12 ተግሳጽ ዚፈቱ፡ ፍልጠት ይፈቱ፣+
መግናሕቲ ዚጸልእ ግና፡ ዘይሓስብ እዩ።+
2 ሕያዋይ ሰብ ብየሆዋ ተቐባልነት ይረክብ፣
ክፉእ ንዚሓስብ ሰብ ግና ይዅንኖ።+
3 ሳላ እከይ ጸኒዑ ዚቐውም ሰብ የልቦን፣+
ጻድቃን ግና ከቶ ኣይኪምሓዉን እዮም።
4 ክኢላ ሰበይቲ፡ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፣+
ዜሕፍር ዝግብራ ሰበይቲ ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ።+
5 ሓሳብ ጻድቃን ቅኑዕ እዩ፣
መሪሕነት እኩያት ግና መታለሊ እዩ።
6 ቃላት እኩያት ዚቐትል ድብያ እዩ፣+
ኣፍ ቅኑዓት ግና የድሕኖም።+
7 እኩያት ምስ ዚግልበጡ፡ ደጊም ኣይርከቡን፣
ቤት ጻድቃን ግና ትቐውም።+
8 ሰብ ብምስትውዓል ኣፉ ይውደስ፣+
ጠዋይ ዝልቡ ግና ይንዓቕ።+
9 ካብቲ ንርእሱ ኽብሪ ዚህብን እንጌራ ዘይብሉንሲ፡
ትሑትን ሓደ ጊልያ ዘለዎን ይሓይሽ።+
10 ጻድቕ ንእንስሳኡ ይከናኸኖ፣+
እኩያት ግና ምሕረቶም እኳ ጨካን እዩ።
11 ምድሩ ዚሓርስ፡ እንጌራ ይጸግብ፣+
ከንቱነት ዚስዕብ ግና ልቢ የብሉን።
12 እኩይ በቲ ኻልኦት እኩያት ዝሓዝዎ ይቐንእ፣
ሱር ጻድቃን ግና ፍረ ይፈሪ።
13 ክፉእ ብሓጥእ ዘረባኡ ይፍንጠር፣+
ጻድቕ ግና ካብ ጭንቂ የምልጥ።
14 ሰብ ብፍረ ዘረባኡ ሰናይ ይጸግብ፣+
ተግባር ኣእዳዉ ኸኣ ዓስቢ ይህቦ።
15 ንዓሻስ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፣+
ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይቕበል።+
16 ዓሻ ብኡብኡ ሕርቃኑ የርኢ፣+
ጐራሕ ግና ንጸርፊ ዕሽሽ ይብሎ።
17 ብተኣማንነት ዚምስክር፡ ሓቂ ይነግር፣
ሓሳዊ ምስክር ግና ዜታልል ነገር ይዛረብ።
18 ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ፣
ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ።+
19 ሓቀኛ ኸንፈር ንዘለኣለም ትነብር፣+
ሓሳዊት ልሳን ግና ንቕጽበት ጥራይ ትጸንሕ።+
20 ኣብ ልቢ እቶም ክፍኣት ዚሓስቡ ምትላል ኣሎ፣
እቶም ሰላም ዜስፍኑ ግና ሓጐስ ኣለዎም።+
21 ንጻድቕ ዋላ ሓደ ጕድኣት ኣይረኽቦን፣+
እኩያት ግና መዓት መሊእዎም እዩ።+
22 ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ የሆዋ ፍንፉናት እየን፣+
ብተኣማንነት ተግባሮም ዚገብሩ ግና፡ ባህ የብልዎ።
23 ጐራሕ ሰብ ዚፈልጦ ይሓብእ፣
ልቢ ዓያሹ ግና ዕሽነት ይድርጕሕ።+
24 ኢድ ትጉሃት ትገዝእ፣+
ኣእዳው ሃካያት ግና ብግዲ ይሽቅላ።+
25 ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ፣+
ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ።+
26 ጻድቕ መጓሰዪኡ ይምርምር፣
ንእኩያት ግና መገዶም ተጋግዮም።
27 ሃካይ ነቲ ዚሃድኖ ኣይጐይዮን፣+
ትግሃት ግና ንሰብ ክቡር መዝገቡ እዩ።
28 መገዲ ጽድቂ ናብ ህይወት ትመርሕ፣+
ኣብ መገዳ ድማ ሞት የልቦን።