መክብብ
1 ቃላት እቲ ኣካቢ፡+ ወዲ ዳዊት፡ ንጉስ የሩሳሌም።+
3 ሰብ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዝጸዓረሉ
ዅሉ ጻዕሪ እንታይ ረብሓ ይረክብ፧+
6 ንፋስ ናብ ደቡብ ይኸይድ፡ ናብ ሰሜን ከኣ ይዘውር፣
ኰሊሉ ዀሊሉ ብቐጻሊ ይዘውር፣ ንፋስ ኣዘውቲሩ ይዘውር።
7 ኵሉ ወሓይዝ ናብ ባሕሪ ይውሕዝ፣ ባሕሪ ግና ኣይመልእን።+
ከም ብሓድሽ ኪውሕዝሲ፡ ናብቲ ወሓይዝ ኪውሕዝ ዝጀመረሉ ቦታ ይምለስ።+
8 ኵሉ ነገር ኣድካሚ እዩ፣
ሰብ ብዛዕባኡ ኺዛረብ እኳ ኣይክእልን።
ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትዓግብን፣
እዝኒ ድማ ብምስማዕ ኣይትመልእን።
10 “እንሆ፡ እዚ ሓድሽ እዩ” ዚብሃል ነገር ኣሎዶ፧
ድሮ ኻብ ቀደም ዝነበረ እዩ፣
ድሮ ቕድሚ ግዜና ዝነበረ እዩ።
11 ነቶም ቀዳሞት ሰባት ሓደ እኳ ኣይዝክሮምን፣
ነቶም ደሓር ዝመጹ እውን ዚዝክሮም ኣይኪህሉን እዩ፣
ንሳቶም እውን በቶም ገና ብድሕሪኡ ዚመጹ ኣይኪዝከሩን እዮም።+
12 ኣነ ኣካቢ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ነበርኩ።+ 13 ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንእተገብረ ዅሉ፡—ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪጽዕሩሉ ዝሃቦም ሕማቕ ዕዮ፡—ብጥበብ+ ከጽንዕን ክምርምርን ልበይ ኣንቀድኩ።+
15 ቄናን ኪቃናዕ ኣይከኣልን፣
ዝጐደለ እውን ኪቝጸር ኣይከኣልን።
16 ኣነ ኸኣ ብልበይ፡ “እንሆ፡ ሓለፋ እቶም ቅድመይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ፡ ዓብዪ ጥበብ ኣጥርየ፣+ ልበይ ድማ ዓብዪ ጥበብን ፍልጠትን ረኺቡ” በልኩ።+ 17 ልበይ ከኣ ጥበብ ናብ ምፍላጥን ጽላለ* ናብ ምፍላጥን ዕሽነት ናብ ምፍላጥን ከም ዜቕልብ ገበርክዎ፣+ እዚ እውን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይ እዩ።