ዀይኑ።
13. ናይ ሓንጐልና ኣሰራርሓ ንዘለኣለም ክንነብር ከም እተፈጠርና ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ፧
13 እዝስ ዘለኣለማዊ ህይወት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ክርከብ ኣይከኣልን ኢዩ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ማለት ኣይኰነን! መገድስ ኣሎ! እቲ ሓንጐልና ንኽማሃር ዘለዎ ድንቂ ዝዀነ ደረት ኣልቦ ክእለት ዘለኣለማዊ ህይወት ክርከብ ከም ዝከኣል ከእምነና ኣለዎ። ናይ ሞለኲላዊ ስነ-ህይወት ምሁር ጀምስ ዋትሰን ንሓንጐልና “ሓደ ካብቲ ኣብ ኣድማስና ዝረኣናዮ ኣዝዩ እተሓላለኸ ርኽበት” ብምባል ጸዊዕዎ ኣሎ። ናይ ስነ-መትኒ ምሁር ሪቻርድ ሬስታክ ከኣ “ኣብቲ እንፈልጦ ኣድማስ ብመጠኑ እውን ይኹን ንሓንጐል ዝመስል ነገር የለን” በለ። ዘለኣለማዊ ህይወት ከነስተማቕር እንተድኣ ዘይተፈጢርና ሓደ ደረት ዘይብሉ ሓበሬታ ክእክብን ክምርምርን ዝኽእል ሓንጎል ከምኡውን ንዘለኣለም ክነብር ተባሂሉ እተዳለወ ኣካል ዘሎና ድኣ ስለምንታይ ኢዩ፧
14. (ሀ) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ ብዛዕባ ህይወት ሰብ ኣብ እንታይ መደምደምታ ኢዮም ዝበጽሑ፧ (ለ) ትውክልትና ኣብ ሰብ ዘይኰነስ ኣብ ኣምላኽ ክንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
14 እቲ ክንበጽሖ እንኽእል ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ መደምደምታ ድኣ እንታይ ኢዩ፧ ብሓደ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ሓያልን መስተውዓልን ዝዀነ ሰራሕን ፈጣርን ኢና ተደኲንና ኢልና ናብ ምድምዳምዶ ኣይኰንናን እንበጽሕ፧ (እዮብ 10:8፣ መዝሙር 36:9፣ 100:3፣ ሚልክያስ 2:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25) ስለዚ ነቲ “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ” ዝብል መንፈስ ዝነፈሶ ትእዛዝ ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ብጥበብ ክንስዕቦዶ ኣይግብኣናን፧ ኣብ ሰባት ክንውከል ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ “ትንፋሱ ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ብምዃኑ ኢዩ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ ሰባት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ዓቕሚ ዘለዎም እኳ እንተዀኑ ሞት ገጽ ንገጽ ከጋጥሞም ከሎ ድኹማት ኢዮም። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ተስፋኡ . . . ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ ብጹእ እዩ” ብምባል ይድምድም።—መዝሙር 146:3-5
ብሓቂ ዕላማ ኣምላኽ ድዩ፧
15. ንዘለኣለም ክንነብር ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
15 እንተዀነ ግን: ‘ዘለኣለማዊ ህይወት ከነስተማቕር ብሓቂ ዕላማ ኣምላኽ ድዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እወ: ዕላማ ኣምላኽ ኢዩ! ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ዝህሉ ኣብ ቃሉ ብዙሕ ግዜ ተዛሪቡ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ “ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና . . . ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ብምባል የረጋግጽ። እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝዀነ ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ ነቲ “እታ ንሱ [ኣምላኽ] ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ” ኢሉ ጸሓፈ። ሓደ መንእሰይ “መምህር: ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ: እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር፧” ኢሉ ንየሱስ ሓተቶ። (ሮሜ 6:23፣ 1 ዮሃንስ 2:25፣ ማቴዎስ 19:16) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብዛዕባ እታ “ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት” ጽሒፉ ኣሎ።—ቲቶስ 1:2
16. ኣምላኽ “ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም” ናይ ዘለኣለም ህይወት እተመባጽዐ በየናይ መገዲ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
16 ኣምላኽ “ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም” ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ተስፋ ሃበ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ገሊኦም ሰባት ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ከሎ: ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ቅድሚ ምፍጣሩ: ሰባት ንዘለኣለም ክነብሩ ኣለዎም ብምባል ዕላማ ገበረ ማለቱ ከም ዝዀነ ይሓስቡ። ይኹን እምበር: ጳውሎስ ነቲ ሰባት ድሕሪ ምፍጣሮም የሆዋ ብዛዕባ ዕላምኡ ክዛረብ ከሎ ዝነበረ እዋን ይጠቅስ እንተድኣ ኣልዩ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ሰባት ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ዘጠቓልል ምዃኑ ንጹር ኢዩ።
17. ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤደን እተሰጉ ስለምንታይ ኢዮም: ኣብቲ ኣፍ ደገ ኪሩቤል እተቐመጡኸ ስለምንታይ ኢዩ፧
17 መጽሓፍ ቅዱስ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ምድሪ ኦም ህይወት ኣብቈለ’ ይብል። ኣዳም ካብ ገነት እተሰጐጐሉ ንጹር ምኽንያት: “ኢዱ ኸይዝርግሕ: ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ: ንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብር” ኢዩ ነይሩ! ንኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ኤደን ድሕሪ ምስጓጉ የሆዋ “ንምሕላው መገዲ ኦም ህይወት . . . ምስናይ እተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍ: ኪሩቤል ኣቐመጠ።”—ዘፍጥረት 2:9፣ 3:22-24
18. (ሀ) ካብታ ኦም ህይወት ምብላዕ ንኣዳምን ሄዋንን እንታይ ማለት ክኸውን ይኽእል ነበረ፧ (ለ) ካብታ ኦም ምብላዕ እንታይ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ፧
18 ኣዳምን ሄዋንን ካብታ ኦም ህይወት እንተ ዝበልዑ እንታይ ምዀኑ ነይሮም፧ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር መሰል ምረኸቡ ነይሮም! ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ በለ:- “እታ ኦም ህይወት ንሰባት ካብ እርጋን ወይ ካብቲ ናብ ሞት ዘምርሕ ምብልሻው ናጻ ክገብሮም ዝኽእል ገለ ነገር ዝነበራ ኢያ እትመስል።” አረ ወሲኹውን “ኣብ ገነት ካብቲ ሳዕቤናት እርጋን ናጻ ዝገብር ቈጽሊ ነይሩ ኢዩ” ይብል። መጽሓፍ ቅዱስ ግን እታ ኦም ህይወት ንባዕላ ከምዚ ዝበለ ህይወት ዝህብ ነገር ነይርዋ ኣይብልን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ካብኣ ክበልዕ እተፈቕደሉ ሰብ: ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦ ከም ዝኽእል እተርኢ ጥራይ ኢያ ነይራ።—ራእይ 2:7
ዕላማ ኣምላኽ ኣይተለወጠን
19. ኣዳም ዝሞተ ስለምንታይ ኢዩ: ንሕና ዘርኡ እውን እንመውት ስለምንታይ ኢና፧
19 ኣዳም ምስ ሓጥአ ነቲ ንዕኡን ነቶም ዘይተወልዱ ዘርኡን ዝነበሮ ንዘለኣለም ናይ ምንባር መሰል ኣጥፍአ። (ዘፍጥረት 2:17) ብሰንኪ ዘይምእዛዙ ምስ ሓጥአ: ጐደሎን ዘይፍጹምን ኰነ። ካብታ ግዜ እቲኣ ንድሕሪት ኣካላት ኣዳም ንሞት እተቓልዐ ኰነ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ‘ዓስቢ ሓጢኣት ሞት’ ኢዩ። (ሮሜ 6:23) ኣብ ርእሲ እዚ እቶም ዘይፍጹማት ዘርኢ ኣዳም እውን ንዘለኣለማዊ ህይወት ዘይኰነስ ንሞት እተቓልዑ ኰኑ። መጽሓፍ ቅዱስ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ: ብሓጢኣትውን ሞት: ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ: ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ይብል።—ሮሜ 5:12
20. ሰባት ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ክነብሩ ከም እተፈጥሩ ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
20 እንተዀነ ግን: ኣዳም እንተ ዘይሓጥእከ፧ ንኣምላኽ ተኣዚዙ: ካብታ ኦም ህይወት ክበልዕ ከኣ ተፈቒድሉ ነይሩ እንተ ዝኸውንከ፧ ነቲ ኣምላኽ ዝህቦ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣበይ ኰይኑ መስተማቐሮ፧ ኣብ ሰማይ፧ ኣይፋሉን! ኣዳም ንሰማይ ብዛዕባ ምኻዱን ዘይምኻዱን ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረበን። ኣብ ምድሪ ዝዓዮ ዕዮ ኢዩ ተዋሂብዎ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግ: ምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ” ኢሉ ይገልጽ። ወሲኹ እውን “ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ: ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን ኣቐመጦ” ይብል። (ዘፍጥረት 2:9, 15) ሄዋን ናይ ኣዳም ብጸይቲ ኰይና ምስ ተፈጥረት: ክልቲኦም ኣብ ምድሪ ተወሳኺ ስራሕ ተዋህቦም። ኣምላኽ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” በሎም።—ዘፍጥረት 1:28
21. እቶም ናይ መጀመርታ ሰባት እንታይ ዘገርም ተስፋ ኢዩ ነይርዎም፧
21 እዚ ካብ ኣምላኽ እተዋህበ መምርሒ ንኣዳምን ሄዋንን ከፊቱሎም ዝነበረ ዘደንቕ ምድራዊ ተስፋታት እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኣብታ ምድራዊት ገነት ፍጹማት ዝዀኑ ኣወዳትን ኣዋልድን ክወልዱ ነበሮም። እቶም ዘፍቅርዎም ደቆም ምስ ዓበዩ ኸኣ: ንሳቶም እውን ብግዲኦም ይፈርዩ: ነታ ገነት ንምክንኻን ኣብ ዝግበር ዕዮ ድማ ይካፈሉ። ኵሎም እንስሳታት እናተኣዘዝዎም ከኣ ህይወቶም ዕግብቲ ትኸውን። እቲ ሰብኣዊ ስድራቤት ብቝጽሪ እናበዝሐ ክኸይድ ከሎ ምድሪ ብምልእታ ገነት ምእንቲ ኽትከውን ንዶባት ናይ ገነት ኤደን ብምስፋሕ ክርከብ ዝነበሮ ሓጐስ እውን ሕሰቦ እሞ! ብዛዕባ እርጋን ይኹን ሞት ከይተጨነቕካ ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ጽብቕቲ ምድራዊት ቤት ብህይወት ክትነብር ደስ ኣይምበለካንዶ፧ እስከ ነዚ ሕቶ እዚ እቲ ባህርያዊ ናይ ልብኻ ድራኸ ይመልሶ።
22. ኣምላኽ እቲ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ ከም ዘይለወጦ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
22 ስለዚ እምበኣር: ኣዳምን ሄዋንን ሕጊ ምስ ኣፍረሱን ካብ ገነት ምስ ተሰጉን ኣምላኽ ነቲ ሰባት ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም ዝብል ዕላምኡ ለዊጥዎዶ ኢዩ፧ ፈጺሙ ኣይለወጦን! ኣምላኽ ከምዚ ክገብር ማለት ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላምኡ ክፍጽም ክእለት ከም ዘይብሉ ዘመልክት ምዀነ ነይሩ። ኣምላኽ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” ስለ ዝበለ ነቲ ዝገብሮ መብጽዓ ከም ዝፍጽሞ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 55:11
23. (ሀ) እቶም ናይ ጽድቂ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ንዘለኣለም ክነብሩ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጽ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ቀጺልና ብዛዕባ እንታይ ኢና ክንመያየጥ፧
23 እቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ ከም ዘይተለወጠ ኣብቲ “ጻድቃን ንሃገር [“ንምድሪ:” NW ] ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ ንጹር ኰይኑ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ እውን ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ ትሑታት ንምድሪ ኸም ዝወርስዋ ተዛሪቡ ኢዩ። (መዝሙር 37:29፣ ማቴዎስ 5:5) እንተዀነ ግን ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና: ከምዚ ዝበለ ህይወት ንኽንረክብ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ እዚ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንርእዮ ኢና።
ብኸመይ ምመለስካ፧
◻ ብዙሓት ሰባት ዘለኣለማዊ ህይወት ክርከብ ይከኣል ኢዩ ኢሎም ዝኣምኑ ስለምንታይ ኢዮም፧
◻ ንዘለኣለም ክንነብር ከም እተፈጠርና ዘተኣማምነና እንታይ ኢዩ፧
◻ እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብን ንምድርን ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧
◻ ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ዕላምኡ ከም ዝፍጽሞ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧