ዘፍጥረት
49 ያእቆብ ድማ ንደቁ ጸዊዑ ኸምዚ በሎም፦ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ከም እትዀኑ ኽነግረኩምሲ፡ ተኣከቡ። 2 ኣቱም ደቂ ያእቆብ፡ ተኣከቡ እሞ ስምዑ፣ እወ፡ ንኣቦኹም እስራኤል ስምዕዎ።
3 “ሮቤል፡+ ንስኻ በዅረይ፡+ ሓይለይን መጀመርታ ስብእነተይን፡ ብሉጽ ክብርን ብሉጽ ብርታዐን ኢኻ። 4 ከም ዚናወጽ ማያት ብሸለልትነት ናብ ዓራት ኣቦኻ ስለ ዝደየብካ፡ ኣይክትበልጽን ኢኻ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንዓራተይ ኣርከስካዮ።+ እወ፡ ናብኡ ደየበ።
5 “ስምኦንን ሌዊን ኣሕዋት እዮም።+ ኣጽዋሮም፡ ኣጽዋር ዓመጻ እዩ።+ 6 ብቝጥዓኦም ሰብኡት ቀቲሎም፡+ ንባህታኦም ኣብዑር ቀንጂቦም እዮም እሞ፡ ነፍሰይ* ኣይትሕበሮም። ክብረይ* ኣብ ኣኼባኦም ኣይሕበር። 7 ቍጥዓኦም ሕሱም፡ ነድሮም ከኣ ጨካን እዩ እሞ፡ ርጉም ይኹን።+ ኣብ ያእቆብ ክብትኖም፡ ኣብ እስራኤል ፋሕ ከብሎም እየ።+
8 “ኣታ ይሁዳ፡+ ኣሕዋትካ ኺውድሱኻ እዮም።+ ኢድካ ኣብ ክሳድ ጸላእትኻ ኽትከውን እያ።+ ደቂ ኣቦኻ ኺሰግዱልካ እዮም።+ 9 ይሁዳ ዅርኩር ኣንበሳ እዩ።+ ወደየ፡ ካብ ግዳይ ብርግጽ ክትድይብ ኢኻ። ንሱ ኸም ኣንበሳ ተዀርመየን በጥ በለን፣ ከም ኣንበሳኸ መን ደፊሩ የተንስኦ፧ 10 ሺሎ* ኽሳዕ ዚመጽእ፡+ ካብ ይሁዳ ዘንጊ፡ ካብ መንጎ ኣእጋሩ ኸኣ በትሪ ኣዛዚ ኣይኪፍለን እዩ፣+ ተኣዛዝነት ህዝብታት ናቱ እዩ።+ 11 ንኣድጉ ምስ ተኽሊ ወይኒ፡ ንውላድ ኣድጉ ምስ ብሉጽ ተኽሊ ወይኒ ኣሲሩ፡ ልብሱ ብወይኒ፡ ክዳኑ ድማ ብደም ወይኒ ኺሓጽብ እዩ። 12 ኣዒንቱ ብወይኒ ኪቐይሓ፡ ኣስናኑ ኸኣ ብጸባ ኺጽዕድዋ እየን።
13 “ዛብሎን+ ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ጥቓ እቲ መራኽብ መልህቕ ዚድርብያሉ ገምገም ኪነብር እዩ፣+ ጫፍ ዶቡ ኸኣ ናብ ሲዶን ኪኸውን እዩ።+
14 “ይሳኮር+ ኣብ መንጎ ኽልተ እተወደነ ጽዕነት በጥ ዚብል ድልዱል ዝዓጽሙ ኣድጊ እዩ። 15 እታ መዕረፊት ጽብቕቲ፡ እታ ምድሪ ድማ ባህ እተብል ምዃና ኺርኢ እዩ። ንምጻር መንኵቡ ኼትሕትን ብግዲ ኺሽቅልን እዩ።
16 “ዳን+ ከም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኰይኑ ንህዝቡ ኺዳኒ እዩ።+ 17 ዳን፡ እቲ ኣብ ፈረስ ዚውጣሕ ንድሕሪት ምእንቲ ኺወድቕ፡ ሸዀናታት ፈረስ ዚነክስ ኣብ ደረት መገዲ ተመን፡ ኣብ ወሰን መገዲ ድማ ቀራን ተመን ይኹን።+ 18 ኦ የሆዋ፡ ንድሕነትካ ኽጽበ እየ።
19 “ንጋድ+ ዘማቲ ጭፍራ ኼጥቅዖ እዩ፣ ንሱ ግና እግሪ እግሮም ኬጥቅዖም እዩ።+
20 “እንጌራ ኣሴር+ ብዙሕ* ኪኸውን እዩ፣ ንንጉስ ዚበቅዕ ምግቢ እውን ኪህብ እዩ።+
21 “ንፍታሌም+ ሽንቅጥ ዝበለት እራብ እዩ። ጥዑም ቃል ይዛረብ ኣሎ።+
22 “ዮሴፍ+ ጨንፈር ፈራዪት ኦም፡ ጨናፍራ ኣብ ልዕሊ መንደቕ እተዘርግሐ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ዘላ ፈራዪት ኦም እዩ። 23 ቀስተኛታት ግና ኣጨነቕዎን ወርወሩሉን ጸልእዎን።+ 24 ቀስቱ ግና ጸኒዑ ይነብር፣+ ኣእዳዉ ድማ ድልዱልን ንጡፍን እዩ።+ እዚ ድማ ካብ ኣእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፡ ካብቲ ጓሳ፡ ካብቲ እምኒ እስራኤል እዩ። 25 ንሱ* ኻብ ኣምላኽ ኣቦኻ እዩ፡ ንሱ እውን ኪሕግዘካ እዩ። ንሱ ምስቲ ዅሉ ዚኽእል እዩ፡ ንሱ ድማ ብበረኸት ሰማያት ላዕሊ፡ ብበረኸት መዓሙቝ ታሕቲ፡+ ብበረኸት ኣጥባትን ማሕጸንን ኪባርኸካ እዩ። 26 በረኸት ኣቦኻ ኻብ በረኸት ዘለኣለማዊ ኣኽራን፡ ካብ ስልማት ነባሪ ዅርባታት ኪልዕል እዩ።+ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፡ ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈልየ ኪኸውን እዩ።+
27 “ብንያም+ ከም ተዅላ ኺሰላልዕ እዩ።+ ንግሆ ንግዳዩ ኺበልዖ፡ ምሸት ከኣ ምርኮኡ ኺመቅል እዩ።”+
28 ኵሎም እዚኣቶም 12 ነገዳት እስራኤል እዮም፣ ኣቦኦም ኪምርቖም ከሎ ዝበሎም ከኣ፡ እዚ እዩ። ንነፍሲ ወከፎም ዘዚግብኦም ምርቓ ሃቦም።+
29 ድሕርዚ፡ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ኣነ ናብ ህዝበይ እእከብ ኣለኹ።*+ ምስ ኣቦታተይ ኣብታ ኣብ ግራት ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ዘላ በዓቲ ቕበሩኒ።+ 30 ንሳ ኣብ ግራት ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዘላ በዓቲ እያ፣ እታ ኣብርሃም ካብ ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ኸም ርስቲ መቓብር ዝዓደጋ ግራት ድማ እያ። 31 ንኣብርሃምን ንሰበይቱ ሳራን ኣብኣ ቐበርዎም።+ ንይስሃቅን ንሰበይቱ ርብቃን ከኣ ኣብኣ ቐበርዎም፣+ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ። 32 እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ካብ ደቂ ሔት እተዓደገት እያ።”+
33 ያእቆብ ድማ ንደቁ ኸምዚ ኢሉ ኣዚዙ ወድአ። ድሕሪኡ፡ ኣእጋሩ ናብ ዓራት ኣከበ፡ ትንፋሱ ሓለፈት፡ ናብ ህዝቡ እውን ተኣከበ።*+