ኢሳይያስ
29 “ኣቲ ኣርኤል፡* ኣቲ ዳዊት ዝሰፈረኪ+ ኸተማ ኣርኤል፡ ወይለኺ!
ዓመት ዓመት ቀጽሉ፣
እቲ ዑደት በዓላት+ ይቐጽል።
4 ክትዋረዲ ኢኺ፣
ካብ ምድሪ ኽትዛረቢ፡
እቲ እትብልዮ ድማ ብሓመድ ኪዕበስ እዩ።
ብቕጽበትን ብሃንደበትን እውን ኪኸውን እዩ።+
7 ሽዑ፡ ጭፍራ እቶም ምስ ኣርኤል ዚዋግኡ ዅሎም ኣህዛብ፡+
—ኵሎም እቶም ምስኣ ዚዋግኡን
እቲ ኣንጻራ እተገብረ ዕርዲ ኸበባን
እቶም ዜጨንቕዋን፡—
ከም ሕልሚ፡ ከም ራእይ ለይቲ ኪዀኑ እዮም።
እቶም ምስ ከረን ጽዮን ዚዋግኡ+
ጭፍራ ዅሎም ኣህዛብ እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።
ንሳቶምሲ ሰኺሮም እዮም፡ ግናኸ ብወይኒ ኣይኰኑን፣
ሰንከልከል ይብሉ ኣለዉ፡ ግናኸ ብኣልኮላዊ መስተ ኣይኰኑን።
11 ኵሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መጽሓፍ ኰይኑኩም ኣሎ።+ “በጃኻ ነዚ ዓው ኢልካ ኣንብቦ” ኢሎም ኬንብብ ንዚኽእል ምስ ዚህብዎ፡ “ሕቱም እዩ እሞ፡ ኣይክእልን እየ” ኺብል እዩ። 12 “በጃኻ ነዚ ኣንብቦ” ኢሎም ኬንብብ ንዘይክእል ምስ ዚህብዎ ድማ፡ “ንባብ ከቶ ኣይክእልን እየ” ኺብል እዩ።
13 የሆዋ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “እዚ ህዝቢ እዚ ብኣፉ ይቐርበኒ፡
ብኸናፍሩ እውን የኽብረኒ፣+
ልቡ ግና ካባይ ርሑቕ እዩ፣
ንዓይ ዘለዎም ፍርሃት ድማ ኣብቲ እተማህርዎ ትእዛዛት ሰብ እተመስረተ እዩ።+
14 ስለዚ፡ እቲ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድንቂ ኣብ ልዕሊ ድንቂ ብምግባር፡
ከም ብሓድሽ ዜደንቕ ነገራት ዚገብር፡ ኣነ እየ፣+
ጥበብ እቶም ጥበበኛታቶም ኪጠፍእ፡
ኣእምሮ እቶም ኣስተውዓልቶም እውን ኪሕባእ እዩ።”+
15 እቶም ውጥናቶም* ካብ የሆዋ ኺሓብኡ ብዙሕ ዚጽዕሩ ወይለኦም!+
“መን ይርእየና፧
መንከ ብዛዕባና ይፈልጥ” እናበሉ+
ተግባሮም ኣብ ጸልማት ይገብሩ።
16 ክንደይ ኰን ኢኹም ነገራት እተቕንኑ!*
ሰራሕ ካይላዶ ኸም ካይላ ጌርካ ኺርአ ይግባእ እዩ፧+
እተገብረዶ ንገባሪኡ፡
“ኣይገበረንን” ኪብሎ ይግባእ እዩ፧+
እተደኰነዶኸ ብዛዕባ ደኳኒኡ፡
“ኣይርድኦን እዩ” ኺብል ይግባእ እዩ፧+
21 እቶም ብቓል ሓሶት ንኻልኦት በደልቲ ዚገብሩ፡
ንተማጓቲ* ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ መጻወድያታት ዚገብሩሉ፡+
ብባዶ መጐተታት እውን ንጻድቕ ፍትሒ ዚኸልእዎ፡ ኪጠፍኡ እዮም።+
22 ስለዚ፡ እቲ ንኣብርሃም+ እተበጀዎ የሆዋ ንቤት ያእቆብ ከምዚ ይብላ ኣሎ፦
“ያእቆብሲ ደጊም ኣይኪሓፍርን፡
23 ንደቁ፡ ነቶም ግብሪ ኣእዳወይ፡
ኣብ ማእከሉ ምስ ረኣዮምሲ፡+
ንሳቶም ንስመይ ኪቕድሱ እዮም፣
እወ፡ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ኪቕድስዎ፡
ንኣምላኽ እስራኤል እውን ኪፈርህዎ እዮም።+
24 እቶም ብመንፈስ ፋሉላት ዝዀኑ፡ ኣእምሮ ኼጥርዩ፡
እቶም ዜማርሩ ኸኣ ትምህርቲ ኪቕበሉ እዮም።”