15 ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ፣+
ተሪር ቃል ግና፡ ቍጥዓ የለዓዕል።+
2 ልሳን ጥበበኛታት ንፍልጠት ጽቡቕ ገይሩ ይጥቀመሉ፣+
ኣፍ ዓያሹ ግና ዕሽነት ይድርጕሕ።
3 ኣዒንቲ የሆዋ ኣብ ኵሉ ቦታ እየን፣
ንእኩያትን ንሰናያትን ይቋመታኦም።+
4 ህድእቲ ልሳን ኦም ህይወት እያ፣+
ጠዋይ ዘረባ ግና ተስፋ የቕብጽ።
5 ዓሻ፡ ተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቕ፣+
ጐራሕ ግና መአረምታ ይቕበል።+
6 ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ ኣሎ፣
ፍርያት እኩያት ግና ጭንቂ የምጽእ።+
7 ከናፍር ጥበበኛታት ፍልጠት ይዝርግሓ፣+
ልቢ ዓያሹ ግና ከምኡ ኣይኰናን።+
8 መስዋእቲ እኩያት ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣+
ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ።+
9 የሆዋ ንመገዲ እኩይ ይፍንፍና፣+
ጽድቂ ንዚስዕብ ግና የፍቅሮ።+
10 መገዲ ንዚሓድግ፡ ተግሳጽ ሕማቕ ይመስሎ፣+
መግናሕቲ ዚጸልእ ድማ፡ ይመውት።+
11 መቓብርን ቦታ ጥፍኣትን ኣብ ቅድሚ የሆዋ እዩ።+
ልቢ ሰባት ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ኸምኡ ዘይከውን!+
12 መላገጺ መአረምታ ኣይፈቱን።+
ንጥበበኛ ድማ ኣየማኽርን።+
13 ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፣
ጓሂ ልቢ ግና መንፈስ ይሰብር።+
14 ዚርዳእ ልቢ ፍልጠት ይደሊ፣+
ኣፍ ዓያሹ ግና ዕሽነት ይምገብ።+
15 ኵለን መዓልትታት ውጹዓት ክፉኣት እየን፣+
ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ብቐጻሊ ድግስ ኣለዎ።+
16 ካብ ብዙሕ ሃብቲ ምስ ጭንቀትሲ፡+
ሒደት ምስ ፍርሃት የሆዋ ይሓይሽ።+
17 ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልእስ፡+
ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሓይሽ።+
18 ቍጡዕ ሰብ፡ ባእሲ የለዓዕል፣+
ንቝጥዓ ደንጓዪ ግና፡ ቈየቛ የህድእ።+
19 ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሾዅ እያ፣+
መገዲ ቕኑዓት ግና ከም ጥጥሕቲ ጽርግያ እያ።+
20 ጥበበኛ ወዲ ንኣቦኡ የሐጕሶ፣+
ዓሻ ሰብ ግና ንኣዲኡ ይንዕቃ።+
21 ልቢ ንዘይብሉ፡ ዕሽነት ሓጐስ እዩ፣+
ኣስተውዓሊ ሰብ ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ።+
22 ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል፣
ብብዙሓት ኣማኸርቲ ግና ዕማም ይዕመም።+
23 ሰብ ብቕኑዕ ምላሽ ይሕጐስ፣+
ብግዜኡ ዚዝረብ ቃል ድማ ክንደይ ኰን ጽቡቕ እዩ!+
24 መገዲ ህይወት ንብዓል ልቦና ናብ ላዕሊ ትመርሖ፣+
ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መቓብር እውን ተርሕቖ።+
25 የሆዋ ንቤት ዕቡያት የፍርሳ፣+
ንዶብ መበለት ግና ይሕልዎ።+
26 የሆዋ ንሓሳባት እኩይ ይፍንፍኖ፣+
ባህ ዜብል ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ።+
27 ረብሓ ሸፈጥ ዚረክብ ኣብ ቤተ ሰቡ ጭንቂ የምጽእ፣+
ጉቦ ዚጸልእ ግና ብህይወት ይነብር።+
28 ልቢ ጻድቕ ቅድሚ ምምላሱ የስተንትን፣+
ኣፍ እኩያት ግና ክፉእ ነገር ይድርጕሕ።
29 የሆዋ ኻብ እኩያት ርሑቕ እዩ፣
ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ።+
30 ብሩህ ኣዒንቲ ንልቢ የሐጕሶ፣
ጽቡቕ ወረ ኸኣ ንኣዕጽምቲ የደልድሎ።+
31 እቲ ህይወት ዚህብ መግናሕቲ ዚሰምዕ፡
ኣብ መንጎ ጥበበኛታት ይነብር።+
32 ተግሳጽ ዚኣቢ፡ ንህይወቱ ይንዕቃ፣+
መግናሕቲ ዚሰምዕ ግና፡ ልቢ የጥሪ።+
33 ፍርሃት የሆዋ፡ ስልጠና ጥበብ እዩ፣+
ቅድሚ ኽብሪ ድማ ትሕትና ኣላ።+