መዝሙር
89 ብተኣማንነት ብዛዕባ ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ንዘለኣለም ክዝምር እየ።
ብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ ተኣማንነትካ ኸፍልጥ እየ።
5 ኦ የሆዋ፡ ሰማያት ድንቂ ተግባራትካ፡
እወ፡ ተኣማንነትካ ኣብ ጉባኤ ቕዱሳት ይውድስ።
6 ኣብ ሰማያትሲ ምስ የሆዋ ኺወዳደር ዚኽእል መን ኣሎ፧+
ካብ ደቂ ኣምላኽከ+ ኸም የሆዋ ዝበለ መን ኣሎ፧
8 ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት፡
ኦ ያህ፡ ከማኻ ሓያል መን እዩ፧+
ተኣማንነትካ ኣብ ዙርያኻ ኣሎ።+
ብሓያል ቅልጽምካ ንጸላእትኻ ፋሕ ኣቢልካዮም።+
15 እቶም እልልታ ዚፈልጡ ህዝቢ ሕጉሳት እዮም።+
ኦ የሆዋ፡ ንሳቶም ብብርሃን ገጽካ ይመላለሱ።
16 ምሉእ መዓልቲ ብስምካ ይሕጐሱ፣
ብጽድቅኻ እውን ልዕል ይብሉ።
18 ዋልታናስ ናይ የሆዋ እዩ፣
ንጉስና እውን ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።+
19 በቲ ግዜ እቲ፡ ንእሙናትካ ብራእይ ከምዚ ኢልካ ተዛረብካዮም፦
21 ኢደይ ክትድግፎ፡+
ቅልጽመይ ከኣ ከተበርትዖ እያ።
22 ጸላኢ ኣይኬገብሮን፡
ዓማጺ ድማ ኣይኪጭቍኖን እዩ።+
26 ንሱ ድማ፡ ‘ንስኻ ኣቦይ፡
ኣምላኸይን ከውሒ ድሕነተይን ኢኻ’ ኢሉ ኺጽውዓኒ እዩ።+
30 ደቁ ሕገይ እንተ ሓዲጎም፡
ብድንጋገታተይ* ከኣ እንተ ዘይተመላሊሶም፡
31 ስርዓታተይ እንተ ኣፍሪሶም፡
ትእዛዛተይ እውን እንተ ዘይሓልዮም፡
ንስሕተቶም ድማ ብመግረፍቲ ክቐጽዕ እየ።
35 ብቕድስናይ ሓንሳእ ንሓዋሩ ምሒለ እየ፣
ንዳዊት ኣይክሕስዎን እየ።+
37 ከም ወርሒ፡ ከምታ ኣብ ሰማያት ዘላ እምንቲ ምስክር፡
ንዘለኣለም ኪጸንዕ እዩ።” (ሴላ)
38 ንስኻ ግና ደርቢኻዮን ንዒቕካዮን፣+
ንቕቡእካ ኸኣ ተቘጢዕካዮ።
39 ንኺዳን ጊልያኻ ንዒቕካዮ፣
ንዘውዱ ናብ ምድሪ ብምድርባይ ኣርኪስካዮ።
40 ኵሉ መናድቑ* ኣፍሪስካ፣
ዕርድታቱ ድማ ኣዕኒኻ።
41 ኵሎም ሓለፍቲ መገዲ ዘሚቶምዎ፣
ንጐረባብቱ መጻረፊ ዀይኑ።+
43 ንሰይፉ መሊስካያ፣
ኣብ ውግእ እውን ኣብ መትከሉ ኣየቘምካዮን።
44 ንግርማኡ ኣጥፊእካዮ፣
ንዝፋኑ ድማ ናብ ምድሪ ደርቢኻዮ።
45 መዓልትታት ንእስነቱ ኣሕጺርካዮ፣
ብሕፍረት ከኣ ኣጐልቢብካዮ። (ሴላ)
46 ኦ የሆዋ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ እትሕባእ፧ ንዘለኣለምዶ፧+
ነድርኻስ ከም ሓዊ ብቐጻሊዶ ኺነድድ እዩ፧
47 ህይወተይ ክሳዕ ክንደይ ሓጻር ምዃና ዘክር!+
ንዅሎም ሰባት ንኸንቱ ዲኻ ፈጢርካዮም፧
48 ሞት ከይረኣየ ብህይወት ኪነብር ዚኽእል ሰብ መን ኣሎ፧+
ካብ ሓይሊ መቓብርከ* ንርእሱ* ኼድሕን ይኽእልዶ፧ (ሴላ)
49 ኦ የሆዋ፡ እቲ ንዳዊት ብተኣማንነትካ ዝመሓልካሉ፡
ብተኣማንነት ብእተርእዮ ፍቕሪ ዝገበርካዮ ቐዳሞት ግብርታትካ ኣበይ ኣሎ፧+
50 ኦ የሆዋ፡ ንገላዉኻ ዜባጭዉሎም ባጫ፡
ኣነ እውን ባጫ ዅሎም ህዝብታት ከም ዝጸውር* ዘክር፣
51 ኦ የሆዋ፡ ጸላእትኻ ኸመይ ከም ዚጸርፉ፡
ንዅሉ ኣሰር ቅቡእካ ኸመይ ከም ዚጸርፉ ዘክር።
52 የሆዋ ንዘለኣለም ይወደስ። ኣሜን፡ ኣሜን።+