ኢሳይያስ
“ኣነ እቲ ብጽድቂ ዝዛረብ፡
ንምድሓን ዓብዪ ሓይሊ ዘለዎ እየ።”
2 ስለምንታይ ደኣ ኣልባሳትካ ቐይሑ፧
ስለምንታይከ ኽዳውንትኻ ኸምቲ ናይቶም ኣብ መጽመቝ ወይኒ ዚረግጹ መሲሉ፧+
3 “በይነይ ነቲ ጋብላ ወይኒ ረጊጸዮ።
ካብ ህዝብታት ምሳይ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
ብቝጥዓ ረጊጸዮም፣
ብነድረይ ድማ ጨፍሊቐዮም።+
ደሞም ኣብ ክዳውንተይ ተነጺጉ፣
ንዅሉ ኣልባሳተይ ከኣ ጸይቐዮ።
4 መዓልቲ ሕነስ ኣብ ልበይ ኣላ፣+
መዓልቲ ብጁዋተይ ድማ መጺኣ ኣላ።
5 ጠሚተስ፡ ዚሕግዝ ኣይነበረን፣
ዋላ ሓደ ኺድግፍ ብዘይምቕራቡ ደንጽዩኒ።
7 ብምኽንያት እቲ የሆዋ ኸም ምሕረቱን ከምቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ዓብዪ ፍቕሩን
ዝገበረልና ዅሉ ተግባራት፡
ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ብዙሕ ጽቡቕ ነገራት፡
የሆዋ ብተኣማንነት ብዜርእዮ ፍቕሩ ዝገበሮ ተግባራት፡+
ዚንኣድ ተግባራት የሆዋ ኽረቍሕ እየ።
8 ንሱስ፡ “ብርግጽ ህዝበይ፡ ዘይጠልሙ ደቂ እዮም” በለ።+
ስለዚ፡ መድሓኒኦም ኰነ።+
ብፍቕሩን ብርሕራሐኡን ተበጀዎም።+
ኣብ ኵሉ ናይ ጥንቲ ዘመን ድማ ኣልዒሉ ጾሮም።+
10 ንሳቶም ግና ዓለዉ፡+ ንመንፈስ ቅዱሱ ኸኣ ኣጕሃይዎ።+
11 ንሳቶም ከኣ ዘመን ጥንቲ፡
ዘመን ሙሴ እቲ ጊልያኡ ዘከሩ፦
“እቲ ምስ ጓሶት መጓሰኡ ኻብ ባሕሪ+ ዘውጽኦም ኣበይ ኣሎ፧+
እቲ ንመንፈስ ቅዱሱ ኣብ ውሽጡ ዘሕደረ ኣበይ ኣሎ፧+
12 እቲ ንኽቡር ቅልጽሙ ምስ የማነይቲ ኢድ ሙሴ ኸም እትኸይድ ዝገበረ፡+
ንርእሱ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኺገብርሲ፡+
ኣብ ቅድሚኦም ማያት ዝመቐለ፡+
13 ከም ፈረስ ኣብ መሮር*
ከይተዓንቀፉ ኪኸዱስ፡
በቲ ቡሕቡሕታ ማያት* ዘኼዶም ኣበይ ኣሎ፧
14 ከምቲ ማል ናብ ጐልጐል ስንጭሮ ዚወርዳ፡
መንፈስ የሆዋ ኣዕረፎም።”+
15 ካብ ሰማይ ኣንቈልቊልካ ጠምት፣
ካብቲ ልዑል መንበር ቅድስናኻን ክብርኻን* ርአ።
ካባይ ተገቲኡ ኣሎ።
ስምካ ኸኣ እቲ ናይ ጥንቲ ተበጃዊና እዩ።+
17 ኦ የሆዋ፡ ስለምንታይ ካብ መገድታትካ ኽንኵብልል እትሓድገና፧*
ከይንፈርሃካስ ስለምንታይ ልብና ኺተርር እትሓድግ፧*+
ምእንቲ ገላዉኻ፡
ምእንቲ ነገዳት ርስትኻ ተመለስ።+
18 እቲ ቕዱስ ህዝብኻ ንሓጺር ግዜ ተረስትይዋ።
ተጻረርትና ንመቕደስካ ረጊጾምዋ ኣለዉ።+
19 ንነዊሕ ግዜ ኸምቶም ከቶ ዘይገዛእካዮም፡
ከምቶም ብስምካ ኸቶ ዘይተጸውዑ ዄንና ኣለና።