1 ነገስት
7 ሰሎሞን ድማ ንቤቱ* ንምህናጽ፡ ብዘላ ቤቱ ኽሳዕ እትውዳእ፡+ 13 ዓመት ወሰደሉ።+
2 ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕኑድ ቄድሮስ ከኣ 100 እመት* ዝንውሓታን 50 እመት ዝግፍሓን 30 እመት ዝቝመታን ቤት ዱር ሊባኖስ ሃነጸ፣+ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዕኑድ ድማ ኣግማል ቄድሮስ ነበረ።+ 3 ንሳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣዕኑድ እተጋደመ ዓንደ ኣግማል ብቄድሮስ እተረብበት ነበረት፣ ንሱ ድማ 45፡ ኣብ መመስርዕ 15 ነበረ። 4 እቲ መቓን ዘለዎ መሳዅቲ ብሰለስተ መስርዕ ነበረ፣ ብሰለስተ ተርታ ድማ ኣብ መንጽር መመስኰት ካልእ መስኰት ነበረ። 5 ኵሉ እቲ ኣፍ ደገታትን ልዳውትን ትርብዒታዊ* መቓን ነበረ፣ እቲ ብሰለስተ ተርታ ኣብ መንጽር ሓድሕዱ ዘሎ ቕድሚት ሸነኽ መሳዅቲ ኸኣ ከምኡ ነበረ።
6 ብዘይካዚ፡ 50 እመት ዝንውሓቱን 30 እመት ዝግፍሑን ኣዳራሽ* ኣዕኑድ ሃነጸ፣ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ኣዕኑድን ጽላልን ዘለዎ ገበላ ነበረ።
7 ዚፈርደሉ ኣዳራሽ* ዝፋን፡+—ኣዳራሽ ፍርዲ፡+—እውን ሃነጸ፣ ካብ ባይታ ኽሳብ ሰርወታት ከኣ ብቄድሮስ ረበብዎ።
8 እታ ኣብ ካልእ ኣጸድ+ ዘላ ዚነብረላ ቤቱ* ኸኣ ካብቲ ኣዳራሽ* እተፈልየት ኰይና፡ ስርሓታ ተመሳሳሊ ነበረ። ሰሎሞን ነታ ሰበይቱ ኽትከውን ዘእተዋ ጓል ፈርኦን እውን፡ ከምዚ ኣዳራሽ እዚ ዝበለት ቤት ሃነጸላ።+
9 እዚ ዅሉ ድማ ካብ መሰረት ክሳብ እቲ ላዕለዋይ ወሰን፡ ብወጻኢ ኸኣ ክሳብ እቲ ዓብዪ ኣጸድ፡+ ብውሽጥን ብግዳምን ብልክዕ ብእተወቕረ፡ ብመጋዝ እምኒ ብእተቘርጸ ኽቡራት ኣእማን ተሰርሐ።+ 10 እቲ መሰረት ከኣ ብኣዝዩ ዓበይቲ ኽቡራት ኣእማን ተሰረተ፣ ገሊኡ ኣእማን ዓሰርተ እመት፡ ገሊኡ ድማ ሸሞንተ እመት ዝዓቐኑ ነበረ። 11 ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ፡ ብልክዕ እተወቕረ ኽቡራት ኣእማንን ቄድሮስን ነበረ። 12 ኣብ ዙርያ እቲ ዓብዪ ኣጸድ ድማ፡ ከምቲ ናይ ውሽጢ ኣጸድ+ ቤት የሆዋን ገበላ እታ ቤትን+ ዝበለ መስርዕ ውቑር ኣእማንን መስርዕ ኣግማል ቄድሮስን ነበረ።
13 ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ልኢኹ ንሒራም+ ካብ ጢሮስ ኣምጽኦ። 14 ንሱ ወዲ ሓንቲ ኻብ ነገድ ንፍታሌም ዝዀነት መበለት ነበረ፣ ኣቦኡ ድማ ጢሮሳዊ ኣንጠረኛ ነሓሲ* ነበረ።+ ንሱ ኸኣ ኵሉ ዓይነት ዕዮ ነሓሲ ብምዕያይ ብዙሕ ክእለትን ኣእምሮን+ ተመክሮን ነበሮ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መጺኡ ድማ፡ ኵሉ ዕዮኡ ገበረሉ።
15 ንሱ ኸኣ ክልተ ኣዕኑድ ነሓሲ ብፍሲ ሰርሐ፣+ ነናይ ሓደ ዓንዲ ቝመት 18 እመት ነበረ፣ ዙርያ ሓደ ኻብቲ ኽልተ ዓንዲ ምስ ተለክዐ ድማ፡ 12 እመት ዝንውሓቱ ገመድ ኰነ።+ 16 ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ኪንበር ከኣ ክልተ ርእሲ ዓንዲ ብፍሲ ገበረ። ሓደ ርእሲ ዓንዲ፡ ሓሙሽተ እመት ዝቝመቱ፡ እቲ ሓደ ርእሲ ዓንዲ እውን ሓሙሽተ እመት ዝቝመቱ ነበረ። 17 እቲ ኣብ ረርእሲ እቲ ኣዕኑድ ዝነበረ ርእሲ ዓንዲ፡ ከም መንፊት ዝበለ መርበብን እተተንገ ሰንሰለትን ነበሮ፣+ ነቲ ሓደ ርእሲ ዓንዲ ሸውዓተ፡ ነቲ ሓደ ርእሲ ዓንዲ እውን ሸውዓተ ነበሮ። 18 ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ዘሎ ኣራእስ ዓንዲ ኪኸድን ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደ መርበብ ክልተ መስርዕ ሮማን ገበረ፣ ንኽልቲኡ ኣራእስ ዓንዲ ኸምኡ ገበረ። 19 እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ገበላ ዘሎ ኣዕኑድ ዚርከብ ኣራእስ ዓንዲ ኸኣ፡ ከም ዕምባባ ሹሻን ይመስል ነበረ፣ ቍመቱ ድማ ኣርባዕተ እመት ነበረ። 20 እቲ ኣራእስ ዓንዲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኽልተ ዓንዲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስቲ መርበብ እተጸግዐ ኸቢብ ክፋል ነበረ፣ ኣብ ዙርያ ረርእሲ ዓንዲ ኸኣ በብመስርዕ 200 ሮማን ነበረ።+
21 ነቲ ኣዕኑድ እቲ ገበላ ቤተ መቕደስ* ድማ ኣቘሞ።+ ነቲ የማናይ* ዓንዲ ኣቚሙ ኸኣ፡ ያኪን* ኢሉ ሰመዮ፣ ነቲ ጸጋማይ* ዓንዲ ኣቚሙ ድማ፡ ቦኣዝ* ኢሉ ሰመዮ።+ 22 ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን ዚመስል ነበረ። በዚ ኸምዚ፡ ዕዮ እቲ ኣዕኑድ ተፈጸመ።
23 ናይ ፍሲ ባሕሪ* ኸኣ ገበረ።+ ንሱ ድማ ከቢብ ዝቕርጹ ዀይኑ፡ ካብ ሓደ ወሰን ኣፉ ኽሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ኣፉ 10 እመት፡ ቍመቱ ኸኣ 5 እመት፡ ዙርያኡ ምስ ተለክዐ ድማ፡ 30 እመት ዝንውሓቱ ገመድ ኰነ።+ 24 ኣብ ትሕቲ እቲ ወሰን ኣፉ ኸኣ ብዙርያኡ ኣብ እመት ዓሰርተ ሓምሓም ዝቕርጹ ስልማት+ ኰይኑ ኣብ ዙርያ እቲ ባሕሪ ነበረ፣ እቲ ሓምሓማት ድማ ክልተ መስርዕ ኰይኑ ምስኡ ብሓደ ብፍሲ እተሰርሐ ነበረ። 25 ኣብ ልዕሊ 12 ብዕራይ ከኣ ተነብረ፣+ 3 ናብ ሰሜን ገጾም፡ 3 ናብ ምዕራብ ገጾም፡ 3 ናብ ደቡብ ገጾም፡ 3 ድማ ናብ ምብራቕ ገጾም ገይሮም ነበሩ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊኦም ተነብረ፣ ናይ ኵላቶም ድሕሪት ድማ ናብ ማእከል ኣቢሉ ነበረ። 26 ርጕዱ ኸኣ ክንዲ ስፍሓት ኢድ* ነበረ፣ እቲ ኣፉ ድማ ከም ኣፍ ጽዋእ ኰይኑ፡ ከም ዕምባባ ሹሻን ተገብረ። 2,000 ባት* ከኣ ይሕዝ ነበረ።
27 ዓሰርተ ዓረብያ* ነሓሲ ድማ ገበረ።+ ሓሓደ ዓረብያ ኣርባዕተ እመት ዝንውሓቱን ኣርባዕተ እመት ዝግፍሑን ሰለስተ እመት ዝቝመቱን ነበረ። 28 ስርሓት እቲ ዓረብያታት ከኣ ከምዚ ነበረ፦ መጋረዲታት ጐድኒ ነበሮ፡ እቲ መጋረዲታት ጐድኒ ድማ ኣብ መንጎ እተመሰቓቐለ ዘንግታት ነበረ። 29 ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መንጎ እተመሰቓቐለ ዘንግታት ዝነበረ መጋረዲታት ጐድኒ ኸኣ፡ ኣናብስን+ ኣብዑርን ኪሩቤልን+ ነበሩ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ እተመሰቓቐለ ዘንግታት ድማ ከምኡ ስልማት ነበረ። ብልዕልን ብትሕትን እቲ ኣናብስን ኣብዑርን ከኣ እተተንገ ቕርጺ ነበረ። 30 ነንሓደ ዓረብያ ድማ ኣርባዕተ መንኰርኰር ነሓስን መቐለሳት ነሓስን ነበሮ፣ እቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ዘሎ መዋቕር ከኣ ንዕኡ መደገፊኡ ነበረ። እቲ መደገፊ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ገበራ እውን ነበረ፣ ምስኡ እተተንገ ፍሲ ድማ ኣብ ጐጐድኑ ነበረ። 31 ኣፉ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓንኬላዊ መደገፊ ዀይኑ፡ ሓደ እመት ንላዕሊ ይነውሕ ነበረ፣ ኣፉ ድማ ከቢብ ኰይኑ፡ ናይ ሓደ እመትን ፈረቓን ዚኸውን ኣጋሮ ነበረ፣ ኣብቲ ኣፉ ኸኣ ቅርጽታት ነበረ። እቲ መጋረዲታት ጐድኒ ትርብዒት ነበረ እምበር፡ ከቢብ ኣይነበረን። 32 ኣብ ትሕቲ እቲ መጋረዲታት ጐድኒ ድማ ኣርባዕተ መንኰርኰር ነበረ፣ እቲ መደገፊ መንኰራዅር ከኣ ምስቲ ዓረብያ ለጊቡ ነበረ፣ ቍመት ሓሓደ መንኰርኰር እውን ሓደ እመትን ፈረቓን ነበረ። 33 ስርሓት እቲ መንኰራዅር ድማ ከም ስርሓት መንኰራዅር ሰረገላ ነበረ። መደገፊኡን ዕንክሊሉን ዘንግታቱን ሕምብርቱን ኵሉ ፍሲ ነበረ። 34 ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኵሉ ዓረብያ ኣርባዕተ መደገፊ ነበረ፣ እቲ መደገፊኡ ኸኣ ምስቲ ዓረብያ ብሓደ ብፍሲ እተገብረ ነበረ። 35 ኣብ ርእሲ እቲ ዓረብያ ድማ ፍርቂ እመት ዝቝመቱ ኸቢብ መጥመሪ ነበረ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ዓረብያ ኸኣ፡ መቓናቱን መጋረዲ ጐድንታቱን ብፍሲ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ነበረ። 36 ኣብ ገጽ እቲ መቓናቱን መጋረዲ ጐድንታቱን ድማ ከከም ዘለዎ ቦታ ኪሩቤልን ኣናብስን ኣእዋም ስየን፡ ኣብ ዙርያኡ እውን ትንጎ ቐረጸሉ።+ 37 ነቲ ዓሰርተ ዓረብያ በዚ ኸምዚ ሰርሖ፣+ ኵሉ ብሕደ ፍሲ እተሰርሐ፡+ ሕደ ዝዓቐኑን ሕደ ዝቕርጹን ነበረ።
38 ዓሰርተ ገበራ ነሓሲ ኸኣ ሰርሐ፣+ ሓሓደ ገበራ 40 ባት ኪሕዝ ይኽእል ነበረ። ሓሓደ ገበራ ኣርባዕተ እመት ዝዓቐኑ* ነበረ። ነቲ ዓሰርተ ዓረብያ፡ ነንሓደ ዓረብያ ሓደ ገበራ ነበሮ። 39 ድሕርዚ፡ ሓሙሽተ ዓረብያ ብሸነኽ የማን እታ ቤት፡ ሓሙሽተ ድማ ብሸነኽ ጸጋም እታ ቤት ኣንበረ፣ ነቲ ባሕሪ ኸኣ ብሸነኽ የማን እታ ቤት፡ ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣቢሉ ኣንበሮ።+
40 ሒራም+ ድማ ገበራታትን መጽሓሪታትን+ ጭሔሎታትን+ ገበረ።
በዚ ኸምዚ፡ ሒራም ንዅሉ እቲ ንንጉስ ሰሎሞን ኣብ ቤት የሆዋ ዝሰርሓሉ ስራሕ ፈጸሞ፣+ 41 ማለት ነቲ ኽልተ ዓንድን+ ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጭሔሎ ዝቕርጹ ኣራእስ ዓንድን፡ ነቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጭሔሎ ዝቕርጹ ኽልተ ርእሲ ዓንዲ+ ዚኸድን ክልተ መርበብ፡ 42 ነቲ ንኽልተ መርበብ ዚኸውን 400 ሮማን፡+ ነንሓደ መርበብ ዚኸውን ክልተ መስርዕ ሮማናት፡ ነቲ ኣብቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጭሔሎ ዝቕርጹ ኽልተ ርእሲ ዓንዲ ዚኸውን መኽደኒ፡ 43 ነቲ ዓሰርተ ዓረብያን+ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓረብያታት ዘሎ ዓሰርተ ገበራን፡+ 44 ነቲ ባሕርን+ ነቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ባሕሪ ዘለዉ 12 ብዕራይን፡ 45 ነቲ ድስትታትን ነቲ መጽሓሪታትን ነቲ ጭሔሎታትን ፈጸሞ። ሒራም ንዅሉ እዚ ኣቕሑ እዚ ንንጉስ ሰሎሞን፡ ንቤት የሆዋ፡ ካብ እተዀልዐ ነሓሲ ሰርሓሉ። 46 እቲ ንጉስ ኣብ ከባቢ ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኮትን ጻሬታንን፡ ኣብ ቅርጺ ኻይላ ኣፍሰሶ።
47 ሰሎሞን ድማ ንዅሉ እቲ ኣቕሑ ኣዝዩ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ ኸይመዘነ ገደፎ። ሚዛን እቲ ነሓሲ ኸኣ ኣይተፈልጠን።+ 48 ሰሎሞን ድማ ንዅሉ እቲ ንቤት የሆዋ ዚኸውን ኣቕሑ ሰርሖ፣ ማለት ነቲ መሰውኢ+ ወርቂ፡ ነቲ እንጌራ ምርኣይ ዚንበሮ ሰደቓ ወርቂ፡+ 49 ነቲ ኣብ ቅድሚ እታ ውሽጣዊት ክፍሊ ሓሙሽተ ብየማን ሓሙሽተ ብጸጋም ዘሎ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ቐወምቲ ቐነዲል፡+ ነቲ ኻብ ወርቂ እተገብረ ዕምባባታትን+ ቀነዲልን መንቀርቀራት መጥፍእን፡+ 50 ነቲ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ገበራታትን መቐዛት መጥፍእን+ ጭሔሎታትን ጽዋኣትን+ መትሓዚታት ሓውን፡+ ነቲ ኻብ ወርቂ እተገብረ ንመዓጹ እታ ውሽጣዊት ቤት፡+ ማለት ቅድስተ ቕዱሳን፡ ዚኸውንን ንመዓጹ እታ ቤተ መቕደስ ዚኸውንን መሰኵዒ ሰርሖ።+
51 በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት የሆዋ ዝዓየዮ ዅሉ ዕዮ ወድአ። ሰሎሞን ድማ ነቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝቐደሶ ኣምጽኦ፣+ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ነቲ ኣቕሑን ከኣ ኣብ መዛግብቲ ቤት የሆዋ ኣንበሮ።+