1 ነገስት
17 ሓደ ኻብቶም ነበርቲ ጊልዓድ+ ዝነበረ ኤልያስ*+ ቲሽባዊ ንኣከኣብ፡ “ከምቲ እቲ ኣነ ዘገልግሎ* የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ህያው ዝዀነ፡ በዘን ዓመታት እዚአን ብቓለይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣውሊ ዀነ ዝናም ኣይኪኸውንን እዩ” በሎ።+
2 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ መጾ፦ 3 “ካብዚ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ፡ ኣብቲ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዘሎ ስንጭሮ* ከሪት ተሓባእ። 4 ካብቲ ርባ ስተ፣ ኣብኡ ኺምግቡኻ ኸኣ ንኳዃት ክእዝዞም እየ።”+ 5 ብኡብኡ፡ ከይዱ ኸም ቃል የሆዋ ገበረ፣ ከይዱ ድማ ኣብቲ ኣብ ምብራቕ ዮርዳኖስ ዘሎ ስንጭሮ* ከሪት ተቐመጠ። 6 እቶም ኳዃት ከኣ ንግሆ እንጌራን ስጋን፡ ምሸት እውን እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ፣ ካብቲ ርባ ድማ ይሰቲ ነበረ።+ 7 ኣብታ ምድሪ ዝናም ስለ ዘይዘነመ ግና፡ ድሕሪ እተወሰነ መዓልትታት እቲ ርባ ነጸፈ።+
8 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸኣ መጾ፦ 9 “ተንስእ እሞ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶን ኪድ፡ ኣብኣ እውን ተቐመጥ። እንሆ፡ ኣብኣ ሓንቲ መበለት ክትምግበካ ኽእዝዝ እየ።”+ 10 ተንሲኡ ድማ ናብ ሰራጵታ ኸደ። ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ መጸ ኸኣ፡ ሓንቲ መበለት ዕንጨይቲ ትኣሪ ነበረት። ንዓኣ ጸዊዑ ድማ፡ “በጃኺ ዝሰትዮ ሒደት ማይ ብኣቕሓ ጌርኪ ኣምጽእለይ” በላ።+ 11 ከተምጽእ ኢላ ኽትከይድ ከላ ኸኣ፡ ጸዊዑ፡ “በጃኺ ብኢድኪ ቝራስ እንጌራ ኣምጽእለይ” በላ። 12 ንሳ ድማ፡ “ከምቲ የሆዋ ኣምላኽካ ህያው ዝዀነ፡ ብዘይካ ዕማዅ ሓርጭ ኣብ ዕትሮ፡ ሒደት ዘይቲ ኸኣ ኣብ መቐርሰሚቶ፡ እንጌራ የብለይን።+ ሕጂ ድማ ሒደት ዕንጨይቲ እኣሪ ኣለኹ፣ ኣትየ ኸኣ ንዓይን ንወደይን ገለ ኽገብር እየ። በሊዕናዮ ድማ ክንመውት ኢና” በለት።
13 ኤልያስ ከኣ ከምዚ በላ፦ “ኣይትፍርሂ። ኪዲ እሞ ኸምቲ ዝበልክዮ ግበሪ። ቅድም ግና ካብኡ ንዓይ ንእሽቶ ቕጫ ጌርኪ ኣምጽእለይ። ድሕሪኡ፡ ንዓኽን ንወድኽን ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። 14 የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ኸምዚ ይብል፦ ‘ክሳዕ እታ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዝናም ዜዝንመላ መዓልቲ፡ እቲ ሓርጭ ካብቲ ዕትሮ ኣይኪውዳእን፡ እቲ ዘይቲ እውን ካብቲ መቐርሰሚቶ ኣይኪሕንኰዅን እዩ።’”+ 15 ከይዳ ድማ ከምቲ ኤልያስ ዝበላ ገበረት፣ ንሳን ንሱን ቤተ ሰባን ከኣ ንብዙሕ መዓልትታት በልዑ።+ 16 ከምቲ የሆዋ ብኤልያስ እተዛረቦ ቓል ድማ፡ እቲ ሓርጭ ካብቲ ዕትሮ ኣይተወድአን፡ እቲ ዘይቲ እውን ካብቲ መቐርሰሚቶ ኣይተሓንኰዀን።
17 ድሕሪ እዚ ነገር እዚ፡ ወዲ እታ ብዓልቲ እታ ቤት ዝዀነት ሰበይቲ ሓመመ፣ ሕማሙ ኣዝዩ ስለ ዝበርትዖ ኸኣ፡ ትንፋሱ ሓለፈት።+ 18 ሽዑ፡ ንሳ ንኤልያስ፡ “ኦ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣንጻረይ እንታይ ኣሎካ፧* በደለይ ከተዘክረኒ፡ ወደይ እውን ክትቀትል ዲኻ መጺእካ፧” በለቶ።+ 19 ንሱ ግና፡ “ወድኺ ሃብኒ” በላ። ካብ ሕቝፋ ወሲዱ ድማ፡ ናብታ ዚነብረላ ደርቢ ኣደዪቡ፡ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ።+ 20 ሽዑ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡+ ነዛ ኣነ ምስኣ ዝነብር ዘለኹ መበለት ወዳ ብምቕታልዶ ትጐድኣ ኣለኻ፧” ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ። 21 ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሳዕ ተዘርጊሑ ድማ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ህይወት* እዚ ቘልዓ እዚ ናብኡ ምለሳ” ኢሉ ናብ የሆዋ ተማህለለ። 22 የሆዋ ኸኣ ልማኖ ኤልያስ ሰምዐ፣+ ህይወት* እቲ ቘልዓ ድማ ናብኡ ተመልሰት እሞ ህያው ኰነ።+ 23 ኤልያስ ከኣ ነቲ ቘልዓ ወሲዱ፡ ካብቲ ደርቢ ናብታ ቤት ኣውሪዱ፡ ንኣዲኡ ሃባ። ኤልያስ ድማ፡ “ርኣዪ፡ ወድኺ ህያው ኰይኑ” በላ።+ 24 ሽዑ፡ እታ ሰበይቲ ንኤልያስ፡ “ንስኻ ብሓቂ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዝዀንካ፡+ ቃል የሆዋ ድማ ኣብ ኣፍካ ሓቂ ኸም ዝዀነ፡ ሕጂ ፈሊጠ” በለቶ።