መሳፍንቲ
6 እስራኤላውያን ግና መሊሶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበሩ።+ የሆዋ ድማ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ኢድ ሚድያን ሃቦም።+ 2 ኢድ ሚድያን ከኣ ኣብ እስራኤል በርትዐት።+ እስራኤላውያን ድማ ብሰሪ ሚድያን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ንምብጻሑ ኣብ ዜጸግም ቦታታትን መሕብኢ* ገበሩ።+ 3 እስራኤል ዘርኢ ምስ ዚዘርእ፡ ሚድያንን ኣማሌቅን+ ደቂ ምብራቕን+ የጥቅዕዎም ነበሩ። 4 ንምጽራሮም ሰፊሮም፡ ክሳብ መገዲ ጋዛ ዘሎ ፍረ እታ ምድሪ የጥፍኡ ነበሩ፣ ንእስራኤል ከኣ፡ ዚብላዕ ኰነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ ኣይሓድጉሉን ነበሩ።+ 5 ከመይሲ፡ ምስ ማሎምን ምስ ድንኳናቶምን ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖም ኰይኖም ይድይቡ ነበሩ፣+ ኣግማሎም እውን ኪቝጸራ ዚኽእላ ኣይነበራን፣+ ናብታ ምድሪ መጺኦም ከኣ የጥፍእዋ ነበሩ። 6 ስለዚ፡ እስራኤል ብሰሪ ሚድያን ብዙሕ ነደየ፣ እስራኤላውያን ድማ ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+
7 እስራኤላውያን ብሰሪ ሚድያን ናብ የሆዋ ምስ ተማህለሉ፡+ 8 የሆዋ ንእስራኤላውያን ሓደ ነብዪ ሰደደሎም፣ ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፦ ‘ኣነ ኻብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ካብ ቤት ባርነት ድማ ኣውጻእኩኹም።+ 9 ካብ ኢድ ግብጽን ካብ ኢድ ኵሎም ጨቈንትኹምን ኣናገፍኩኹም፣ ንዓታቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐ ኸኣ ምድሮም ሃብኩኹም።+ 10 “ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ።+ ንኣማልኽቲ እቶም ኣብ ምድሮም እትቕመጡ ዘለኹም ኣሞራውያን ኣይትፍርህዎም” ድማ በልኩኹም።+ ንስኻትኩም ግና ኣይተኣዘዝኩምንን።’”*+
11 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ መጺኡ፡+ ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ ዮኣስ እቲ ኣቢ-ዔዘራዊ+ ዝዀነ ኣብ ዖፍራ ዘሎ ዓብዪ ኦም ተቐመጠ። ወዱ ጊዴዎን+ ድማ ካብ ሚድያን ኪሓብእ ኢሉ፡ ስርናይ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ። 12 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ንዕኡ ተራእዮ እሞ፡ “ኣታ ሓያል ጅግና፡ የሆዋ ምሳኻ እዩ”+ በሎ። 13 ጊዴዎን ድማ፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር ጐይታይ፡ የሆዋ ምሳና እንተ ዀይኑ ደኣ፡ እዚ ዅሉ ስለምንታይ ይወርደና ኣሎ፧+ እቲ ኣቦታትና፡ ‘የሆዋ ኻብ ግብጺ ኣደይቡና ደይኰነን፧’+ ኢሎም ዝነገሩና ዅሉ ዜደንቕ ግብርታቱኸ ኣበይ ኣሎ፧+ ሕጅስ የሆዋ ሓዲጉና፡+ ኣብ ኢድ ሚድያን ከኣ ሂቡና ኣሎ” በሎ። 14 የሆዋ ድማ ናብኡ ገጹ ገይሩ፡ “በዚ ሓይልኻ እዚ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሕኖ።+ ኣነ ደይኰንኩን ዝልእከካ ዘለኹ፧” በሎ። 15 ጊዴዎን ግና፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር የሆዋ፡ ከመይ ገይረ ንእስራኤል ከድሕኖ እኽእል፧ እንሆ፡ እንዳይ* ካብ ምናሴ ዝነኣሰ እዩ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቤት ኣቦይ ዝነኣስኩ እየ” ኢሉ መለሰሉ። 16 የሆዋ ግና፡ “ኣነ ምሳኻ ስለ ዝኸውን፡+ ንሚድያን ከም ንሓደ ሰብኣይ ጌርካ ኽትወቕዖ ኢኻ” በሎ።
17 ንሱ ኸኣ፡ “ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ እትዛረበኒ ዘለኻ ንስኻ ኸም ዝዀንካ ምልክት ሃበኒ። 18 ህያበይ ሒዘ ተመሊሰ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካስ፡ በጃኻ ኻብዚ ኣይትኺድ” በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ክሳዕ እትምለስ፡ ኣብዚ ኽጸንሕ እየ” በሎ። 19 ጊዴዎን ከኣ ኣትዩ ሓደ ማሕስእ ኣዳለወ፡ ካብ ሓደ ኤፋ* ሓርጭ ድማ ቅጫ ሰንከተ።+ ነቲ ስጋ ኣብ መሶብ፡ ነቲ መረቕ እውን ኣብ ቍራዕ ገይሩ፡ ናብኡ ኣውጽኦ፣ ኣብ ትሕቲ እቲ ዓብዪ ኦም ከኣ ኣቕረበሉ።
20 እቲ መልኣኽ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ፡ “ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብቲ ኸውሒ ኣንብሮ፡ ነቲ መረቕ እውን ኣፍስሶ” በሎ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ገበረ። 21 ሽዑ፡ መልኣኽ የሆዋ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት በትሪ ዘርጊሑ፡ ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ተንከዮ እሞ፡ ሓዊ ኻብቲ ኸውሒ ወጺኡ፡ ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን በልዖ።+ እቲ መልኣኽ የሆዋ ድማ፡ ካብ ኣዒንቱ ተሰወረ። 22 ሽዑ፡ ጊዴዎን፡ ንሱ መልኣኽ የሆዋ ኸም ዝዀነ ፈለጠ።+
ብኡብኡ፡ ጊዴዎን፡ “ኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀንካ የሆዋ፡ ንመልኣኽ የሆዋ ገጽ ንገጽ ርእየዮ እየ እሞ፡ ወይለይ!” በለ።+ 23 የሆዋ ግና፡ “ሰላም ንዓኻ ይኹን። ኣይትፍራህ፡+ ኣይትመውትን ኢኻ” በሎ። 24 ጊዴዎን ከኣ ኣብኡ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ፣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ፡ የሆዋ-ሻሎም*+ ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ። ገና ኸኣ ኣብ ናይ ኣቢ-ዔዘራውያን ዖፍራ ኣሎ።
25 በታ ለይቲ እቲኣ፡ የሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ዝራብዕ ኣቦኻ፡ እቲ ሸውዓተ ዓመት ዝገበረ ኻልኣይ ዝራብዕ ውሰድ፣ ነቲ ናይ ኣቦኻ ዝዀነ መሰውኢ በዓል ድማ ኣፍርሶ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ዓንዲ ኣምልኾ* እውን ቍረጾ።+ 26 ኣብ ርእሲ እዚ ዕርዲ እዚ ብኣእማን ሰሪዕካ ንየሆዋ ኣምላኽካ መሰውኢ ምስ ሰራሕካ፡ ነቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ወሲድካ፡ ኣብቲ እትቘራርጾ ዕንጨይቲ እቲ ዓንዲ ኣምልኾ* ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርቦ።” 27 ጊዴዎን ድማ ካብ ገላዉኡ ዓሰርተ ሰብኡት ወሲዱ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ገበረ። ግናኸ፡ ብመዓልቲ ኸይገብሮ ንቤተ ሰብ ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሆም፡ ብለይቲ ገበሮ።
28 ንጽብሒቱ ሰብ እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ መሰውኢ በዓል ፈሪሱ፡ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ዓንዲ ኣምልኾ* ድማ ተቘሪጹ ረኣዩ፣ እቲ ኻልኣይ ዝራብዕ ከኣ ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ነበረ። 29 ንሓድሕዶም ድማ፡ “መን እዩ እዚ ገይሩ፧” ተባሃሃሉ። ምስ መርመሩ፡ “ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ እዩ ገይርዎ” በሉ። 30 ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ንዮኣስ፡ “ወድኻ መሰውኢ በዓል ኣፍሪሱ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ዓንዲ ኣምልኾ* ድማ ቈሪጹ እዩ እሞ፡ ኪመውት ኣውጽኣዮ” በልዎ። 31 ዮኣስ+ ከኣ ንዅሎም እቶም ኪቃወምዎ ዝተንስኡ፡ “ንበዓልዶ ኽትማጐቱሉ ኢኹም፧ ከተድሕንዎዶኸ ኢኹም፧ ዚማጐተሉ ዘበለ፡ በዛ ንግሆ እዚኣ ይቀተል።+ ንሱ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ መሰውኢኡ ኣፍሪሱሉ እዩ እሞ፡ ባዕሉ ይማጐት”+ በሎም። 32 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ “ንበዓል መሰውኢኡ ኣፍሪሱሉ እዩ እሞ፡ ባዕሉ ይማጐት” ኢሉ ንጊዴዎን የሩብበዓል* ኢሉ ጸውዖ።
33 ኵሎም ሚድያንን+ ኣማሌቅን+ ደቂ ምብራቕን ከኣ ሓይልታቶም ኣሕበሩ፣+ ተሳጊሮም* ድማ ኣብ ስንጭሮ* ይዝርኤል ሰፈሩ። 34 ሽዑ፡ መንፈስ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ጊዴዎን መጸ፣*+ ንሱ ኸኣ መለኸት ነፍሐ፣+ ኣቢ-ዔዘራውያን+ ድማ ተኣኪቦም ሰዓብዎ። 35 ናብ ኵሉ ምናሴ ኸኣ ልኡኻት ለኣኸ፣ ንሳቶም እውን ተኣኪቦም ሰዓብዎ። ናብ ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ለኣኸ፣ ንሳቶም እውን ኪረኽብዎ ደየቡ።
36 ጊዴዎን ከኣ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ከምቲ ዘተስፎኻዮ፡ ንእስራኤል ብኢደይ እተድሕኖ እንተ ዄንካ፡+ 37 እንሆ፡ ቍሩጽ ጸምሪ ኣብ ዓውዲ አንብር ኣለኹ። ኣብዚ ጸምሪ ጥራይ ኣውሊ እንተ ዀይኑ፡ ኵላ እታ ምድሪ ግና ንቕጽቲ እንተ ዀይና፡ ከምቲ ዘተስፎኻዮ ንእስራኤል ብኣይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ” በሎ። 38 ከምኡ ድማ ኰነ። ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ነቲ ጸምሪ ምስ ጸመቖ፡ ካብቲ ጸምሪ ዝወጸ ኣውሊ፡ ሒላብ ምሉእ ማይ ኰነ። 39 ጊዴዎን ግና ንናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ “ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብ፡ ቍጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ። በጃኻ፡ በቲ ጸምሪ ሓንሳእ ጥራይ ክፍትን። በጃኻ፡ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ኸኣ ኣውሊ ይኹን” በሎ። 40 ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፣ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ ኰነ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላ እታ ምድሪ ኸኣ ኣውሊ ዀነ።