13 ጥበበኛ ወዲ፡ ተግሳጽ ኣቦኡ ይቕበል፣+
መላገጺ ግና፡ መግናሕቲ ኣይሰምዕን።+
2 ሰብ ብፍረ ዘረባኡ ጽቡቕ ይበልዕ፣+
ትምኒት ጠለምቲ ግና ዓመጻ እዩ።
3 ኣፉ ዚሕሉ፡ ንህይወቱ የዕቍባ፣+
ከናፍሩ ጋህ ንዜብል ግና፡ ጥፍኣት ይረኽቦ።+
4 ሃካይ ሃረር ይብል እሞ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረክብን፣+
ትጉሃት ግና ምሉእ ብምሉእ ይጸግቡ።+
5 ጻድቕ ሓሶት ይጸልእ፣+
ተግባራት እኩያት ግና የሕፍርን የዋርድን።
6 ጽድቂ ነቲ ንጹህ ዝመገዱ ተዕቍቦ፣+
እከይ ግና ንሓጥእ የውድቖ።
7 ገለ እኳ ዘይብሉስ ንርእሱ ሃብታም ዜምስል ኣሎ፣+
ብዙሕ ሃብቲ ኸለዎ ኸኣ ንርእሱ ድኻ ዜምስል ኣሎ።
8 ሃብቲ ንህይወት ሰብ በጃ ይኸውን፣+
ድኻ ግና ዜስግኦ እኳ የብሉን።+
9 ብርሃን ጻድቃን ደሚቑ ይበርህ፣+
መብራህቲ እኩያት ግና ይጠፍእ።+
10 ድፍረት ናብ ባእሲ ጥራይ እዩ ዚመርሕ፣+
ጥበብ ግና ናይቶም ምኽሪ ዚደልዩ እያ።+
11 ብቕልጡፍ እተረኽበ ሃብቲ ይንኪ፣+
በብቝሩብ ዚእከብ ሃብቲ ግና ይውስኽ።
12 እተናውሐ ትጽቢት፡ ልቢ የሕምም፣+
እተፈጸመ ትምኒት ግና፡ ኦም ህይወት እዩ።+
13 ትምህርቲ ዚንዕቕ፡ ይቕጻዕ፣+
ትእዛዝ ዜኽብር ግና፡ ዓስቢ ይረክብ።+
14 ትምህርቲ ጥበበኛ ምንጪ ህይወት እዩ፣+
ካብ መፈንጠራታት ሞት ድማ የርሕቕ።
15 ጽቡቕ ልቦና፡ ሞገስ የውህብ፣
መገዲ ጠለምቲ ግና ከባድ እያ።
16 ጐራሕ ብፍልጠት ይገብር፣+
ዓሻ ግና ገዛእ ዕሽነቱ ይቐልዕ።+
17 እኩይ መልእኽተኛ ኣብ ሽግር ይወድቕ፣+
እሙን ልኡኽ ግና የሕዊ።+
18 ንተግሳጽ ዕሽሽ ዚብል፡ ናብ ድኽነትን ውርደትን የምርሕ፣
መአረምታ ዚቕበል ግና፡ ይኸብር።+
19 ትምኒት ምስ ተፈጸመ ንሰብ ጥዑም እዩ፣+
ዓያሹ ግና ካብ ክፉእ ምርሓቕ ይጽልኦም።+
20 ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣+
ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ።+
21 ንሓጥኣን መዓት ይስዕቦም፣+
ጻድቃን ግና ጽቡቕ ይፍደዩ።+
22 ሕያዋይ ንደቂ ደቁ የውርሶም፣
ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።+
23 ሕሩስ ግራት ድኻታት ብዙሕ ምግቢ የፍሪ፣
ሰኣን ፍትሒ ግና ኪጠፍእ ይኽእል።
24 ንሻቦጡ ዘይጥቀመላ ንወዱ ይጸልኦ፣+
እቲ ዜፍቅሮ ግና ተጊሁ ይግስጾ።+
25 ጻድቕ በሊዑ ሸውሃቱ የዕግብ፣+
ከብዲ ሓጥኣን ግና ጥራዩ እዩ።+