ዘሌዋውያን
22 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 2 “ንኣሮንን ንደቁን፡ ነቲ እስራኤላውያን ንዓይ ዚቕድሱለይ ቅዱስ ነገራት+ ተጠንቂቖም ኪሕዙ* እሞ፡ ንቕዱስ ስመይ ከየርክሱ ንገሮም።+ ኣነ የሆዋ እየ። 3 ንዓታቶም ከምዚ በሎም፦ ‘ኣብ ውሉድ ወለዶኹም፡ ካብ ዘርእኹም ረኺሱ ኸሎ ናብቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዝቐደስዎ ቕዱስ ነገር ዚቐርብ ዘበለ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብ ቅድመይ ኪምንቈስ እዩ።+ ኣነ የሆዋ እየ። 4 ካብ ዘርኢ ኣሮን፡ ድዉይ+ ወይ ፈሳሲ ዚክዓዎ፡+ ክሳዕ ዚነጽህ ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ፣+ ብምዉት ሰብ* ንዝረኸሰ ዝተንከየ፡+ ወይ ዘርኡ እተኻዕዎ፡+ 5 ወይ ሓሰኽሰኽ ዚብል ርኹስ ፍጡር ዝተንከየ፡+ ወይ ብዝዀነ ምኽንያት ኬርክሶ ንዚኽእል ርኹስ ሰብ ዝተንከየ እውን ከምኡ።+ 6 እቲ ገለ ኻብዚ ዝተንከየ ሰብ* ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን፡ ካብቲ ቕዱስ ነገር ድማ ኣይብላዕ፣ ሰብነቱ ደኣ ብማይ ይተሓጸብ።+ 7 ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ንጹህ ይኸውን፣ ድሕሪኡ፡ ምግቡ እዩ እሞ፡ ካብቲ ቕዱስ ነገር ይብላዕ።+ 8 ብእኡ ምእንቲ ኸይረክስ ከኣ፡ ሕሉቕ ወይ ኣራዊት ዝበትበቶ ኣይብላዕ።+ ኣነ የሆዋ እየ።
9 “‘ብእኡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይጾሩ፡ ንዕኡ ብምርካሶም ድማ ምእንቲ ኸይሞቱ፡ ኣብ ቅድመይ ዘለዎም ግዴታ ይሓልዉ። ዝቕድሶም ኣነ የሆዋ እየ።
10 “‘ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ።+ ጓና ዝዀነ ጋሻ እቲ ኻህን ወይ ዕሱብ እውን ካብቲ ቕዱስ ነገር ኣይብላዕ። 11 ግናኸ፡ ካህን ብገንዘቡ ሰብ እንተ ዓዲጉ፡ እቲ ሰብ* እቲ ኻብኡ ይብላዕ። ኣብ ቤቱ እተወልዱ ባሮት እውን ካብቲ እንጌራኡ ይብልዑ።+ 12 ጓል ካህን ምስ ካህን ዘይኰነ* እንተ ተመርዕያ፡ ካብ ቅዱስ መባእ ኣይትብላዕ። 13 ግናኸ፡ ጓል ካህን መበለት እንተ ዀይና፡ ወይ እንተ ተፈቲሓ፡ ከምቲ ብንእስነታ ዝነበረቶ ኸኣ ውሉድ ዘይብላ ናብ ቤት ኣቦኣ እንተ ተመሊሳ፡ ካብ እንጌራ ኣቦኣ ትብላዕ፣+ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* ግና ካብኡ ኣይብላዕ።
14 “‘ሰብ ብጌጋ ኻብቲ ቕዱስ ነገር እንተ በሊዑ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሻይ ኣፍ ወሲኹ ነቲ ቕዱስ ነገር ንኻህን ይሃቦ።+ 15 ነቲ እስራኤላውያን ንየሆዋ ዝሃብዎ ቕዱስ ነገር ኣየርክስዎ።+ 16 ነቶም ህዝቢ ኻብቲ ናታቶም ቅዱስ ነገር ኪበልዑ ብምሕዳግ ከኣ መቕጻዕቲ በደሎም ኣየጹርዎም። ዝቕድሶም ኣነ የሆዋ እየ።’”
17 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 18 “ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም እስራኤላውያንን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፦ ‘ካብ ቤት እስራኤል፡ ዝዀነ ሰብ ወይ ኣብ እስራኤል ዚቕመጥ ጓና፡ መብጽዓኡ ኺፍጽም ኢሉ ወይ መስዋእቲ ፍታው+ ኪኸውን ኢሉ ንየሆዋ ዚሓርር መስዋእቲ ምስ ዜቕርብ፡+ 19 ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ፡ ካብ ከብቲ፡ ካብ ገንሸላት፡* ወይ ካብ ኣጣል ጥዑይ ተባዕታይ የቕርብ።+ 20 ተቐባልነት ኣይትረኽበሉን ኢኻ እሞ፡ ጕድለት ዘለዎ ኣይተቕርብ።+
21 “‘ሰብ መብጽዓኡ ኺፍጽም ኢሉ ወይ መስዋእቲ ፍታው ኪኸውን ኢሉ ንየሆዋ መስዋእቲ ሕብረት እንተ ኣቕሪቡ፡+ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ፡ ካብ ከብቱ ወይ ካብ ጤለ በጊዑ ጥዑይ የቕርብ። ገለ ጕድለት ኣይሃልዎ። 22 ዕዉር፡ ስቡር፡ ቍሩጽ፡ ጡብ ኣድጊ ዘለዎ፡ ሻሕራም፡ ወይ ተውሳስ ዘለዎ ንመስዋእቲ ኣይተቕርቡ። ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ንየሆዋ ኣይተቕርቡ፣ ወይ ንየሆዋ ኸምዚ ዝበለ መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣይትሰውኡ። 23 ሓደ ኻብ መሓውሩ ነዊሕ ወይ ሓጺር ዝዀነ ብዕራይ ወይ በጊዕ ንመስዋእቲ ፍታው ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም፣ ንመስዋእቲ መብጽዓ ግና ኣይቅቡልን እዩ። 24 ፍረ ነፍሱ እተጐድአ፡ ወይ እተጨፍለቐ፡ ወይ እተመልሐ፡ ወይ እተቘርጸ ንየሆዋ ኣይተቕርቡ፣ ነዞም እንስሳታት እዚኦም ኣብ ምድርኹም ኣይተቕርብዎም። 25 እዚኣቶም ኣበርን ጕድለትን ዘለዎም እዮም እሞ፡ ገለ ኻብዚኣቶም ካብ ኢድ ጓና ተቐቢልኩም እንጌራ ኣምላኽኩም ኪኸውን ኣይተቕርቡ። ቅቡላት ኣይኰኑልኩምን እዮም።’”
26 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 27 “ብተይ ወይ ዕየት ወይ ማሕስእ ምስ ተወልደ፡ ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፣+ ካብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኣትሒዙ ግና፡ መስዋእቲ፡ ማለት ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ቅቡል እዩ። 28 ላም ወይ በጊዕ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ኣይትሕረዱ።+
29 “መስዋእቲ ምስጋና ንየሆዋ ምስ እትስውኡ፡+ ተቐባልነት ከም እትረኽቡሉ ጌርኩም ሰውእዎ። 30 በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ይበላዕ። ገለ ኻብኡ ኽሳዕ ምሸት ኣይትሕደጉ።+ ኣነ የሆዋ እየ።
31 “ትእዛዛተይ ሓልዉ፡ ግበርዎ እውን።+ ኣነ የሆዋ እየ። 32 ኣብ ማእከል እስራኤላውያን ምእንቲ ክቕደስ፡+ ነቲ ቕዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ።+ ዝቕድሰኩም ኣነ የሆዋ እየ፣+ 33 ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም እውን ኣነ የሆዋ እየ።”+