ህዝቅኤል
25 ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸም ብሓድሽ መጸኒ፦ 2 “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ዓሞናውያን+ ኣቢልካ ምለስ እሞ ኣንጻሮም ተነበ።+ 3 ብዛዕባ ዓሞናውያን ከምዚ በል፦ ‘ቃል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ስምዑ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “መቕደሰይ ምስ ረኸሰት፡ ምድሪ እስራኤል ከኣ ምስ ባደመት፡ ቤት ይሁዳ ድማ ናብ ምርኮ ምስ ከዱ፡ ‘ኣሰይ!’ ኢልኪ ኢኺ እሞ፡ 4 ስለዚ፡ ንደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ እህበኪ ኣለኹ። ሰፈራቶም* ኣብ ውሽጥኺ ኺሰርሑ፡ ድንኳናቶም ድማ ኣብ መንጎኺ ኺተኽሉ እዮም። ፍረኺ ኺበልዑ፡ ጸባኺ እውን ኪሰትዩ እዮም። 5 ንራባ+ መጓሰዪ ኣግማል፡ ንምድሪ ዓሞናውያን ከኣ መዕረፊ መጓሰ ኽገብር እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።”’”
6 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋስ ከምዚ ይብል፦ ‘ብኣእዳውካ ስለ ዘጣቓዕካ፡+ ብኣእጋርካ ድማ ዲጕዲጕ ስለ ዘበልካ፡ ብምድሪ እስራኤል እውን ብኸምዚ ዝበለ ፍጹም ንዕቀት ስለ እተሓጐስካ፡*+ 7 ስለዚ፡ ንኣህዛብ ዘመተ ገይረ ኽህበካስ ኢደይ ናባኻ ኽዝርግሕ እየ። ካብ ህዝብታት ክምንቍሰካ፡ ካብ ሃገራት እውን ከጥፍኣካ እየ።+ ከጽንተካ እየ፣ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጥ ኢኻ።’
8 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ሞኣብን+ ሰዒርን፡+ “እንሆ፡ ቤት ይሁዳ ኸም ኵሎም ኣህዛብ እዮም” ስለ ዝበሉ፡ 9 ጐድኒ* ሞኣብ፡ እተን ጽባቐ* ምድሩ ዝዀና ኣብ ወሰኑ ዘለዋ ኸተማታት፡ ማለት ቤት-የሺሞት፡ በዓል-ሜዖን፡ ክሳብ ቂርያታዪም+ ከቃልዕ እየ። 10 ንዕኡ ምስ ዓሞናውያን ብሓንሳእ ንደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽህቦም እየ፣+ ስለዚ፡ ዓሞናውያን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣይኪዝከሩን እዮም።+ 11 ኣብ ሞኣብ ድማ ፍርዲ ኽፍጽም እየ፣+ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።’
12 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ኤዶም ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ሕነ ፈድዩ እዩ፣ ሕነ ብምፍዳዩ ኸኣ ዓብዪ በደል በዲሉ ኣሎ፣+ 13 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፡ ሰብን ማልን ድማ ካብኣ ኽምንቍስ እየ፣ ከባድማ እውን እየ።+ ካብ ቴማን ክሳብ ዴዳን፡ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም።+ 14 ‘ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ ኣብ ኤዶም ሕነ ኽፈዲ እየ።+ ንሳቶም ሕነይ ምእንቲ ኺፈልጡስ፡ ቍጥዓይን ነድረይን ኣብ ኤዶም ኬምጽኡ እዮም’+ ይብል እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ።”’
15 “እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብሰንኪ እቲ ዘየቋርጽ ጽልኦም፡ ፍልስጥኤማውያን ብኽፍኣት* ሕነ ኺፈድዩን ኬጥፍኡን ደልዮም እዮም።+ 16 ስለዚ፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “እንሆ፡ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን+ እዝርግሕ ኣለኹ፣ ንክረታውያን+ ከኣ ክምንቍሶም እየ፡ ንዝተረፉ ነበርቲ እቲ ገምገም ባሕሪ+ እውን ከጥፍኦም እየ። 17 ብብርቱዕ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊኦም ዓብዪ ሕነ ኽፈዲ እየ፣ ኣባታቶም ሕነይ ምስ ፈደኹ ኸኣ፡ ኣነ የሆዋ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።”’”