1 ሳሙኤል
25 ሳሙኤል+ ድማ ሞተ፣ ኵሎም እስራኤል ከኣ ኪሓዝኑሉን ኣብ ቤቱ ኣብ ራማ+ ኪቐብርዎን ተኣከቡ። ሽዑ፡ ዳዊት ተንሲኡ ናብ በረኻ ጳራን ደየበ።
2 ዕዮኡ ኣብ ቀርሜሎስ*+ ዝዀነ ሰብኣይ ኣብ ማዖን ነበረ።+ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ፣ 3,000 በጊዕን 1,000 ጤልን ነበሮ፣ ሽዑ ኸኣ ኣብ ቀርሜሎስ ኣባጊዑ ይቕምቅም ነበረ። 3 ስም እቲ ሰብኣይ ድማ ናባል፡+ ስም ሰበይቱ ኸኣ ኣቢጋይል ነበረ።+ እታ ሰበይቱ ድማ ኣስተውዓሊትን መልክዐኛን ነበረት፣ እቲ ሰብኣያ ግና ጨካን፡ ግብሩ እውን ክፉእ ነበረ፣+ ካሌባዊ ኸኣ ነበረ።+ 4 ዳዊት ድማ፡ ናባል ኣባጊዑ ይቕምቅም ከም ዘሎ፡ ኣብ በረኻ ኸሎ ሰምዐ። 5 ሽዑ፡ ዳዊት ዓሰርተ ኣጕባዝ ለኣኸሉ። ዳዊት ከኣ ነቶም ኣጕባዝ ከምዚ በሎም፦ “ናብ ቀርሜሎስ ደይቡ፡ ናብ ናባል ምስ መጻእኩም ድማ፡ ብዛዕባ ድሕንነቱ ብስመይ ሕተትዎ። 6 ከምዚ ድማ በልዎ፦ ‘ዕድመ ይሃብካ፡ ንዓኻ ሰላም ይኹን፡ ንቤትካ ሰላም ይኹን፡ ንዘሎካ ዅሉ እውን ሰላም ይኹን። 7 ሕጂ ኣባጊዕ ትቕምቅም ከም ዘለኻ ሰሚዐ። ጓሶትካ ምሳና ኸለዉ፡ ኣይጐዳእናዮምን፣+ ኣብ ቀርሜሎስ ኣብ ዝነበሩሉ ዅሉ ግዜ ኸኣ፡ ገለ እኳ ኣይጠፍኦምን። 8 ንኣጕባዝካ ሕተቶም፡ ንሳቶም ድማ ኪነግሩኻ እዮም። ብዜሐጕስ እዋን* ስለ ዝመጻእና፡ ኣጕባዘይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ይርከቡ። በጃኻ፡ ክትህቦም እትኽእል ዘበለ ንገላዉኻን ንወድኻ ዳዊትን ሃቦም።’”+
9 ኣጕባዝ ዳዊት ከኣ ከይዶም፡ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ብስም ዳዊት ንናባል ነገርዎ። ምስ ወድኡ፡ 10 ናባል ነቶም ገላዉ ዳዊት፡ “ዳዊት መን እዩ፧ ወዲ እሴይከ መን እዩ፧ ሎምስ ከካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ገላዉ ብዙሓት እዮም።+ 11 እንጌራይን ማየይን እቲ ንቐምቀምተይ ዝሓረድክዎ ሕሩደይን ወሲደስ፡ ካበይ ከም ዝመጹ ንዘይፈልጦምዶ ኽህቦም እየ፧” ኢሉ መለሰሎም።
12 ሽዑ፡ ገላዉ ዳዊት ተመሊሶም፡ ኵሉ እዚ ዘረባ እዚ ነገርዎ። 13 ብኡብኡ፡ ዳዊት ነቶም ሰቡ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ሰሰይፍኹም ተዓጠቑ” በሎም።+ ነፍሲ ወከፎም ድማ ሰሰይፎም ተዓጥቁ፡ ዳዊት እውን ሰይፉ ተዓጥቀ፣ ኣስታት 400 ሰብኡት ከኣ ምስ ዳዊት ደየቡ፣ 200 ሰብኡት ድማ ምስ ኣቕሑ ጸንሑ።
14 ሓደ ኻብቶም ገላዉ ኸኣ ንኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ከምዚ ኢሉ ነገራ፦ “እንሆ፡ ዳዊት ካብ በረኻ ንጐይታይ ሰላም ኪብልዎ ልኡኻት ሰዲዱ ነይሩ፣ ንሱ ግና ዘሊፍዎም።+ 15 እዞም ሰባት እዚኦም ንዓና ኣዝዮም ሕያዎት እዮም ነይሮም። ኣይጐድኡናን፡ ኣብ መሮር ምሳታቶም ኣብ ዝነበርናሉ ዅሉ ግዜ ድማ ገለ እኳ ኣይጠፍኣናን።+ 16 መጓሰ ኽንጓሲ ምሳታቶም ኣብ ዝነበርናሉ ዅሉ ግዜ ኸኣ፡ ብለይትን ብመዓልትን ኣብ ዙርያና ኸም ዜዕቍብ መካበብያ እዮም ኰይኖምልና ነይሮም። 17 ሕጂ፡ ንጐይታናን ንዅላ ቤቱን መዓት ተመዲቡ ኣሎ እሞ፡+ እትገብርዮ ወስኒ፣ ንሱ ድማ ሓደ እኳ ኺዛረቦ ዘይክእል ዘይጠቅም ሰብ እዩ።”+
18 ሽዑ፡ ኣቢጋይል+ ቀልጢፋ 200 እንጌራን ክልተ ገንኢ ወይንን ሓሙሽተ እተሰናደዋ ኣባጊዕን ሓሙሽተ ስፍሪ ሴኣ* ቖሎን 100 ጎጎ ዘቢብን 200 ጎጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ጸዓነቶ።+ 19 ንገላዉኣ ኸኣ፡ “ቀቅድመይ ሕለፉ። ኣነ ድማ ክስዕበኩም እየ” በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን።
20 ኣብ ኣድጊ ተወጢሓ፡ ብኸውሊ እቲ ኸረን ክትወርድ ከላ፡ ሽዑሽዑ፡ ዳዊትን ሰቡን ናብኣ ገጾም ይመጹ ነበሩ፡ ንሳ እውን ተጓነፈቶም። 21 ዳዊት ድማ ከምዚ ኢሉ ነበረ፦ “ኵሉ እቲ ናይዚ ሰብ እዚ ዘበለ ኣብ በረኻ ንኸንቱ ሓልየሉ። ካብቲ ናቱ ዘበለ ሓንቲ እኳ ኣይጠፍአትን፣+ ንሱ ግና ኣብ ክንዲ ጽቡቕ፡ ክፉእ ፈድዩኒ።+ 22 ካብ ተባዕትዮኡ* ሓደ እኳ ኽሳዕ ንግሆ እንተ ኣትሪፈስ፡ ኣምላኽ ንጸላእቲ ዳዊት* ከምዚ ይግበሮም፡ ከምዚ እውን ይወስኮም።”
23 ኣቢጋይል ድማ ንዳዊት ምስ ረኣየቶ፡ ቀልጢፋ ኻብ ኣድጊ ወረደት፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊት እውን ብገጻ ተደፊኣ ሰገደት። 24 ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸኣ ከምዚ በለት፦ “ጐይታይ፡ እዚ ኣበሳ ኣባይ ይኹን፣ በጃኻ፡ ገረድካ ትዛረብ፡ ዘረባ ገረድካ እውን ስማዕ። 25 ጐይታይ፡ በጃኻ ነዚ ዘይጠቅም ናባል+ ኣይተቕልበሉ፡ ንሱስ ከምቲ ስሙ እዩ። ስሙ ናባል* እዩ፡ ዕሽነት ከኣ ኣለዎ። ኣነ ገረድካ ግና፡ ነቶም ዝለኣኽካዮም ኣጕባዝ ጐይታይ ኣይረኣኽዎምን። 26 ሕጂ ኸኣ ጐይታይ፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ንስኻ እውን ህያው ዝዀንካ፡* እቲ ኣብ ዕዳ ደም ካብ ምእታውን+ ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዝዓገተካ የሆዋ እዩ።+ ጸላእትኻን እቶም ንጐይታይ ኪጐድእዎ ዚደልዩን ከም ናባል ይኹኑ። 27 ሕጂ ድማ፡ እዚ ገረድካ ንጐይታይ ዘምጽኣትሉ ገጸ በረኸት እዚ፡+ ነቶም ንጐይታይ ዚስዕቡ ኣጕባዝ ይወሃብ።+ 28 ጐይታይ ውግእ የሆዋ ይዋጋእ ስለ ዘሎ፡+ ኣብ ኵሉ መዓልትታትካ እውን ኣባኻ ኽፉእ ስለ ዘይተረኽበ፡+ የሆዋ ንጐይታይ ብርግጽ ነባሪት ቤት ኪሰርሓሉ እዩ እሞ፡+ በጃኻ፡ ኣበሳ ገረድካ ሕደገላ። 29 ሓደ ሰብ ኪሰጕጐካን ህይወትካ ኺደልን ምስ ዚትንስእ፡ ህይወት* ጐይታይ ኣብ ከረጺት ህይወት* ተጠቕሊላ ምስ የሆዋ ኣምላኽካ ትተሓሎ፣ ህይወት* ጸላእትኻ ግና፡ ከም ኣእማን ብወንጭፍ ገይሩ* ይወንጭፈን። 30 የሆዋ ንጐይታይ፡ ኵሉ እቲ ዘተስፈወካ ጽቡቕ ነገር ምስ ገበረሉ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ መራሒ ገይሩ ምስ ሸመካ፡+ 31 ብዘይ ምኽንያት ደም ብምፍሳስካን ኢድ ጐይታይ ሕነ ብምፍዳያን፡ ጸጸት ወይ ጣዕሳ ኣይኪህልወካን እዩ።*+ የሆዋ ንጐይታይ ጽቡቕ ምስ ገበረሉ ድማ፡ ንገረድካ ዘክራ።”
32 ሽዑ፡ ዳዊት ንኣቢጋይል ከምዚ በላ፦ “እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትረኽብኒ ዝሰደደኪ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ይወደስ! 33 ልብምናኺ ኸኣ ይባረኽ! ንስኺ እውን ናብ ዕዳ ደም ካብ ምእታውን ብኢደይ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ስለ ዝዓገትክኒ፡+ ብርኽቲ ኹኒ። 34 ከምቲ እቲ ንዓኺ ኸይጐድኣኪ+ ዝዓገተኒ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ህያው ዝዀነ፡ ክትረኽብኒ ኢልኪ ቐልጢፍኪ እንተ ዘይትመጺ ኔርክስ፡+ ንናባል ክሳዕ ንግሆ ኻብቶም ተባዕትዮኡ* ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ።”+ 35 ሽዑ፡ ዳዊት፡ እቲ ዘምጽኣትሉ ተቐበላ፡ “ብሰላም ናብ ቤትኪ ደይቢ። ርኣዪ፡ ሰሚዐክስ፡ ከምቲ ዝለመንክዮ ሕራይ ኢለኪ ኣለኹ” ድማ በላ።
36 ኣቢጋይል ከኣ ናብ ናባል ተመልሰት፣ ንሱ ድማ ኣብ ቤቱ ኸም ድግስ ንጉስ ዝበለ ደጊሱ ነበረ። ልቢ ናባል ከኣ ተሓጒሱ ነበረ፣ ንሱ ድማ ኣዝዩ ሰኺሩ ነበረ። ንሳ ኸኣ ክሳዕ ዚነግህ ሓንቲ እኳ ኣይነገረቶን። 37 ንግሆ ናባል ስኽራኑ ምስ ወጸሉ፡ እታ ሰበይቱ እዚ ነገር እዚ ነገረቶ። ሽዑ፡ ልቡ ኸም ናይ ምዉት ሰብ ኰነ፡ ለሚሱ እውን ከም እምኒ ዀነ። 38 ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ዚኣክል ድማ፡ የሆዋ ንናባል ወቕዖ፡ ንሱ ኸኣ ሞተ።
39 ዳዊት ድማ ናባል ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፡ “ነቲ ኻብ ናባል ዝበጽሓኒ ጕዳይ ውርደተይ+ እተማጐተለይን+ ንጊልያኡ ኽፉእ ካብ ምግባር ዝሓለወንን የሆዋ ይወደስ!+ የሆዋ ኸኣ ንኽፍኣት ናባል ናብ ርእሱ መሊስዎ” በለ። ሽዑ፡ ዳዊት ንኣቢጋይል ሰበይቱ ኽትከውን ኪወስዳ ኢሉ ልኢኹ ሓተታ። 40 እቶም ገላዉ ዳዊት ድማ ናብ ኣቢጋይል ናብ ቀርሜሎስ መጺኦም፡ “ዳዊት፡ ሰበይቱ ኽትኰንዮ ኺወስደኪ ኢሉ ናባኺ ልኢኹና” በልዋ። 41 ንሳ ኸኣ ብኡብኡ ተንሲኣ፡ ብገጻ ኣብ ምድሪ ተደፍአት፡ “ገረድ ኰይነ ኣእጋር ገላዉ ጐይታይ ክሓጽብሲ+ እነኹ ግዝእትኻ” ድማ በለት። 42 ኣቢጋይል+ ከኣ ቀልጢፋ ተንሲኣ ኣድጊ ተወጥሐት፡ ሓሙሽተ ኣግራዳ ድማ ደድሕሪኣ ሰዓባ፣ ምስቶም ልኡኻት ዳዊት ከኣ ከደት፡ ሰበይቱ እውን ኰነት።