ሚክያስ
6 እቲ የሆዋ ዚብሎ ዘሎ በጃኹም ስምዑ።
ተንስእ፡ ጕዳይካ ኣብ ቅድሚ ኣኽራን ኣቕርብ፡
ኵርባታት እውን ድምጽኻ ይስማዕ።+
3 “ኣታ ህዝበይ፡ እንታይ እየ ገይረካ፧
ከመይ ገይረኸ እየ ኣድኪመካ፧+
ኣንጻረይ መስክር።
6 ናብ ቅድሚ የሆዋ እንታይ ሒዘ ኽመጽእ፧
ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኣምላኽከ እንታይ ሒዘ ኽሰግድ፧
ናብ ቅድሚኡ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቲ፡
ምራኹት ሓደ ዓመት ሒዘዶ ኽመጽእ፧+
7 የሆዋዶ ብኣሽሓት ደዓውልን
ብኣእላፋት ወሓይዝ ዘይትን ባህ ይብሎ እዩ፧+
8 ኣታ ሰብ፡ ንሱ ጽቡቕ ዘበለ ነጊሩካ ኣሎ።
የሆዋስ ካባኻ እንታይ እዩ ዚደሊ፧
9 ድምጺ የሆዋ ንኸተማ ይጽውዓ፣
እቶም ግብራዊ ጥበብ ዘለዎም ንስምካ ኺፈርሁ እዮም።
ነቲ በትርን ነቲ ዘዳለዎን ኣቕልቡሉ።+
11 ብዘይቅኑዕ ሚዛንን ብኸረጺት መታለሊ እምኒ መምዘንንዶ
ብስነ ምግባር ንጹህ ክኸውን እኽእል እየ፧+
13 “ስለዚ፡ ወቒዐ ከቝስለካ፡+
ብሰሪ ሓጢኣትካ ኸባድመካ እየ።
14 ክትበልዕ፡ ግናኸ ኣይክትጸግብን ኢኻ፣
ውሽጥኻ ባዶ ኪኸውን እዩ።+
ነቲ እትኣልዮ፡ ኣይክትዓቝሮን ኢኻ፣
ነቲ እትዓቝሮ ኸኣ፡ ንሰይፊ ኽህቦ እየ።
15 ክትዘርእ፡ ግናኸ ኣይክትዓጽድን ኢኻ።
ኣውልዕ ክትረግጽ፡ ግናኸ ዘይቱ ኣይክትጥቀመሉን ኢኻ፣
ጕዕሽ ወይኒ ኽትገብር፡ ግናኸ ወይኒ ኣይክትሰትን ኢኻ።+
16 ንስኻትኩምሲ ሕጊ ዖምሪን ኵሉ ግብሪ ቤት ኣከኣብን ትሕልዉ፡+
ከም ምኽሮም ከኣ ትመላለሱ ኢኹም።