10 ምስላታት ሰሎሞን።+
ጥበበኛ ወዲ ንኣቦኡ የሐጕሶ፣+
ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ።
2 ብእከይ እተረኽበ መዛግብቲ ኣይጠቅምን፣
ጽድቂ ግና ካብ ሞት ተናግፍ።+
3 የሆዋ ንጻድቕ ኪጠሚ ኣይሓድጎን፣+
ንእኩያት ግና ዚሃርፍዎ ይኸልኦም።
4 ህኩያት ኣእዳው የድክያ፣+
ትጉሃት ኣእዳው ግና የሀብትማ።+
5 ልቦና ዘለዎ ወዲ ብሓጋይ እኽሊ ይእክብ፣
ዜሕፍር ወዲ ግና ብቐውዒ በጥ ኢሉ ይድቅስ።+
6 በረኸት ኣብ ርእሲ ጻድቕ እዩ፣+
ኣፍ እኩያት ግና ዓመጻ ይሓብእ።
7 መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ፣+
ስም እኩያት ግና ይምሽምሽ።+
8 ጥበበኛ ዝልቡ ትምህርትታት ይቕበል፣+
ብዕሽነት ዚዛረብ ግና ይርገጽ።+
9 ብንጽህና ዚመላለስ ብደሓን ይመላለስ፣+
መገድታቱ ቔናን ዚገብር ግና ይፍለጥ።+
10 ብኽፍኣት ዓይኑ ዚጸቅጥ ጓሂ የምጽእ፣+
ብዕሽነት ዚዛረብ ከኣ ይርገጽ።+
11 ኣፍ ጻድቕ ምንጪ ህይወት እዩ፣+
ኣፍ እኩያት ግና ዓመጻ ይሓብእ።+
12 ጽልኢ፡ ባእሲ የለዓዕል፣
ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኸድኖ።+
13 ጥበብ ኣብ ከናፍር ኣስተውዓሊ ይርከብ፣+
ሻቦጥ ግና ንዝባን ልቢ ዘይብሉ እዩ።+
14 ጥበበኛታት ፍልጠት ይዓቝሩ፣+
ኣፍ ዓሻ ግና ጥፍኣት ይዕድም።+
15 ንሃብታምሲ ሃብቱ እተዓርደ ኸተማኡ እዩ።
ንድኻ ድኽነቱ ጥፍኣቱ እዩ።+
16 ተግባር ጻድቕ ናብ ህይወት ይመርሕ፣
ፍርያት እኩይ ግና ናብ ሓጢኣት ይመርሕ።+
17 ተግሳጽ ዚሰምዕ፡ መገዲ ህይወት እዩ፣
መግናሕቲ ዕሽሽ ዚብል ግና፡ የስሕት።
18 ጽልኡ ዚሓብእ፡ ሓሶት ይዛረብ፣+
ክፉእ ወረ ዚዝርግሕ ድማ፡ ዓሻ እዩ።
19 ኣብ ብዙሕ ዘረባ፡ ኣበሳ ኣይሰኣንን፣+
ከናፍሩ ዚቈጻጸር ግና፡ ኣስተውዓሊ እዩ።+
20 ልሳን ጻድቕ ከም ብሉጽ ብሩር እዩ፣+
ልቢ እኩይ ግና ዳርጋ ዋጋ የብሉን።
21 ከናፍር ጻድቕ ንብዙሓት ይዕንግላ፣+
ዓያሹ ግና ሰኣን ልቢ ይሞቱ።+
22 በረኸት የሆዋ የሀብትም፣+
ስቓይ እውን ኣይውስኸሉን።
23 ንዓሻስ ዜሕፍር ነገር ምግባር ከም ጸወታ እዩ፣
ጥበብ ግና ንኣስተውዓሊ ሰብ እያ።+
24 ንእኩይ እቲ ዚፈርሆ ይመጾ፣
ንጻድቃን ግና እተመነይዎ ይውሃቦም።+
25 ህቦብላ ምስ ዚሓልፍ፡ እኩይ ኣይህሉን፣+
ጻድቕ ግና ንዘለኣለም መሰረት እዩ።+
26 ከም መጺጽ ንስኒ፡ ከም ትኪ ንኣዒንቲ፡
ሃካይ ንለኣኺኡ ኸምኡ እዩ።
27 ፍርሃት የሆዋ ህይወት የንውሕ፣+
ዓመታት እኩያት ግና ኪሓጽራ እየን።+
28 ትጽቢት ጻድቃን ሓጐስ የምጽእ፣+
ተስፋ እኩያት ግና ኪጠፍእ እዩ።+
29 መገዲ የሆዋ፡ መንቅብ ንዘይብሉ ዕርዱ እያ፣+
ንገበርቲ እከይ ግና ጥፍኣቶም እያ።+
30 ጻድቕ ከቶ ኣይወድቕን፣+
እኩያት ግና ኣብ ምድሪ ኣይነብሩን።+
31 ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የፍሪ፣
ቄናን ልሳን ግና ትምንቈስ።
32 ከናፍር ጻድቕ ባህ ዜብል ይፈልጣ፣
ኣፍ እኩያት ግና ቄናን እዩ።