ራብዓይ መጽሓፍ
(መዝሙር 90-106)
ጸሎት ሙሴ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ።+
90 ኦ የሆዋ፡ ንውሉድ ወለዶ መንበሪና+ ዄንካ ኢኻ።
2 ኣኽራን ከይተወልደ፡
ምድርን ፍርያም ምድርን እውን ከይገበርካ፡+
ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ።+
3 ንመዋቲ ሰብ ናብ ሓመድ ትመልሶ፣
“ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ተመለሱ” ኸኣ ትብል።+
4 ሽሕ ዓመትሲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ኸምታ ዝሓለፈት ትማሊ፡+
ከም ሓለዋ ለይቲ እያ።
5 ትዅስትሮም፡+ ከም ድቃስ ይዀኑ፣
ንግሆ ኸኣ ከምቲ ዚበቍል ሳዕሪ እዮም።+
6 ንግሆ ይዕምብብን ይልምልምን፣
ንምሸቱ ግና ይጽምሉን ይነቅጽን።+
7 ብቝጥዓኻስ ተወዲእና፣+
ብነድርኻ እውን ተሸቢርና።
8 ስሕተትና ኣብ ቅድሜኻ ጌርካዮ፣+
ምስጢራትና ብብርሃን ገጽካ ተቓሊዑ።+
9 ብነድርኻ መዓልትታትና ይጽንቀቓ፣
ዓመታትና ድማ ከም ሕሽዅታ ይውድኣ።
10 ዕድመና 70 ዓመት፡
ኣዝዩ ብርቱዕ እንተ ተረኽበ ኸኣ 80 እዩ።+
ግናኸ፡ ሽግርን ጓህን ዝመልኦ እዩ፣
ቀልጢፉ ይሓልፍ፡ በሪርና ድማ ንኸይድ።+
11 ሓይሊ ቝጥዓኻ ኺፈልጥ ዚኽእል መን ኣሎ፧
ነድርኻ ኸምቲ ንዓኻ ዚግባእ ፍርሃት ዓብዪ እዩ።+
12 ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኸነጥርስ፡
መዓልትታትና ኸመይ ከም እንቘጽር ምሃረና።+
13 ኦ የሆዋ፡ ተመለስ!+ እዝስ ክሳዕ መዓስ ኪቕጽል እዩ፧+
ንገላዉኻ ደንግጸሎም።+
14 ኵለን መዓልትታትና እልል ክንብልን ክንሕጐስንሲ፡+
ንግሆ በቲ ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣጽግበና።+
15 ብመጠን እተን ዘጽበብካልና መዓልትታት፡+
ከም ብዝሒ እተን መዓት ዝረኣናለን ዓመታት ኣሐጕሰና።+
16 ገላዉኻ፡ ተግባርካ ይርኣዩ፣
ደቆም ድማ፡ ግርማኻ ይርኣዩ።+
17 ሞገስ የሆዋ ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፣
ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና።
እወ፡ ተግባር ኣእዳውና ኣስልጠልና።+