ዘፍጥረት
21 የሆዋ ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ ቘላሕታ ገበረላ፣ የሆዋ ኸኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ።+ 2 ሳራ ድማ ጠነሰት፡+ በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ግዜ ኸኣ፡ ንኣብርሃም ኣብ እርጋኑ ወዲ ወለደትሉ።+ 3 ኣብርሃም ድማ ነቲ ሳራ ዝወለደትሉ ወዱ፡ ይስሃቅ ኢሉ ሰመዮ።+ 4 ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ፡ ወዲ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ገዘሮ።+ 5 ኣብርሃም ድማ ወዱ ይስሃቅ ኪውለደሉ ኸሎ፡ ወዲ 100 ዓመት ኰይኑ ነበረ። 6 ሳራ ኸኣ፡ “ኣምላኽ ኣስሒቑኒ፣ እዚ ዝሰምዐ ዘበለ ዅሉ ምሳይ ኪስሕቕ* እዩ” በለት። 7 ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “‘ሳራ ብርግጽ ቈልዓ ኸተጥቡ እያ’ ኢሉ ንኣብርሃም መን ምነገሮ፧ እንሆ ግና፡ ኣብ እርጋኑ ወዲ ወሊደሉ ኣለኹ” በለት።
8 እቲ ውሉድ ከኣ ዓበየ፡ ጡብ እውን ሓደገ፣ በታ ይስሃቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ፡ ኣብርሃም ዓብዪ ድግስ ገበረ። 9 ሳራ ኸኣ እቲ ኣጋር+ እታ ግብጻዊት ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ ንይስሃቅ ኬላግጸሉ ረኣየት።+ 10 ስለዚ፡ ንኣብርሃም፡ “ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወደይ ይስሃቅ ኣይኪወርስን እዩ እሞ፡ ነዛ ባርያ እዚኣን ንወዳን ስጐጎም” በለቶ።+ 11 ኣብርሃም ግና፡ እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝበለቶ ነገር ብዙሕ ኣጕሃዮ።+ 12 ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ “በቲ ሳራ ብዛዕባ እዚ ወድን ብዛዕባ እዛ ባርያኻን እትብለካ ዘላ ኣይትጕሀ። ብይስሃቅ እዩ ዘርእኻ ዚጽዋዕ እሞ፡+ ቃላ ስማዕ። 13 ንወዲ እዛ ባርያ ኸኣ፡+ ዘርእኻ ስለ ዝዀነ፡ ህዝቢ ኽገብሮ እየ” በሎ።+
14 ኣብርሃም ድማ ኣንጊሁ ተንስአ፡ እንጌራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ ኸኣ ንኣጋር ሃባ። ኣብ መንኵባ ኣሰኪሙ ድማ፡ ምስቲ ወዲ ብሓባር ገይሩ ሰደዳ።+ ንሳ ኸኣ ከይዳ፡ ኣብ በረኻ ብኤር-ሸባዕ ኰለል ትብል ነበረት።+ 15 እቲ ኣብቲ ሓርቢ ዝነበረ ማይ ድማ ተወድአ፣ ንሳ ኸኣ ነቲ ወዲ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኻብቲ ቘጥቋጣት ደርበየቶ። 16 “ሞት እዚ ወዲ ኸይርኢ” ኢላ ድማ ከደት እሞ ምውርዋር ቀስቲ ዚኣክል ርሒቓ በይና ተቐመጠት። ርሕቕ ኢላ ተቐሚጣ ኸኣ፡ ዓው ኢላ ኽትበኪ ጀመረት።
17 ኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ወዲ ሰምዐ፣+ መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ንኣጋር ካብ ሰማያት ጸዊዑ፡+ “ኣጋር፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ወዲ ኣብታ ዘለዋ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። 18 ነቲ ወዲ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ፡+ ተንስኢ፡ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ሓዝዮ” በላ። 19 ሽዑ፡ ኣምላኽ ኣዒንታ ኸፈተላ እሞ ዒላ ማይ ረኣየት፣ ከይዳ ኸኣ ነቲ ሓርቢ ማይ መሊኣ ነቲ ወዲ ኣስተየቶ። 20 እቲ ወዲ ኺዓቢ ኸሎ ድማ፡ ኣምላኽ ምስኡ ነበረ።+ ኣብ በረኻ ኸኣ ተቐመጠ፡ ቀስተኛ እውን ኰነ። 21 ኣብ በረኻ ጳራን+ ድማ ይቕመጥ ነበረ፣ ኣዲኡ ኸኣ ካብ ምድሪ ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉ።
22 በቲ ግዜ እቲ፡ ኣቢሜሌክ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱ መጺኡ ንኣብርሃም፡ “ኣብ እትገብሮ ዘበለ ዅሉ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ።+ 23 ሕጂ ኸኣ ንዓይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ከይትጠልም፡ ንዓይን ነዛ እትነብረላ ዘለኻ ምድርን፡ ከምቲ ኣነ ብተኣማንነት ዘፍቀርኩኻ፡ ከምኡ ኽትገብር ብኣምላኽ ምሓለለይ” በሎ።+ 24 ኣብርሃም ድማ፡ “ኣነ እምሕል” በለ።
25 ኣብርሃም ግና ብዛዕባ እታ ገላዉ ኣቢሜሌክ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዒላ ማይ ንኣቢሜሌክ ወቐሶ።+ 26 ኣቢሜሌክ ከኣ፡ “ነዚ ነገር እዚ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፣ ንስኻ ድማ ብዛዕባኡ ኣይነገርካንን፣ ኣነ እውን ክሳዕ ሎሚ ብዛዕባኡ ገለ እኳ ኣይሰማዕኩን” ኢሉ መለሰ። 27 ኣብርሃም ድማ፡ ኣባጊዕን ከብትን ወሲዱ ንኣቢሜሌክ ሃቦ፣ ክልቲኦም ከኣ ኪዳን ተኣታተዉ። 28 ኣብርሃም ካብተን መጓሰኡ ሸውዓተ ሽበን* ምስ ፈለየ፡ 29 ኣቢሜሌክ ንኣብርሃም፡ “ስለምንታይ ኢኻ ነዘን ሸውዓተ ሽበን ንበይነን ዝፈለኻየን፧” በሎ። 30 ንሱ ድማ፡ “ነዛ ዒላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝዀዓትክዋ ምስክር ምእንቲ ኪዀና፡ እዘን ሸውዓተ ሽበን እዚአን ካብ ኢደይ ተቐበል” በለ። 31 ስለዚ፡ ክልቲኦም ኣብኣ ስለ እተማሓሓሉ፡ እታ ቦታ እቲኣ ብኤር-ሸባዕ* ተባህለት።+ 32 ኣብ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ኪዳን ተኣታተዉ፣+ ድሕሪኡ ድማ፡ ኣቢሜሌክ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱ ተንስአ፣ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን እውን ተመልሱ።+ 33 ድሕርዚ፡ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ኦም ዕቦል ተኸለ፣ ኣብኡ ኸኣ ስም የሆዋ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ+ ጸውዐ።+ 34 ኣብርሃም ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ነዊሕ ግዜ* ተቐመጠ።*+