ኤርምያስ
51 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
3 ቀስተኛ ቐስቱ ኣይገትር።*
ሓደ እኳ ድርዒ ተኸዲኑ ኣይተንስእ።
ንኣጕባዛ ኣይትራሕርሑሎም።+
ኵሉ ሰራዊታ ኣጥፍኡ።
4 ኣብ ምድሪ ከለዳውያን ከኣ ቅቱላት፡
ኣብ ጐደናታታ እውን ውጉኣት ኪወድቁ እዮም።+
5 እስራኤልን ይሁዳንሲ ብኣምላኾም፡ ብየሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ መበለት ኣይኰኑን።+
ግናኸ፡ ምድሮም* ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ብበደል ዝመልአት እያ።
ብሰሪ ስሕተታ ኣይትጥፍኡ።
7 ባቢሎን ኣብ ኢድ የሆዋ ጽዋእ ወርቂ እያ ነይራ፣
ንዅላ ምድሪ ኣስኪራታ እያ።
8 ባቢሎን ብሃንደበት ወዲቓን ተሰባቢራን እያ።+
ዋይዋይ በሉላ!+
ምናልባት እንተ ሓወየትሲ፡ ንስቓያ በለሳን ኣምጽኡላ።”
9 “ንባቢሎን ከነሕውያ ፈቲንናስ፡ ኣይሓወየትን።
ሕደግዋ፡ ነፍሲ ወከፍና ነናብ ምድርና ንኺድ።+
ፍርዳስ ክሳብ ሰማያት በጺሑ እዩ፣
ክሳብ ደበናታት ዝምልዓሉ እዩ።+
10 የሆዋ ፍትሒ ኣውጺኡልና ኣሎ።+
ንዑ፡ ኣብ ጽዮን ግብሪ የሆዋ ኣምላኽና ነዘንቱ።”+
11 “ፍላጻታት ስሓሉ፣+ ከበብቲ ዋላቱ ኣልዕሉ።*
የሆዋ ንባቢሎን ኬዕንዋ ስለ ዝሓሰበ፡
ንመንፈስ ነገስታት ሜዶን ኣለዓዒሉ ኣሎ።+
እዝስ ሕነ የሆዋ፡ ሕነ ቤተ መቕደሱ እዩ።
ዘብዐኛታት ኣበርትዑ፡ ሓለውቲ ኣቝሙ።
ኣድብዮም ንዘለዉ ኣዳልውዎም።”
14 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ ብርእሱ* ምሒሉ ኣሎ፦
‘ከም ኣንበጣ ብዝምብዛሖም ሰባት ክመልኣኪ እየ፣
ንሳቶም ድማ ኣብ ልዕሌኺ ብዓወት ኪጭድሩ እዮም።’+
17 ኵሉ ሰብ ይዕሹን ፍልጠት ዘይብሉ ይኸውንን።
18 ናይ ሓሶት*+ እዮም፣ ዕዮ ላግጺ እውን እዮም።
መዓልቲ ምጽብጻቦም ምስ መጸት፡ ኪጠፍኡ እዮም።
ስሙ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት እዩ።”+
20 “ንስኻ በትሪ ውግአይ፡ ኣጽዋር ውግአይ ኢኻ፣
ከመይሲ፡ ብኣኻ ኣህዛብ ክሕምሽሽ እየ።
ብኣኻ መንግስትታት ከዕኑ እየ።
21 ብኣኻ ፈረስን ተወጣሒኡን ክሕምሽሽ እየ።
ብኣኻ ሰረገላን ተወጣሒኡን ክሕምሽሽ እየ።
22 ብኣኻ ሰብኣይን ሰበይትን ክሕምሽሽ እየ።
ብኣኻ ኣረጊትን ቈልዓን ክሕምሽሽ እየ።
ብኣኻ ጐበዝን ጐርዞን ክሕምሽሽ እየ።
23 ብኣኻ ጓሳን መጓሰኡን ክሕምሽሽ እየ።
ብኣኻ ሓረስታይን ዝጸመዶም እንስሳታቱን ክሕምሽሽ እየ።
ብኣኻ ሹማምንትን መኳንንትን ክሕምሽሽ እየ።
24 ንባቢሎንን ንዅሎም ነበርቲ ከለዳን፡
ስለቲ ዅሉ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ኣብ ጽዮን ዝፈጸምዎ እከይ ክፈድዮም እየ”+ ይብል የሆዋ።
“ኣንጻርካ ኢደይ ክዝርግሕ፡ ካብ ኣኻውሕ ከኣ ከንከባልለካ፡
ዝነደደ ኸረን እውን ክገብረካ እየ።”
26 “ንዘለኣለም ባድም ስለ እትኸውን፡+
ካባኻስ እምኒ መኣዝን ወይ እምኒ መሰረት ዚወስድ የልቦን” ይብል የሆዋ።
ኣብ መንጎ ኣህዛብ መለኸት ንፍሑ።
ኣንጻራ ኣህዛብ ሽሙ።*
ኣንጻራ መንግስትታት ኣራራትን+ ሚኒን ኣሽከናዝን+ ኣኽትቱ።
ኣንጻራ ኣኽታቢ መዝዙ።
ኣፍራስ ከም ጸጓራት ኣንበጣ ኣደይቡላ።
30 ጀጋኑ ባቢሎን ምውጋእ ሓዲጎም ኣለዉ።
ኣብ ዕርድታቶም ተቐሚጦም ኣለዉ።
ሓይሎም ተወዲኡ እዩ።+
ከም ኣንስቲ ዀይኖም ኣለዉ።+
ኣባይታ ብሓዊ ነዲዱ እዩ።
ተገዳማታ ተሰይሩ ኣሎ።+
31 ንንጉስ ባቢሎን ከተማኡ ብዅሉ ሸነኽ ከም እተታሕዘት ኪነግርሲ፡+
ሓደ መልእኽተኛ ነቲ ኻልእ መልእኽተኛ ኺረኽቦ፡
ሓደ ልኡኽ ድማ ነቲ ኻልእ ልኡኽ ኪረኽቦ ይጐዪ ኣሎ።
33 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤልሲ፡ ከምዚ ይብል፦
“ጓል ባቢሎን ከም ዓውዲ እያ።
ኣመና እትርገጸሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ።
ቍሩብ ጸኒሑ፡ ግዜ ቐውዒ ኺመጻ እዩ።”
ከም ጥራዩ ኣቕሓ ገይሩኒ።
ከም ዓብዪ ተመን ውሒጡኒ።+
ከብዱ ብጽቡቐይ መሊኡ።
ጸሪጉኒ።
35 ‘እቲ ኣባይን ኣብ ሰብነተይን እተገብረ ዓመጻ፡ ኣብ ባቢሎን ይውረድ!’ ትብል ነባሪት ጽዮን።+
‘ደመይ ድማ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ከለዳ ይውረድ’ ትብል የሩሳሌም።”
36 ስለዚ፡ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
ባሕራ ኸንጽፎ፡ ዒላታታ እውን ከንቅጾ እየ።+
38 ሓቢሮም ከም ሽደናት ኣናብስ ኪጓዝሙ እዮም።
ከም ኰራዅር ኣናብስ ሕኒን ኪብሉ እዮም።”
40 “ከም ገንሸላትን* ከም ደዓውልን ከም ድቤላታትን
ናብ ማሕረዲ ኸውርዶም እየ።”
እታ ውዳሰ ብዘላ ምድርስ ከመይ ኰን እያ እተታሕዘት!+
ባቢሎን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከመይ ኰን እያ መሰክሒ ዝዀነት!
42 ባሕሪ ናብ ልዕሊ ባቢሎን መጺኡ ኣሎ።
ብብዝሒ ማዕበላቱ ተኸዲና ኣላ።
43 ከተማታታ መሰክሕን ማይ ዘይብለንን ምድረ በዳን ኰይነን ኣለዋ።
ሰብ ዘይነብራን ወዲ ሰብ ዘይሓልፋን ምድሪ ዀይና ኣላ።+
ድሕሪ ደጊም ኣህዛብ ናብኡ ኣይኪውሕዙን እዮም፣
መካበብያ ባቢሎን እውን ኪወድቕ እዩ።+
45 ኣቱም ህዝበይ፡ ካብ ማእከላ ውጹ!+
ንህይወትኩም* ኢልኩም ካብቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ+ ኣምልጡ!+
46 በቲ ኣብታ ምድሪ ዚስማዕ ወረ ኣይትጃጅዉ ወይ ኣይትፍርሁ።
ብሓንቲ ዓመት ወረ ኺመጽእ፡
በታ እትቕጽል ዓመት ከኣ ካልእ ወረ ኺመጽእ እዩ፣
እወ፡ ኣብታ ምድሪ ናይ ዚህሉ ዓመጻን ኣንጻራ ናይ ዚመጽእ ገዛእን ወረ ኺውረ እዩ።
47 ስለዚ፡ እንሆ፡ ቈላሕታይ ናብቲ ቕሩጽ ምስልታት ባቢሎን ዚገብረለን
መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ።
ኵሉ ምድራ ኺሓፍር እዩ፣
ኵሎም ቅቱላታ እውን ኣብ ማእከላ ኺወድቁ እዮም።+
49 “ባቢሎን ንቕቱላት እስራኤል ጥራይ ኣይኰነትን ኣውዲቓ፣+
የግዳስ፡ ኣብ ባቢሎን ቅቱላት ኵላ ምድሪ እውን ወዲቖም እዮም።
50 ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም፡ ኪዱ፡ ደው ኣይትበሉ!+
ንየሆዋ ኻብ ርሑቕ ዘክርዎ፣
የሩሳሌም እውን ኣብ ልብኹም ትምጻእ።”+
51 “ባጫ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ ሓፊርና ኣለና።
ጓኖት ኣንጻር መቕደስ ቤት የሆዋ መጺኦም እዮም እሞ፡+
ውርደት ንገጽና ሸፊንዎ ኣሎ።”
54 “ስምዑ! ካብ ባቢሎን ኣውያት፡+
ካብ ምድሪ ከለዳውያን ከኣ ደሃይ ብርቱዕ ጥፍኣት ይስማዕ ኣሎ፣+
55 የሆዋስ ንባቢሎን የጥፍኣ ኣሎ፣
ነቲ ብርቱዕ ድምጻ ድማ ስቕ ኬብሎ እዩ፣
ማዕበሎም ከኣ ከም ብዙሕ ማያት ኪሃምም እዩ።
ደሃይ ድምጾም እውን ኪስማዕ እዩ።
57 ኣነ ኸኣ ንመሳፍንታን ንጥበበኛታታን
ንሹማምንታን ንመኳንንታን ንጀጋኑኣን ከስክሮም እየ፣+
ዘይነቕሑሉ ናይ ሓዋሩ ድቃስ ድማ ኪድቅሱ እዮም”+
ይብል እቲ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ።
58 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦
“መካበብያ ባቢሎን ገፊሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ጠሪሱ ኺፈርስ እዩ፣+
ኣፍ ደገታታ ኸኣ ነዊሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ብሓዊ ኺነድድ እዩ።
ህዝብታት ብኸንቱ ኺጽዕሩ፡
ኣህዛብ ድማ ሓዊ ንዚበልዖ ኺደኽሙ እዮም።”+
59 ነብዪ ኤርምያስ ንሰራያ ወዲ ኔርያ+ ወዲ ማህሰያ፡ ምስ ጼዴቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ራብዐይቲ ዓመት ንግስናኡ ናብ ባቢሎን ምስ ከደ ዝኣዘዞ ቓል እዚ እዩ፣ ሰራያ ኸኣ ሓላፊ ዕጥቅን ስንቅን ነበረ። 60 ኤርምያስ ድማ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዚወርድ መዓት፡ ኵለን እተን ኣንጻር ባቢሎን እተጻሕፋ ቓላት፡ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ጸሓፈን። 61 ኤርምያስ ከኣ ንሰራያ ኸምዚ በሎ፦ “ናብ ባቢሎን ምስ በጻሕካን ምስ ረኣኻያን፡ ንዅለን እዘን ቃላት እዚአን ዓው ኢልካ ኣንብበን። 62 ድሕሪኡ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ እዛ ቦታ እዚኣ ኸም እትጠፍእን ሰብ ኰነ እንስሳ ኸም ዘይነብራን ንዘለኣለም ከም እትባድምን ብዛዕባኣ ተዛሪብካ ኢኻ’ በል።+ 63 ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣንቢብካ ምስ ወዳእካ፡ እምኒ እሰረላ እሞ፡ ኣብ ማእከል ኤፍራጥስ ደርብያ። 64 ሽዑ፡ ‘ባቢሎን ብሰሪ እቲ ኣነ ዘውርደላ መዓት፡ ከምዚ ኢላ ኽትጥሕል፡ መሊሳ እውን ከቶ ኣይክትትንስእን እያ፣+ ኪደኽሙ ድማ እዮም’ በል።”+
ክሳብ እዚ፡ ቃላት ኤርምያስ እዩ።