ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። መዝሙር።
139 ኦ የሆዋ፡ ውሽጠይ ፈቲሽካንን ፈሊጥካንን።+
2 ንምቕማጠይን ንምትንሳአይን ትፈልጦ።+
ንሓሳባተይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ።+
3 ንጕዕዞይን ንበጥ ምባለይን ትዕዘቦ፣
ንዅሉ መገድታተይ ድማ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ።+
4 ኦ የሆዋ፡ ሓንቲ ቓል ኣብ ልሳነይ ከየላስ፡
እንሆ፡ ኣጸቢቕካ ትፈልጣ ኢኻ።+
5 ብድሕረይን ብቕድመይን ከቢብካኒ፣
ኢድካ እውን ኣብ ልዕለይ ኣንቢርካ።
6 እዚ ፍልጠት እዚ ንምርዳኡ ልዕሊ ዓቕመይ እዩ።
ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ እውን ክበጽሖ ኣይክእልን እየ።+
7 ካብ መንፈስካ ናበይ ከምልጥ እኽእል፧
ካብ ገጽካኸ ናበይ ክሃድም እኽእል፧+
8 ናብ ሰማይ እንተ ዝድይብ፡ ንስኻ ኣብኡ ምሃለኻ፣
ኣብ መቓብር ዓራተይ እንተ ዘንጽፍ እውን፡ እንሆ፡ ንስኻ ኣብኡ ምሃለኻ።+
9 ኣብ ወሰን ባሕሪ ኽነብር ኢለ፡
ብኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ዝነፍር፡
10 ኣብኡ እኳ ኢድካ ምመርሓትኒ፡
የማነይቲ ኢድካ እውን ምሓዘትኒ።+
11 “ብርግጽ ጸልማት ኪኽውለኒ እዩ!” እንተ ዝብል፡
እቲ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ለይቲ፡ ብርሃን ምዀነ።
12 ንዓኻስ ጸልማት እኳ ኣይምጸልመተካን፣
የግዳስ፡ ለይቲ ኸም መዓልቲ ምበርሃልካ፣+
ንዓኻስ ጸልማት ከም ብርሃን እዩ።+
13 ንስኻስ ንዀላሊተይ ጌርካየን፡
ኣብ ማሕጸን ኣደይ ድማ ጋሪድካኒ።+
14 መስተንክርን ድንቅን ኰይነ ተፈጢረ እየ እሞ ኽውድሰካ እየ።+
ግብርታትካ ድንቂ እዩ፣+
ነዚ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ።
15 ብምስጢር ምስ ተገበርኩ፡
ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ምስ ተኣለምኩ፡
ኣዕጽምተይ ካባኻ ኣይተሓብኣን።+
16 ኣዒንትኻ፡ ድቂ ኸለኹ እኳ ርእየናኒ፣
ሓዲኡ እኳ ኸይሃለወ፡
ኵሉ እቲ ኣካላት ብዛዕባ እተሰርሓሉ መዓልትታት
ኣብ መጽሓፍካ ተጻሒፉ ነይሩ፣
17 ሓሳባትካ ንዓይ ክንደይ ኰን ክቡር እዩ!+
ኦ ኣምላኽ፡ ድምሩስ ክንደይ ኰን ብዙሕ እዩ!+
18 ክቘጽሮ እንተ ፈቲነ፡ ካብ ሑጻ ይበዝሕ።+
ምስ ነቓሕኩ፡ ገና ምሳኻ እየ።+
19 ኦ ኣምላኽ፡ ንእኩይ እባ እንተ ትቐትሎ!+
ሽዑ፡ ዓመጽቲ ሰባት ካባይ ምረሓቑ፣
20 ንሳቶም ብኽፉእ ሓሳብ ኣንጻርካ ይዛረቡ፣
ንሳቶም ስምካ ብኸንቱ ዜልዕሉ ተጻረርትኻ እዮም።+
21 ኦ የሆዋ፡ ነቶም ዚጸልኡኻስ ኣይጸልኦምንዶ፧+
ነቶም ካባኻ ዚዓልዉኸ ኣይፍንፍኖምንዶ፧+
22 ፈጺመ እጸልኦም እየ፣+
ናይ ሓቂ ጸላእቲ ዀይኖምኒ ኣለዉ።
23 ኦ ኣምላኽ፡ ውሽጠይ ፈትሽ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ።+
መርምረኒ፡ ዜጨንቐኒ ሓሳባተይ ድማ ፍለጥ።+
24 ጐዳኢ መገዲ እንተ ኣልዩኒ ርአ፣+
ብመገዲ ዘለኣለም ከኣ ምርሓኒ።+