1 ነገስት
19 ኣከኣብ+ ከኣ ኵሉ እቲ ኤልያስ ዝገበሮን ንዅሎም ነብያት ብሰይፊ ኸም ዝቐተሎምን+ ንኢዛቤል+ ነገራ። 2 ሽዑ፡ ኢዛቤል ናብ ኤልያስ ልኡኽ ልኢኻ፡ “ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ንዓኻ ኸም ሓደ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረካስ፡* ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኹሉ” በለት። 3 ንሱ ድማ ፈርሀ፡ ምእንቲ ህይወቱ* ኸኣ ተንሲኡ ሃደመ።+ ናብ ብኤር-ሸባዕ+ ናይ ይሁዳ+ ድማ መጸ፣ ነቲ ጊልያኡ ኸኣ ኣብኣ ሓደጎ። 4 መገዲ መዓልቲ ናብ በረኻ ኸይዱ ድማ ናብ ትሕቲ ቘጥቋጥ ሮተም መጺኡ ኾፍ በለ። “ኦ የሆዋ፡ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ይኣኽለኒ፡ ሕጅስ ንህይወተይ* ኣጥፍኣያ”+ ኢሉ ኸኣ ኪመውት* ለመነ።
5 ኣብ ትሕቲ እቲ ቘጥቋጥ ሮተም ድማ በጥ ኢሉ ደቀሰ። ብሃንደበት ግና ሓደ መልኣኽ ተንክዩ፡+ “ተንሲእካ ብላዕ” በሎ።+ 6 ምስ ጠመተ ኸኣ፡ እንሆ ኣብ ትርኣሱ፡ ቅጫ ኣብ ርሱን ኣእማን፡ ማይ እውን ኣብ ኳዳ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ። 7 እቲ መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ካልኣይ ሳዕ ተንክዩ፡ “መገዲ ኺነውሓካ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ብላዕ” በሎ። 8 ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዐን ሰተየን፣ ብሓይሊ እቲ ብልዒ ኸኣ ክሳብ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡+ 40 መዓልትን 40 ለይትን ተጓዕዘ።
9 ኣብኡ ድማ ናብ በዓቲ ኣተወ፡+ ኣብኡ እውን ሓደረ፣ እንሆ ኸኣ፡ ቃል የሆዋ ናብኡ መጺኡ፡ “ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧” በሎ። 10 ንሱ ኸኣ፡ “ህዝቢ እስራኤል ኪዳንካ ሓዲጎም፡+ መሰውኢታትካ ኸኣ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካ እውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም እሞ፡+ ምእንቲ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ኣዝየ ቐኒአ፣+ ኣነ በይነይ ከኣ እየ ተሪፈ። ሕጂ ድማ ንህይወተይ* ኬጥፍእዋ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ።+ 11 ንሱ ኸኣ፡ “ውጻእ እሞ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ደው በል” በለ። እንሆ ድማ፡ የሆዋ ይሓልፍ ነበረ፣+ ቀቅድሚ የሆዋ ኸኣ ብርቱዕን ሓያልን ንፋስ፡ ኣኽራን ይጨድድን ኣኻውሕ ይሰብርን ነበረ፣+ የሆዋ ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ድማ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣+ የሆዋ ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይነበረን። 12 ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ሓዊ ዀነ፣+ የሆዋ ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ሓዊ ድማ ህዱእ ትሑት ደሃይ ኰነ።+ 13 ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ፣+ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። ሓደ ድምጺ ድማ፡ “ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። 14 ንሱ ኸኣ፡ “ህዝቢ እስራኤል ኪዳንካ ሓዲጎም፡+ መሰውኢታትካ ኸኣ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካ እውን ብሰይፊ ቐቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ምእንቲ የሆዋ ኣምላኽ ሰራዊት ኣዝየ ቐኒአ፣ ኣነ በይነይ ከኣ እየ ተሪፈ። ሕጂ ድማ ንህይወተይ* ኬጥፍእዋ ይደልይዋ ኣለዉ” በለ።+
15 የሆዋ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ተመሊስካ ናብ በረኻ ደማስቆ ኺድ። ኣብኡ ምስ በጻሕካ፡ ንሓዛኤል+ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኺነግስ ቅብኣዮ። 16 ንየሁ+ ወዲ ወዱ ንኒምሺ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግስ ቅብኣዮ። ንኤልሳእ* ወዲ ሻፋጥ ብዓል ኣቤል-መሖላ ኸኣ ኣብ ክንዳኻ ነብዪ ኪኸውን ቅብኣዮ።+ 17 ነቲ ኻብ ሰይፊ ሓዛኤል ዜምልጥ፡+ የሁ ኪቐትሎ እዩ፣+ ነቲ ኻብ ሰይፊ የሁ ዜምልጥ እውን፡ ኤልሳእ ኪቐትሎ እዩ።+ 18 ኣነ ድማ ኣብራኾም ንበዓል ዘይተምበርከኻሉን+ ኣፎም ዘይሰዓሞን+ ዘበሉ፡ ኣብ እስራኤል ገና 7,000 ንዓይ ኣትሪፈ ኣለኹ።”+
19 ካብኡ ኸይዱ ኸኣ ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ቀቅድሚኡ 12 ጽምዲ ብዕራይ ገይሩ ኼሕርስ ከሎ ረኸቦ፡ ንሱ እውን ምስቲ መበል 12 ጽምዲ ነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሓሊፉ ባርኖሱ+ ኣብ ልዕሊኡ ደርበየሉ። 20 ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብዑር ሓዲጉ፡ ደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፡ “በጃኻ፡ ንኣቦይን ንኣደይን ክስዕሞም። ድሕሪኡ፡ ክስዕበካ እየ” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ኪድ ተመለስ፣ እንታይዶ ገይረካ እየ፧” ኢሉ መለሰሉ። 21 ንሱ ኸኣ ተመሊሱ፡ ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ሰውኦም፣ በቲ ናውቲ ማሕረስ ገይሩ ነቲ ስጋ ኣብዑር ኣብሲሉ ድማ፡ ነቶም ህዝቢ ሃቦም፡ በልዑ እውን። ድሕሪኡ፡ ተንሲኡ ንኤልያስ ሰዓቦ፡ የገልግሎ እውን ነበረ።+