28 እኩያት ዚሰጕጎም ዘይብሎም ይሃድሙ፣
ጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ድምብርጽ ኣይብሎምን።+
2 ኣብ ሃገር ኣበሳ ምስ ዚህሉ፡ መሳፍንቲ ይቀያየሩ፣+
ብሓገዝ ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብ ግና፡ መስፍን ነዊሕ ይቕጽል።+
3 ንትሑት ዚዕምጽ ድኻስ፡+
ንዅሉ እንጌራ ኸም ዚዅስትር ዝናም እዩ።
4 ሕጊ ዚሓድጉ፡ ንእኩይ ይውድስዎ፣
ሕጊ ዚሕልዉ ግና፡ ይቝጥዕዎም።+
5 እኩያት ሰባትሲ ፍትሒ ኺርድኡ ኣይክእሉን፣
ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ኵሉ ኺርድኡ ይኽእሉ።+
6 ካብቲ መገድታቱ እተበላሸወ ሃብታምሲ፡
ብንጽህና ዚመላለስ ድኻ ይሓይሽ።+
7 ኣእምሮኛ ውሉድ ሕጊ ይሕሉ፣
ብጻይ ህሩፋት ግና ንኣቦኡ የዋርዶ።+
8 ብወለድን+ ብሓረጣን ሃብቱ ዜብዝሕ፡
ነቲ ንድኻ ሞገስ ዜርእዮ ይእክበሉ።+
9 ሕጊ ምስማዕ ዚኣቢ፡
ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ።+
10 ንቕኑዓት ናብ እኩይ መገዲ ኺኣትዉ ዜስሕቶም፡ ኣብ ጕድጓዱ ይወድቕ፣+
መንቅብ ዘይብሎም ግና ጽቡቕ ይወርሱ።+
11 ሃብታም ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ጥበበኛ እዩ፣+
ምስትውዓል ዘለዎ ድኻ ግና እንታይነቱ ይፈልጦ።+
12 ጻድቃን ምስ ዚዕወቱ፡ ዓብዪ ኽብሪ ይኸውን፣
እኩያት ናብ ስልጣን ልዕል ምስ ዚብሉ ግና፡ ሰባት ይሕብኡ።+
13 ኣበሳኡ ዚሓብእ፡ ኣይሰልጦን፣+
ዚናዘዘሉን ዚሓድጎን ግና፡ ምሕረት ይረክብ።+
14 ወትሩ ዚጥንቀቕ ሰብ ሕጉስ እዩ፣
ልቡ ዜትርር ግና፡ ኣብ መዓት ይወድቕ።+
15 እኩይ ገዛኢ ኣብ ልዕሊ ረዳኢ ኣልቦ ህዝብስ፡
ሕኒን ከም ዚብል ኣንበሳን ተሃንዲዱ ኸም ዚመጽእ ድብን እዩ።+
16 ምስትውዓል ዘይብሉ መራሒ ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ይጥቀመሉ፣+
ረብሓ ሸፈጥ ዚጸልእ ግና፡ ህይወቱ የንውሕ።+
17 ህይወት ብምጥፋኡ ዕዳ ደም ዝኸበዶ ሰብ ክሳዕ መቓብር ይሃድም።+
ሓደ እኳ ኣይደግፎ።
18 ብዘይ ኣበር ዚመላለስ፡ ይድሕን፣+
መገድታቱ ቔናን ዝዀነ ግና፡ ብሃንደበት ይወድቕ።+
19 ምድሩ ዚከናኸን፡ እኹል እንጌራ ይረክብ፣
ዘይጠቅም ነገራት ዚስዕብ ግና፡ ድኽነት ይጸግብ።+
20 እሙን ሰብ ብዙሕ በረኸት ይረክብ፣+
ኪህብትም ዚህወኽ ግና፡ ንጹህ ኰይኑ ኣይቅጽልን።+
21 ኣድልዎ ጽቡቕ ኣይኰነን፣+
ሰብ ግና ምእንቲ ቝራስ እንጌራ ይብድል።
22 ቀናእ ሰብሲ ድኽነት ከም ዚረኽቦ ኸይፈለጠ፡
ኪህብትም ሃንቀው ይብል።
23 ካብቲ ብልሳኑ ዚሽሕጥሲ፡
ንሰብ ዚገንሕ፡+ ደሓር ዝያዳ ሞገስ ይረክብ።+
24 ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዚዘምት እሞ፡ “በደል ኣይኰነን” ዚብል፡+
መሻርኽቲ እቲ ንሰብ ዜጥፍእ እዩ።+
25 ስሱዕ ሰብ ባእሲ የለዓዕል፣
ኣብ የሆዋ ዚጽጋዕ ግና ጽቡቕ ይረክብ።+
26 ብልቡ ዚእመን፡ ዓሻ እዩ፣+
ብጥበብ ዚመላለስ ግና፡ የምልጥ።+
27 ንድኻ ዚህብ፡ ገለ እኳ ኣይጐድሎን፣+
ኣዒንቱ ዚዕምት ግና፡ ብዙሕ ይርገም።
28 እኩያት ናብ ስልጣን ልዕል ምስ ዚብሉ፡ ሰባት ይሕብኡ፣
ምስ ዚጠፍኡ ግና፡ ጻድቃን ይበዝሑ።+