ምሳሌ
1 ምስላታት ሰሎሞን፡+ ወዲ ዳዊት፡+ ንጉስ እስራኤል፦+
ጥበባዊ ቓላት ንምርዳእ፡
ንጐበዝ ፍልጠትን ምምዝዛንን+ ንምሃብ እዩ።
ጥበብን ተግሳጽን ዚንዕቁስ፡ ዓያሹ ጥራይ እዮም።+
10 ወደየ፡ ሓጥኣን ኪሓብሉኻ እንተ ፈቲኖም፡ ሕራይ ኣይትበሎም።+
11 ንሳቶም፡ “ምሳና ንዓናይ።
ደም ከነፍስስሲ ነድቢ።
ንንጹሃት ግዳያት ብዘይ ምኽንያት ተሓቢእና ኽንጻናተዎም ኢና።
13 ኵሉ ኽቡር መዛግብቶም ንውሰድ፣
ኣባይትና ኸኣ ብምርኮ ኽንመልኦ ኢና።
17 ዑፍ ኣጸቢቓ እትርእዮ መርበብ ምዝርጋሕሲ ብርግጽ ከንቱ እዩ።
19 መገድታት እቶም ረብሓ ሸፈጥ ዚደልዩ ኸምኡ እዩ።
20 ናይ ሓቂ ጥበብ+ ኣብ ጐደና ትጭድር ኣላ።+
ኣብ ኣደባባያት ከኣ ድምጻ ዓው ተብል ኣላ።+
21 ኣብ ኵርናዕ* ብዙሓት ዚውሕዙሉ ጐደናታት ኰይና ትጽውዕ።
ኣብ መእተዊታት ኣፍ ደገታት ከተማ ዀይና ኸምዚ ትብል፦+
22 “ኣቱም ዘይለበምኩም፡ ክሳዕ መዓስ ኢኹም ዘይልብምና ኽትፈትዉ፧
ኣቱም መላገጽቲ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኹም ብላግጺ ባህ ኪብለኩም፧
ኣቱም ዓያሹ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኹም ፍልጠት ክትጸልኡ፧+
ኣነ ኸኣ መንፈሰይ ከፍስሰልኩም እየ፣
ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ።+
24 ጸዊዐስ ኣቢኹም፣
ኢደይ ዘርጊሐ ድማ፡ ሓደ እኳ ኣየቕለበን።+
25 ኵሉ ምኽረይ ዕሽሽ ኢልኩምዎ፡
መግናሕተይ እውን ኣይተቐበልኩምዎን።
26 ኣነ ኸኣ፡ መዓት ምስ ረኸበኩም፡ ክስሕቕ እየ፣
እቲ እትፈርህዎ ምስ መጸ፡ ከላግጸልኩም እየ፣+
27 እወ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ምስ መጸ፡
መዓትኩም ከም ብርቱዕ ንፋስ ምስ በጽሓኩም፡
ጭንቅን ሽግርን ድማ ምስ ወረደኩም፡ ከምኡ ኽገብር እየ።
28 ሽዑ፡ ኪጽውዑኒ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክምልስን እየ፣
ተሃንጥዮም ኪደልዩኒ እዮም፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም፣+
29 ከመይሲ፡ ፍልጠት ጸሊኦም እዮም፣+
ንየሆዋ ምፍራህ ከኣ ኣይሓረዩን።+
30 ምኽረይ ኣብዮም፡
መግናሕተይ ድማ ንዒቖም እዮም።
32 ንዘይለበሙስ ፋሉልነቶም ኪቐትሎም እዩ፣
ንዓያሹ ድማ ሸለልትነቶም ኬጥፍኦም እዩ።